ሸውሃት ምስ ጸቕጢ እንታይ'ዩ ዘተኣሳስሮ፡ ብኸመይከ ይፍወስ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸቕጢ ንጥዕናና ከዕኑ ይኽእል'ዩ፤ ቃንዛ ርእሲ፡ ቅርጸት፡ ስእነት ድቃስ የስዕበልና፣ ብዓቢዩ ንሸውሃትና የመዛብሎ።
ጸቕጢ ኣብ ዝስምዓና እዋን ከም ቾኮላታ ወይ ፒሳ ክብርሃና ይኽእል'ዩ ወይ'ውን ፈጺሙ ሸውሃትና ክዕጸው ይኽእል'ዩ።
ግን ብሓቒ ጸቕጢ ወይ ጭንቀት ንሸውሃትና ናይ ምዕጻውን ምኽፋትን ተኽእሎ ኣለዎ ድዩ፣ ነዚ ንምክልኻልከ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣሎ ድዩ?
ጸቕጢ ወይ ጭንቀት እንታይ'ዩ?
ፕሮፌሰር ራጂታ ሲንሃ፡ ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮን ዳይረክተር ናይ የል ዩኒቨርሲቲ ኢንተርዲሲፕሊናሪ ስትረስ ሴንተር "ጸቕጢ ወይ ጭንቀት ኣካላትካን ኣእምሮኻን ንበዳህትን ልዕሊ ዓቕምን ኵነታት ዝህቦ ግበረ መልሲ'ዩ፡፡ ኣብዚ ህሞት'ዚ፡ ዋላ ሓንቲ ክትገብሮ ዘይትኽእል ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
ኣብ ከባቢኻ ዝፍጸሙ ፍጻመታት፡ ኣብ ኣእምሮኻ ዝፍጠሩ ጭንቀታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣካላትካ ዝመጽእ ለውጢ ከም ልዑል ጥሜት ወይ ጽምኢ፡ ኵሎም ንሓደ ከም ዓተር ዝዓቐኑ ሃይፖታላመስ ዝበሃል ክፋል ሓንጎል ከንቀሳቕሱ ይኽእሉ፣ ኣካላትና ግብረ መልሲ ክህብ ኣብ ዝጀመረሉ ከኣ ናይ ጭንቀት ስምዒት ይለዓለና።
ሲንሃ፡ እዚ "ኣላርም ሲስተም" ኣብ ነፍሲወከፍ ዋህዮ ኣብ ኣካላትና ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ከም ኣድሪናሊንን ኮርቲሶልን ዝኣመሰሉ ሆርሞናት ብምንቅስቓስ ህርመት ልብን ጸቕጢ ደምን ከም ዝውስኽ ትሕብር።
ናይ ሓጺር ግዜ ጸቕጢ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ካብ ሓደጋ ክትሃድም ድርኺት ይህበካ'ዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ግን "ሕዱር" ጸቕጢ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ሕዱር ጸቕጢ ዘለዎም ሰባት - እዚ ድማ ኣብ ሓዳር፡ ፋይናንስያዊ ጉዳያት ወይ'ውን ኣብ ስራሕ ብዘለዎም ቀጻሊ ወጥሪ ዝለዓል ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ብጭንቀት፡ ጸገም ድቃስን ምውሳኽ ክብደት ሰብነትን ክሳቐዩ ይኽእሉ'ዮም።
ጭንቐት ብኸመይ'ዩ ምስ ሸውሃትና ዝዛመድ?
