ዝነበረን ስራሕ ራሕሪሐን ኮዲንግ ዝመረጻ ደቂኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣነ ኣብ ቴክኖሎጂ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ ኰይኑ ኣይስምዓኒን'ዩ ነይሩ" ትብል ካብ መምህር ናብ 'ኮደር' ዝተቐየረት ጀሲካ ጊልበርት።
ስምዒት ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ዘቃልሕን፡ ብስታቲስቲክስ ዝተረጋገጸን ኣረኣእያ'ዩ።
ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ናይ ክእለት ሃጓፍ ኣሎ። ከምዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ኸኣ፡ ኣብ 2025 ን115 ናይ ስራሕ ዕድላት ሓንቲ ብቕዕቲ ጓልኣንስተይቲ ጥራይ'ያ ክትህሉ።
መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ምስ ደቂተባዕትዮ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ስነፍልጠት (ሳይንስ)፡ ቴክኖሎጂ፡ መሃነድስነት (ኢንጂነሪን)፡ ከምኡ'ውን ቁጽሪ (ማተማቲክስ) ድሩት ተሳታፍነት'ዩ ዘለወን።
እንተዀነ፡ ገለ ካብአን ነቲ ዘሎ ተርእዮ ብምምዝማዝ፡ ሓድሽ ኣንፈት ሞያ ክሃንጻ ጀሚረን ኣለዋ።
ብመሰረት ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብታ ሃገር 15,000 ዝያዳ ደቂኣንስትዮ ኣብ ምምዕባል ፕሮግራማትን ሶፍትዌራትን ኮምፒተር ይሰርሓ ኣለዋ። መርበብ ሓበሬታ(ወብሳት) ዲዛይን ዝገብራ'ውን ብ10,000 ወሲኸን ኣለዋ።
ኰይኑ ግን ምስ ኵሉ'ዚ ዝተራእየ ገስጋስ፡ 25 ሚእታዊት ናይ ኮዲንግ (coding) ዕድላት ስራሕ ጥራይ'ዩ ብደቂኣንስትዮ ተታሒዙ ዘሎ።
'ክብድ ዝበለን ዘዋጽእን'
ኣብ ከተማ ግላስጎው፡ ስኮትላንድ እትነብር ጀሲካ፡ ክሳብ ዝነበራ ጸዓት ትጽንቅቕ ንሓሙሽተ ዓመት ናይ መባእታ መምህር ኰይና ሰሪሓ።
ውጥናት ምስትምሃር (ለሰን ፕላን) ከተውጽእ ለይቲን ቀዳመ-ሰንበትን ክትሰርሕ ትግደድ ነይራ። ንተመሃሮኣ ንምድጋፍ'ውን ገንዘባ፡ ናይ ስደራቤታን መሓዙታን ንብረት እናተለቀሐት ትጥቀም ነይራ።
"ፈጺመ ካብኡ ዕረፍቲ ክረክብ ኣይክልን ነይረ" ድማ ትብል።
እታ ጓል 28 ዓመት፡ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዕድላት ከምዘሎ "ኣፍልጦ ኣይነበረንን" ዝበለት ጀሲካ፡ ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣብ ኢንስታግራም ሓደ 'ኮድ ፈርስት ገርልስ' (Code First Girls) ዝብል መወዓውዒ ስራሕ ትርኢ'ሞ፡ ብዕቱብ ምስ ፈተሸቶ፡ ንሸሞንተ ሰሙን ዝቕጽል ናጻ ናይ ኮዲን ስልጠና ዝህብ ምዃኑ ትርዳእ።
"ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሳይንስ ወይ ቁጽሪን ብዙሕ ስለዘይነበርኩ፡ ኮድ ክሰርሕ ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰመዓንን- ኣፍደገታት እቲ 'ስተም' (STEM) [ተባሂሉ ዝጽዋዕ] ዓውዲ ዕጽዉ'ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። "ብቕንዕና ንምዝራብ፡ ኢንጂነር ሶፍትዌር እንታይ ምዃኑ'ውን ኣይፈልጥን'የ ነይረ" ትብል።
"ዘይብሃግ ናይ ደቂተባዕትዮ ስራሕ ጌረ'የ ዝወስዶ ነይረ- ብርግጽ'ውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዝተዋፈራ ኣርኣያ ክዀናኒ ዝኽእላ ዝፈልጠን ደቂኣንስትዮ ኣይነበራኒንን።"
ድሕሪ ዝወሰደቶ መባእታዊ ኮርስ፡ ጀሲካ እናመሃረት እንከላ ናይ ምሸት ተወሳኺ ትምህርቲ ኮዲንግ ከተጽንዕ ጀሚራ። "ከቢድን ዘዋጽእን" ከምዝነበረ ድማ ትገልጽ።
ሎሚ፡ ከም ፈላሚት ሶፍትዌር ኢንጂነር ብምዃን ኣብ ስካይ በቲን ኤንድ ጌይሚን (Sky Betting & Gaming) ዝተባህለ ናይ ጠላዕ ትካል ትሰርሕ ኣላ።
ዋላ'ኳ ክንዲ'ቲ መምህር ኰይና ትኽፈሎ ዝነበረት ኣይትርከብ፡ ብስርሓ ሕጕስቲ ምዃና'ያ ትዛረብ።
