ቀይሕ ባሕሪ፡ በጻሕቲ ዝሓዘት ጃልባ ብምጥሓላ 16 ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓንቲ በጻሕቲ ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ 16 ሰባት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰብመዚ ግብጺ ሓቢሮም።
ካብቶም 44 ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት 28 ካብ ሞት ክድሕኑ ከምዝኽኣሉ'ውን ተገሊጹ'ሎ።
እታ 'ሲ ስቶሪ' (Sea Story) ተባሂላ እትጽዋዕ ጃልባ 31 በጻሕቲ ሒዛ ብቀዳም ካብ ማርሳ ዓላም ተበጊሳ ንጥልቃ ናብ ባሕሪ ከምዝወፈረት ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሎሚ ወጋሕታ ሰዓት 05፡30 ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ድማ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ዝገልጽ መልእኽቲ ሰዲዳ።
በዚ መሰረት፡ ህጹጽ ሓገዝ ዝህብ ጉጅለ ናብቲ ዝነበረቶ ከባቢ ተላኢኹ።
ክልተ ካብቶም ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ፡ ብሪጣንያውያን ከምዝኾኑ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ፊንላድ'ውን ሓደ ዜጋኣ ምስቶም ጠፊኦም ዘለዉ ምዃኑ ገሊጻ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, Red Sea Governorate
ሜ/ጀነራል ዓምር ሓናፊ ከምዝበሎ፡ ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ደቡብ ካብ ማርሳ ዓላም ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዋዲ ኢል-ገማል እዮም ተረኺቦም።
ገለ ካብኦም ብነፋሪት ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱን፡ ብመርከብ ሓይሊ ባሕሪ ክውስዱ ይጽበዩ ከምዝነበሩን'ውን እቲ ጀነራል ጠቒሱ።
ነቶም ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ 17 ሰባት ንምርካብ ብኣየርን ባሕርን ዝግበር ዳህሳስ ይቕጽል ከምዘሎ'ውን ጀነራል ሓናፊ ኣመልኪቱ'ሎ።
"ምስ ሓይሊ ባሕሪን ሰራዊትን [ግብጺ] ብምትሕብባር ጽዑቕ ናይ ምድሓን ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ" ክብል እቲ ጀነራል ተዛሪቡ።
እታ ጃልባ 14 ግብጻውያን ኣባላት (ሰራሕተኛታት) ዝነበርዋ'ያ።
እቶም በጻሕቲ ሓሙሽ ስጳኛውያን፡ ኣርባዕተ ጀርመናውያንን ክልተ ኣመሪካውያንን ዝርከብዎም ምዃኖም ሰብመዚ እታ ማርሳ ዓላም ገሊጾም ኣለዉ። ክልተ ፖላንዳውያን ኣብታ ጃልባ ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ'ሎ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ብንጹር'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብቲ ከባቢ ህቦብላ ዘሰነዮ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ሰብመዚ ሜትዮሮሎጂ ግብጺ ሓቢሮም ምንባሮም ተፈሊጡ።
ማርሳ ዓላም ብዙሓት በጻሕቲ ዝኸዱዋ መስሕብ ቱሪዝም ኮይና፡ ኣብ ከባቢኣ ናይ ጥልቃ ቦታታትን ውቁብ ኮራል ሪፍን ከምዘሎ ይፍለጥ።
ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ 'ዳይብ ፕሮ ሊቭኦንቦርድ' ዝተባህለ ትካል ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ከምዝሕብሮ ግን፡ እታ ጃልባ ኣብ 2022 ዝተሰርሐት ኮይና፡ 44 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ ዀይና፡ 4 ደርብታትን 36 ሰባት ከአንግድ ዝኽእል 18 ክፍልታትን ትውንን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ሰለስተ ብሪጣንያውያን በጻሕቲ ኣብ ከባቢ ማርሳ ዓላም ኣብ ዝርከብ ማያት ኣብ ዝነበሩዋ ጃልባ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ከምዝሞቱ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