ጸቕጢ ንጥሜት ከዕብዮ ወይ ምሉእ ብምሉእ ስቕ ከብሎ ይኽእል።
ክኢላ እዚ ዓውዲ ዶክተር ሚቱ ስቶሮኒ፡ "ንፈተና ክዳሎ ኢለ ከጽንዕ እንከለኹ፡ ከምዚ ቀጨውጨውታ ዘለዎ ሕማም ይስምዓኒ ምንባሩ ክሳብ ሕጂ'ዩ ዝዝከረኒ፡" ትብል።
"ብርግጽ ሕጂ ፈሊጥናዮ ኣለና፡ ሓደ ካብቲ ከምኡ ዘግብሮ ምኽንያታት፡ ኣብ መንጎ ስርዓተ መዓናጡና፡ ከምኡ'ውን ሓንጎልና ቀጥታዊ ዝምድና ስለ ዘሎ'ዩ፡" ትውስኽ።
ጸቕጢ ንንጥፈታት ናይቲ ካብ ጕንዲ ሓንጎል ክሳብ ከብድና ዝኸይድ 'ቫጋስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መትኒ ክዓብጦ ይኽእል'ዩ።
እቲ ቫጋስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መትኒ፡ ኣብ መንጎ ሓንጎልን መዓንጣን ምልክታት ብምትሕልላፍ ንሓንጎል ብዛዕባ ምልኣት ከብድን ኣካላትና ዘድልዮ ጸዓትን'ዩ ይሕብር።
ስለዚ፡ እዚ መትኒ እዚ ብግቡእ መልእኽቲ ከሕልፍ ምስ ዘይክእል ኣብ ሸውሃትና ምዝባዕ ከም ዝፍጠር ዶክተር ስቶሮኒ ተብርህ።
ቀጺላ፡ "ብኻልእ ሸነኹ ምስ እተርእዮ ከኣ፡ ኣብቲ ልዑል ጸቕጢ ዝስምዓና ህሞት ሓንጎልና ሽኮር ከም ዘድልዮ'ውን ንፈልጥ ኢና፡" ትብል።
ሕዱር ጸቕጢ ኣብ ሸውሃትካ ዘለዎ ጽልዋኸ እንታይ'ዩ?
ጽልዋ ሕዱር ጸቕጢ ኪኖ ብርቱዕ ረስኒን ድሌት ሽኮርን ክኸይድ ይኽእል'ዩ።
ፕሮፌሰር ሲንሃ፡ ኣካላትካ ጸቕጢ ምስ ዝህልዎ፡ ደምካ ብሽኮር የዕለቕለቕ፡ ንሓጺር እዋን ድማ ኢንሱሊን (ንደረጃ ግሉኮስ ዝቈጻጸር ሆርሞን) ውጽኢታዊ ከም ዘይከውን ይገብሮ ትብል።
ግሉኮስ ኣብ ክንዲ ንጸዓት ዝውዕል ኣብ ደምና ስለ ዝጸንሕ መጠን ሽኮር ደም ከም ዝውስኽ ይገብር።
እዚ ድማ ሕዱር ጸቕጢ ዘለዎም ሰባት ኣብ መወዳእታ ንነዊሕ እዋን ልዑል መጠን ሽኮር ኣብ ደምን ተጻዋርነት ኢንሱሊንን ናይ ምምዕባል ሓደጋ የጋጥሞም፡ እዚ ድማ ክብደት ሰብነት ክውስኽ ወይ ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉ ኵነታት ከስዕብ ይኽእል።
ክብደት ሰብነትካ ምውሳኽ ብግዲኡ፡ ንኣካላትካ ንለውጢ ሸውሃት ዝያዳ ተቓላዓይ ክገብሮ ይኽእል።
ብሓፈሻ፡ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ኣካላት ዘለዎም ሰባት ንኢንሱሊን ዝጻወሩ ክዀኑ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም። እዚ ማለት ጭንቀት ምስ ዝህልዎም ሓንጎሎም ዝያዳ ሽኮር ይጠልብ ወይ ይደሊ ማለት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብጭንቀት ዝስዕብ ክቱር ድሌት መግቢ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል?
ጸቕጥኻ ኣቐዲምካ ንምምሕዳር መደባት ምውጻእ ኣብ እዋን ጸቕጢ ካብ መጠን ንላዕሊ ካብ ምብላዕ ንምክልኻል ሓደ ካብቲ ዝበለጸ መንገድታት ምዃኑ ዶክተር ስቶሮኒ ትመክር።
ድቃስ ከኣ እቲ መስረታዊ ነገር ምኻኑ ዘይምርሳዕ።
ዶክተር ስቶሮኒ፡ "ንድቃስ ከም ቀንዲ ረቛሒ ምትኳር ኣገዳሲ'ዩ፣ ድቃስ ነቶም ኣብቲ ናይ ጸቕጢ ምላሽ ዝሳተፉ ሰለስተ ኣካላት ዳግማይ ስለ ዝሰርዖም [ወይ ሪሴት ስለ ዝገብሮም'ዩ] እዩ ከም ቀንዲ ረቋሒ ዝውሰድ። በዚ'የ ሰብ ብስሩዕ ክድቅስ ኣለዎ ኢለ ዝመክርን፡" ትብል።
