ኔዘርላንድስ፡ 'ናዕበኛታት ኤርትራውያን' ንምህዳን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሕጊን ጽልዋኡን እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድስ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር፡ ዝተፈላለየ ኣገባባት ርክብን ተሌፎናትን ወግዓዊ ብምግባር ጸዊዑ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ፖሊስ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዕለት ዕግርግር ካብ ዝተፈላለያ ካሜራታት፡ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዝተወስደ ኣሳእል ሽዱሽተ ሰባት ዘስፈረ እዩ።
እቲ ብቀዳም ምሸት - 17 ለካቲት፡ ኣብ ፍረትቨኽ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኦፔራ ዝተራእየ ከቢድ ናዕቢ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጕጅለታት ብዝፈጠርዎ ግጭት ዝተቐስቀሰ ኰይኑ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ምንባሩ መግለጺ ፖሊስ የመልክት።
ኣብቲ እዋን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ምምሕዳር እታ ከተማ ሮቢን ሚደል፡ "እቲ ናዕቢ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ" ኰይኑ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፍ ጕጅለ ኣኼባ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ቦታ ብተቓወምቲ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ፖሊስ ብተወሳኺ፡ ነቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝተፈጥረ ኵነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ናዕበኛታት ምስ ፖሊስ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ከቢድ ረጽሚ ከም ዝኣተዉ ጠቒሱ።
“እቶም ናዕበኛታት ኣእምሮኦም ምቍጽጻር ስኢኖም፣ ዳርጋ ንዅሉ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ - መካይን፡ መሳዅቲን ካልእን - ኣዕንዮም፡” ብምባል እቲ ኣዳራሽ ብከቢድ ከም ዝዓነወ’ውን ኣመልኪቱ።
ነቲ ናዕቢ ንምህዳ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተጠቐሙ፤ እንተዀነ፡ እቶም ናዕበኛታት መካይን ፖሊስን ኣውቶቡሳትን ከምዘቃጸሉ መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።
ብዘይካ’ዚ በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ትክን ሙቐትን ኣብ ጥዕና ሰባት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝገደፈ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ብዘይካ ንዋታዊ ዕንወት፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ከምዝተሃርሙ ጠቒሱ’ሎ።
ነዚ ኣመልኪቱ፡ ቢቢሲ ኣብታ ሃገር ንዝነበር ኤርትራዊ-ኔዘርላንዳዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ኣዘራሪቡ'ሎ።
እቲ ፍጻመ ከመይ ነይሩ?
ኣብቲ ዕለት ገለ 800 ሚእቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣደራሽ ተኣኪቦም 'ጽንብል ፈስቲቫል' የካይዱ ከም ዝነበሩን፡ ነቲ ጽንብል ክዘርጉ ዝተበገሱ ተቓወምትን መጺኦም ድማ ብጠቕላላ ልዕሊ 1600 ሰባት ኣብቲ ከባቢ ከምዝነበሩ፡ ሃብቶም ይጥቅስ።
እቶም ተቓወምቲ፡ ነቲ ፈስቲቫል ክዘርጉ፡ ብፖሊስ ተዓጊቶም ናብ ውሽጢ እቲ ኣደራሽ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ፡ እንጽርጽሮቶም ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ዝጸንሐ ንብረት - መሳዅቲ እቲ ኣደራሽ፣ ክምኡ’ውን ኣብ ሰባት ኣባላት ፖሊስን ወሃብቲ ዝተፈላለየ ሓገዛት፡ መጥፋእቲ ሓውን ካልእን - ብምህራምን መካይን ብምቅጻልን ዕንወት ከምዝወርዱ እውን'ዩ ዝግለጽ።
በዚ ድማ ነታ ንገለ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ሒዛ ዝመጸት ዓባይ ኣውቶቡስ ኣቃጺሎም፣ ካብኡ ንክልተ መካይን ፖሊስን ካልእን ኣቃጺሎም ኣብ ልዕሊ ፖሊስ እውን ጉድኣት ከምዘውረዱ ብምዝርዛር፡ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ንኣመዓባብላ እቲ ኵነታት የረድእ።
ወሲኹ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገለ 26 ኣባላት ፖሊስ ክህረሙ እንከለዉ፣ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ፖሊስ ድማ ኣስናና ክሳብ ዝረግፍ ብሕማቕ ከም ዝተሃርመት ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መስርሕ ፖሊስን ሕጊን?
ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ዕለት ብፖሊስ ተኣሲሮም እዮም። ገለ ካብኣቶም ድማ “ኣብዚ ወርሒ ንዕለት 17 ከምኡ’ውን ንዕለት 30 ኣብ ዘሎ መጋብእያ ቤት ፍርዲ” ክቐርቡ ምዃኖም ጋዜጠኛ ሃብቶም ይገልጽ።
እዚ ብ 17 ለካቲት ዝተኻየደ ናዕቢ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ወትሩ ሰሉስ ዝፍኖ መደብ ፖሊስ ክልተ ግዜ ቀሪቡ ከምዝተዘርበሉ ዝገለጽ ሃብቶም፡ እዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ግን ፍልይ ዝበለን ምዃኑ የረድእ።
ፖሊስ፡ ዝተፈላለየ ኣሳእል ጥርጡራት ብምዝርጋሕ እዩ ነቲ ጉዳይ ኣልዒልዎ ዘሎ።
ንመስርሕ ፖሊስን ፍርድን ዝወስዶ ግዜ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ከረድእ እንከሎ ድማ ሃብቶም፡ እቲ ጉዳይ ብልዑል ጥንቃቐን ምጽራይ ዝግበር ምዃኑ ብምርዳእ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ተመሳሳሊ ኣገባባት ተቓውሞ ኤርትራውያን ይጠቅስ።
እቶም ተቓወምቲ ካብን ናብን ዝተፈላለያ ሃገራትን ከተማታትን ኣውሮጳ እናተንቀሳቐሱ፡ ካብ 'ኔዘርላንድ ናብ ጀርመን፣ ካብ ጀርመን ናብ ሽወደን... ካብ ሽወደን ናብ ኔዘርላንድ... ወዘተ' እናተንቀሳቐሱ ክገብርዎ ስለዝጸንሑ፡ ኵሎም ግድን ኣይኰነን ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ክዀኑ፤ ወይ’ውን ካብ ኔዘርላንድ ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይዶም ተሓቢኦም ክዀኑ ስለዝኽእሉ እቲ መስርሕ ምልላይን ምጽራይን ግዜ ከምዝወሰደን፣ ከምዝወስድ ከምዝኽእልን ይእምት።
እንተዀነ “ኢንተርፖል ስለዘሎ ግን ኣብ ኣውሮጳ ይዅን ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ” ክከታተልዎም ከምዝኽእሉ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ጉዳይ ግን፡ ፖሊስን ኣኽባር ሕጊን ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ኣጻርዮምን ኣጽፊፎምን ናብ ቤት ፍርዲ እንተዘይወሲዶምዎ፣ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ክሰዓሩ’ውን ተኽእሉ ስለዘሎ፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽፋፍን መርትዖታት ንምእካብን ግዜ ከምዘድሊ የረድእ።
ፖሊስ ኔዘርላንድስ፡ ኣብዚ ከፊትዎ ዘሎ ፍሉይ መዝገብ ገበን፡ ሰፊሕ ጕጅለ መርመራ ተመዚዙ ከምዘሎ ይሕብር።
ኣብቲ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ዝርዝር ዕንወታት ድማ፡ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ከቢድ ስንባደ፡ ዕንወት መካይን፡ ኣባይትን ትካላት ንግድን ብምዝርዛር እቲ ጽልዋ ዓቢ ምዃኑ ኣቐሚጡ።
ኣብዚ እዋን ዕቱብ መርመራታት ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ብምሕብር ፖሊስ፣ ድሮ 16 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ገለኦም ኣብዚ ወርሒ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ኣመልኪቱ'ሎ።
ዝፈጥሮ ጽልዋ
ከምዚ ዝበለ ናዕቢን ዕግርግርን፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ይዅን፡ ነቶም ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሕሉፋት የማናውያን ፖለቲከኛታት፡ ንምጕቶም ዘራትዕ ፍጻመታት ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ህዝቢ’ውን ይብል ሃብቶም፡ “እቲ ህዝቢ ኣዕቍብናዮም እንከለና፡ ናይ ሃገሮም ሽግር ናባና ኣምጺኦም ንዓና ሓደጋ ይፈጥሩልና፡” ብምባል ከም ንዕቀት ክገልጽዎን ስግኣቶምን ብዝተፈላለየ መገዲ ክስማ'ዕ ከም ዝጸንሐ ይገልጽ።
ምስ ፖሊስ ይዅን ከም ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ዝኣመሰሉ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ዝግበር ባእሲን፡ ንዓታቶም ምህራም ዘስዕቦ መቕጻዕትን፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ከምዝኸረረን ብምግላጽ ዝጽበዮም መቕጻዕቲ ቀሊል ከምዘይኰነን የመልክት።
እቲ ብውልቀሰባት ደረጃ፡ ኣብ መዝገበኦም ዝሰፍር ነገራት ድማ፡ ኣብ ህይወቶምን ስርሖምን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ድማ ይገልጽ።
ብኻልእ መዳይ ግን እዚ ጉዳይ፡ “ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምብዛሕ ስደተኛታትን ካላ'እ ኵነታትን ኣቓልቦ ክወሃቦ፡” ድርኺት ክፈጥር ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ይግምግም።
ከም ዝዝከር...
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካናዳን ዕግርግርን ምትፍናን ክርአ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ስቱትጋርት ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ብውሕዱ 26 ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ዓሰርተታት ሰባት ቆሲሎም እዮም።
ብሰንኩ ድማ ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕግርግር ዝፈጠሩ ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት ከምዝመስረተ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ብዙሓት ከም ዝተኣስሩን ገለ ድማ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከምዘለዉን ይንገር።
ብዘይክኡ፡ ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ እውን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዕግርግር ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም ነይሮም። እቲ ናዕቢ ንኣፍሪቃውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ድማ ዝጸለወ ነይሩ።
ኣብ ካናዳ እውን፡ ኣብ መስከረም ኣብ ካልጋሪ ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር ኤርትራውያን፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ኵነታት ‘ብዝተፈላለየ ተራ’ ዝተሳተፉ ዝበሎም 16 ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ፖሊስ ካናዳ፡ ንመስርሕ ድልያ ኣመልኪቱ፡ "ንልዕሊ 600 ሰዓታት ዝቐጸለ ካብ ሲሲቲቪ - ካሜራ ዝተኣከበ ቅንጥብጣብ ኣሳእል፡ ኣብ ክዳውንቲ ብዝጠበቐ ካሜራታት ዝተኣከበ ዲጂታዊ መርትዖታት ንምርምር ኣለና፡” ብምባል ንኽብደትን ዕምቈትን እቲ መስርሕ መርመራ ኣረዲኡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