ጀሲካ፡ ኣባል ናይ ሓደ 'ህይወት ድሕሪ ምምህርና" ዝተባህለ ጕጅለ ፌስቡክ እያ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ገጽ ተመክሮኣ ምስ ኣካፈለት፡ "በቶም ሞያ ክቕይሩ ዝደልዩ ብዙሓት መምህራን" ኢንቦክሳ ከምዝመልአ ብምግላጽ ብዙሓት ከምዝተወከሱዋ ትዝክር።
ብድሕ'ዚ ድማ፡ ኣብ ኢንስታግራም 'ካብ መምህር-ናብ-ኮደር' (@teacher2coder) ዝብል ገጽ ብምኽፋት፡ ንካልኦት ደቂንስትዮ ብዛዕባ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት ከተፋልጥ ወሲና።
"ኮንዲን ከምዚ ናይ ኮምፒዩተር ሳይንትስት ወይ ኣዝዮም በላሕቲ ሰባት ገይረ ስለዝወሰድክዎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ግምት ኣየእተኹዎን ነይረ። ጽቡቕ ናይ ምርድዳእ ወይ ምፍታሕ ጸገማት ክእለት ንተሃልዩኪ፡ ስራሕ ቴክኖሎጂ ክሰማማዓኪ'ዩ"።

ዘይተመዝመዘ ዕቝር ክእለት
ጓል 25 ዓመት ታስሊማ ፌርዶስ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ 'ባዮመዲካል ሳይንስ' (ስነፍልጠት ሕክምናዊ ስነ-ህይወት) እያ ኣጽኒዓ። ሓደ መዓልቲ ሓኪም ክትከውን'ውን ሃቐነ ነይሩዋ። ስለዚ፡ ኣብ ለንደን ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ከም ተሓጋጋዚት ጥዕና ትሰርሕ ነይራ።

"ኤን-ኤች-ኤስ ኣብ ሕማቕ ኵነታት'ዩ ነይሩ፡ ኣነ'ውን ምስጋና ዝረኽበሉ ኰይኑ ኣይተሰመዓንን" ትብል።
ናይ ሓንቲ ኮደር ዝዀነት መንእሰይ ዛንታ ምስ ኣንበበት ግን፡ ሞያ ናይ ምቕያር ሓሳባት ከተሰላስል ጀሚራ። እንተዀነ፡ ናይ ሳይንስ ድሕረባይታ ጥራይ ስለዝነበራ፡ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ክትሰርሕ ብዛዕባ ዘለዋ ተኽእሎ ተማቲኣ።
"'እንታይ ከይከስር?' ብዝብል ሓሳብ'የ ጀሚረ። ስለዚ፡ 14 ሰሙን ዝቐጸለ ስልጠና ወሲደ፡ ኣብኡ ናይ 'ፓይተን' [python] ከምኡ'ውነ 'ኤስ-ኲው-ኤል [SQL] መሰረት ሒዘ"።
"ጕጅለይ ብምልኦም ደቂተባዕትዮ እዮም፡ እዚ ግን ናይ መጀመርታ'ዩ" ትብል ፌርዶስ።
"ሞያ ምቕያር ከምቲ ናይ ቀደም ከቢድ ኣይኮነን። ሓያል ጻዕሪ እንተጌርክሉ፡ እቲ ዝድለ ሰዓታት እንተ ኣጥፊእክሉ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዘይትሰርሕሉ ምኽንያት የለን።"
ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ ብሪጣንያ ዘካየዶ ዳህሳስ ዕዮ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ሰነ 2022 ንደሓር ኣብታ ሃገር 512,900 ደቂተባዕትዮ ክኢላታት ምምዕባል ፕሮግራማት፡ ሞያውያን ምምዕባል ሶፍትዌራት፡ ዲዛይነራት መርበብ ሓበሬታ፡ ከምኡ'ውን ተንተንቲ ማዕከን ሓበሬታ (ዳታ ኣናሊስት) ነይሮም። ብኣንጻሩ፡ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ሞያታት ዝሰርሓ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ 113,900፡ ማለት 18.17 ሚእታዊት ጥራይ'የን ነይረን።
ብደቂኣንስትዮ ዝቘመ ትካል 'ኮድ ፈርስት ገርልስ' (Code First Girls) ንደቂኣንስትዮ ናጻ ኮርሳት ኮዲን ኣብ ምሃብን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ምስ ሓደስቲ ክኢላታት ደቂኣንስትዮ ኣብ ምርኻብን ይነጥፍ።
ዋና ኣካያዲት ናይቲ ትካል ኣና ብረይልስፈርድ ከምእትብሎ፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ኢንጂነሪንን ማተማቲክስን (STEM) ዘለወን ኣመለኻኽታ ክቕይራ ዕድል ክወሃበን ኣለዎ።
"ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ዓውድታት ትምህርቲን ሞያታትን ዘይተመዝመዘ ዕቝር ክእለት ኣሎ" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







