ጅሃዳዊ ጕጅለ 50 ደቂ ኣንስትዮ ጨውዩ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቡርኪናፋሶ ብሰንኪ ግጭት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቡርኪናፋሶ ጅሃዳዊ ጕጅለ፡ 50 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ከምዝጨወየ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ነበርቲ ናይቲ ጭውያ ዝተኻየደሉ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ኣርቢንዳ ዝተበሃለ ከባቢ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት መግቢ፡ ፍረታት መሮር ንምእራይ ናብ በራኻ ዝወፈራ ክልተ ጕጅለታት ደቂ ኣንስትዮ በቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ከምዝተጨወያ ገሊጾም።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ክጭወያ እንከለዋ ካብአን ዝሃደማ ውሑዳት ነቲ ዘጋጠመ መጺአን ከምዝነገራኦም’ውን እቶም ነበርቲ ሓቢሮም።

እቲ ጭውያ ብሓሙስን ብዓርብን’ኳ እንተተፈጸመ፡ እቲ ቦታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እስላማውያን ዕጡቓት ስለዝርከብ እቲ ዜና ሕጂ’ዩ ተሰሚዑ።

ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ከባቢ ዝብላዕ ነገር ስለዘየለ ፍረታት መሮር እንተረኸባ’የን ብሓባር ናብ በረኻ ምስ ከዳ ተጨውየን” ድሕሪ ምባል ሕጂ ግን ነተን ሒዘናአን ዝወፈራ ብሰብ ዝጕታት ዓረብያታተን ጥራይ ከምዝረኸብወን ገሊጹ።

ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ “ብሓሙስ ከይመጻ ምስ ተረፋ፡ ምናልባት እተን ሒዘናአን ዝኸዳ ዓረብያታትዶ ተበላሽየነአን ይዀና ኢልና ኔርና፣ እንተዀነ ንጽባሒቱ ምስአን ወፊረን ካብቲ መጭወይቲ ዘምለጣ ሰለስተ እቲ ዝዀነ ነጊረናን” ኢሉ።

ከባቢ ኣርቢንዳ ጀሃዳውያን ዕጡቓት ብብዝሒ ዝንቀሳቐሱሉን ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ዘካየደሉ ቦታ’ዩ።

ናብቲ ቦታ ዝኣቱን ዘውጽእን ጽርግያታት ምሉእ ብምሉእ በቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ስለዝተተሓዘ፡ እቲ ብኸቢድ ሕጽረት ዝሳቐ ነባሪ እቲ ከባቢ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሖ ኣይከኣለን ዘሎ፣ ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዙሓት ነበርቲ ኣርቢንዳ መግብን ካልእን ንምርካብ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ መኽዘን መግቢ ሰይሮም ከምዝኣተዉ ዝዝከር’ዩ።

ሃገረ ቡርኪናፋሶ ብዓባያ ብሰንኪ’ቲ ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉላ ዝኸኣሉ ርግኣት ዝተሰኣና ሃገር እያ ኰይና ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ብጀሃዳዊ ጕጅለታት ብተደጋጋሚ ዝካየድ መጥቃዕትታት ክቈጻጸሮ ምዃኑ’ኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ እቲ በቶም ጕጅለታት ዝፍጸም መጥቃዕትታት ግን ኣብ ዘሓለፈ ሓደ ዓመት ወሲኹ’ምበር ኣይሃድአን።