ድቃስ ነቲ 'ሃይፖታላመስ' ዝበሃል ክፋል ሓንጎልካ፡ ከምኡ'ውን ንጽክታት ፒቱታሪን ኣድረናልን ናብ ሚዛን ብምምላስ፡ ምፍራይ ሆርሞናት ጸቕጢ ደው የብሎ።
ዶክተር ስቶሮኒ "ድቃስ ዝኣብየና እንተዀይኑ፡ ኣካላትና ጸዓት ስለ ዝደሊ ዝያዳ ሽኮር ይጠልብ፣ ምኽንያቱ ድቃስ ምስኣን ሓንጎልካ ዝያዳ ጸዓት ከም ዝሓትት'ዩ ዝገብሮ፡" ትብል።
ምንቅስቓስ ኣካላት ካብ ውጥረት ናብ ዝተዛነየ ኵነታት ናይ ምስግጋር ዓቕምኻ ከመሓይሽን ስራሕ ሓንጎልካ ከመሓይሽን እውን ከም ዝሕግዝ ትመክር።
ልዑል ጸቕጢ እንተ ኣጋጢሙካ ኣብዞም መሰረታውያን ነገራት ምትኳር'ዩ ዝምከር።
ኣብ ጸቕጢ ኣብ እንህልወሉ ከነወግዶም ዘለና መግቢታት
ፕሮፌሰር ሲንሃ ጭንቀት ኣብ ዝህልወና እዋን ብዙሕ ሽኮር ንኸይንበልዕ ካብ ዝሕግዙ ቀለልቲ መንገድታት ሓደ፡ ዝተመስረሐ መግቢ ዘይምብላዕ'ዩ ትብል።
እዛ ክኢላ፡ "እዚ ኣዝዩ ግብራዊ ነገር'ዩ፣ ስለዚ ነቲ ዝተመስረሐ መግቢ ፈጺማና ብቐሊሉ ክንረኽቦ ኣብ ዘይንኽእል ቦታ ነቐምጦ። ኣብ ቀረባና ምስ ዝህሉ ክንወናወን ስለ እንኽእል ብቐሊሉ ክንስዓር ንኽእል ኢና፡" ትብል።
ኣስዒባ፡ "እቲ ካልእ ነጥቢ ከኣ ብዛዕባ ስሩዕ ጥዕና ዝህቡ ምጡናት ዓይነታት መግቢ ምሕሳብ'ዩ። እዚ ድማ ነዚ ጥሜትን ትምኒትን ሽኮራዊን ዝተመስርሐ መግብን ከጕድሎ ወይ ፈጺሙ ካብ ሓንጎልና ንኸነወግዶ ክሕግዘና ይኽእል'ዩ፡" ትብል።
ንግሉኮስና ክውሰኽ ዝገብር ከም ፒሳን ከም ምቁር ሕብስቲ ዘኣመሰሉ ብዙሕ ካርቦሃይድረይት ዘለዎም መግብታት ምውጋድ ኣገዳሲ እዩ። ብፕሮቲን ዝሃብተሙ መግብታት፡ ከም ስጋ፡ ፋጆሊን ዓሳን ጥዑይ ካርቦሃይድረይት ዘለዎም ከም መሸላ፡ ዕፉን'ውን ጽቡቕ ኣማራጺታት እዮም።
ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ነጥቢ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምድራት እዩ። ብዙሓት ሰባት ጸቕጢ ምስ ዘስምዖም ብኣልኮላዊ መስተ ክፍውስዎ ዝፍትኑ ኣለዉ። እዚ ግን ዕንወቱ'ዩ፣ እኳ ደኣ ከም ዝዛይድ እያ ፕሮፌሰር ሲንሃ እተብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማሕበራዊ ኵነታትና'ውን ሚዛኑ ዝሓለወ ጸቕጥን ኣገባብ ኣመጋግባን ንኽህልወና ዓቢይ ግደ'ዩ ዝጻወት።
ፕሮፌሰር ሲንሃ፡ "ማሕበረሰባት ነዚ ኣብ መንጎ ጸቕጥን ምብላዕን ዘሎ ምትእስሳር ንምዕቃብ ብጽቡቕ መንገዲ ሃኒጸሞ'ዮም፣ ብሓባር መግብኻ ምብሳልን ብሓባር ምብላዕ ከኣ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ፡" ትብል።
"ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ጸቕጥን ኣመጋግባን ዘሎ ምትእስሳር ዕላማ ንምግባር ናብ ገለ መሰረታዊ ነገራት ምምላስ ዘድሊ እመስለኒ። እዚ ከኣ ኣብ ስሩዕ ሰዓታትን ብሓባር ምብላዕን'ዩ፡" ትብል።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







