ፍርቂ ህጻናት ኢትዮጵያ ኣብ ግዱድ ዕዮ ዝተዋፈሩ'ዮም
ፍርቂ ህጻናት ኢትዮጵያ ኣብ ግዱድ ዕዮ ዝተዋፈሩ'ዮም
ሎሚ፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣንጻር ግዱድ ዕዮ ህጻናት’ዩ።
እቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ዓይነታት ግዱድ ዕዮ ህጻናት ዝጥምት ስምምዕ ካብ ዝጸድቕ ድማ 25 ዓመታት ገይሩ ኣሎ።
ዞባ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ መጠን ግዱድ ዕዮ ህጻናት ዘለወን ሃገራት'ዮም።
ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ካብ ዝርከቡ ህጻናት ኣብ ግዱድ ዕዮ ዝተዋፈሩ'ዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ህጻናት እቶም ፍርቈም ኣብ ግጉድ ዕዮ ዝተዋፈሩ’ዮም።
ኣብ ቡርኪናፋሶ 42 ሚኢታዊት፡ ጫድ 39 ሚኢታዊት፡ ካሜሩን 39 ሚኢታዊት፡ ቶጎ ድማ 39 ሚኢታዊት ህጻናት ኣብ ግዱድ ዕዮ ተዋፊሮም ከም ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ።



