ሕልማ ጋህዲ ክትገብር ምቁር መግብታት ክሳዕ ምሻጥ ዝበጽሐት ኮኾብ

መግለጺ ቪድዮ, ሕልማ ጋህዲ ክትገብር ምቁር መግብታት ክሳዕ ምሻጥ ዝበጽሐት ኮሎምብያዊት ኮኾብ
ሕልማ ጋህዲ ክትገብር ምቁር መግብታት ክሳዕ ምሻጥ ዝበጽሐት ኮኾብ

ተጻዋታቲት ጋንታ ኣትሌትኮ ማድሪድ ዝኾነት ሰይሊ ሳንቶስ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ኣብ ሃገራ ኮሎምብያ ንደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኩዕሶ ሜዳ ብዘይምንባሩ ምስ ተባዕትዮ ክትጻወት ትግደድ ከምዝነበረት ገሊጻ። ንሳ ክኢላ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ናይ ምዃን ሕልማ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕብስቲ ትሸይጥ ከምዝነበረት ተዘንቱ።