ካብ ገዛ ሓንቲ ሚኒስተር ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ብምስራቕ ዝተኸሰሳ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ገዛ ሚኒስተር ጽሬትን ማያዊ ጸጋታትን ጋና ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላርን ካልእን ሰሪቖን ዝተባሃላ ክልተ ሰራሕተኛታት ገዛ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን።
እተን ሰራሕተኛታት ብዘይካ እቲ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር፡ ብርክት ዝበለ ቼዲ [ባጤራ ጋና] ከምኡ’ውን ውልቃዊ ንብረት ከምዝወሰዳ ይኽሰሳ።
እቲ ገንዘብን እቲ ንብረትን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እታ ሚኒስተርን ካብ በዓልቤታን ከም ዝተወሰደ እቲ ክሲ ይገልጽ።
እተን ጥርጡራት ደቂ 18ን 30ን ዓመት ምዃነን ዝገለጹ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተሰረቐ ጸብጺቦም።
እተን ክልተ ጥርጡራት ገበን ንምፍጻምን ንምዝማትን “ሸርሒ ፈጺመን” ዝብል ክሲ ቀሪቡለን ኣሎ።
ምስቲ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ካልኦት ሰለስተ ሰባት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።
ኣብ ኣክራ ዝርከብ ሓደ ቤትፍርዲ ንሓንቲ ካብቶም ጥርጡራት ዝኾነት እተጥቡ ኣደ ብዋሕስ ክትወጽእ ከፍቅደላ እንከሎ እቶም ካልኦት ኣብ ቀይዲ ይርከቡ።
እቲ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ጋና ቁጥዐ ክፈጥር እንከሎ፤ ብዙሓት ጋናውያን፡ እታ ሚኒስተር ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንምንታይ ኣብ ገዛኣ ሒጻ ጸኒሓ ብምባል ይሓቱ ኣለው።
መራሒ ቀንዲ ተቐናቓኒ ሰልፊ ጋና ዝኾነ ፕረዚደንት ነበር ጆን ማሃማ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኩነታት ነውሪ ክብል እንከሎ፡ “ወላ ብግቡእ ዝተጠረየ እንተኾነ’ውን፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዝኸውን ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምንታይ ኣብ ገዛ ምሓዝ ኣድለየ? @NAkufoAddo [ፕረዚደንት ጋና] ነቶም ህዝባዊ ሓላፍነት ዝሓዙ ሰባት፡ ጽቡቕ ኣብነት ይገብር ዶ ይኸውን?” ኢሉ።
ኣባላት ባይቶ፡ እቲ ጸብጻባት እንተተረጋጊጹ እታ ሚኒስተር ካብ መዝነታ ክትወርድን ምንጪ እቲ ገንዘብ ክምርመርን ይጽውዑ ኣለው።
እታ ሚኒስተር ግና ዛጊት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ኣብ 2013 ምክትል ሚኒስተር መራኸቢታት ጋና ቪክቶርያ ሃማ፡ ክሳዕ 1 ሚልዮን ዶላር እተጥሪ ኣብ ፖለቲካ ክትጸንሕ ምዃና ዝገልጽ ናይ ድምጺ ቅዳሕ ድሕሪ ምርካቡ ካብ ስልጣና ክትወርድ ተገዲዳ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







