ብሪጣንያዊ ልኡል ሃሪ 25 ዕጡቓት ጣሊባን ከምዝቐተለ ተዛሪቡ

ልኡል ሃሪ

ምንጪ ስእሊ, WPA POOL

ልኡል ሃሪ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረሉ 25 ዕጡቓት ከምዝቐተለ ምግላጹ፡ ንኽብሩ ከምዝደወኖ፡ ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ብሪጣንያ ነበር ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ዛንታ ህይወቱ ኣብ ዘሕተሞ መጽሓፍ፡ እቲ መስፍን ሳሰክስ፡ 25 ኣባላት ጣሊባን ምቕታሉ ከም "መጻወቲ ቸስ ሓደ ብሓደ ምእላይ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

መኮንን ሰራዊት ብሪጣንያ ዝነበረ ኮለነል ሪቻርድ ከምፕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ልኡል ከምኡ ኢሉ ምጽሓፉ "ልቦና ዘይብሉ" ክብል ነቒፍዎ።

እቲ ሓበሬታ፡ ንድሕነቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ፡ ሰባት ሕነ ንክፈድዩ ዝተዃቱኽ'ዩ ድማ ኢሉ።

ልኡል ሃሪ፡ ከም ኣብራሪ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩሉ ብዛዕባ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ዘዘራርብ ዘሎ 'ስፔር' (ትሕጃ) 'ዘርእስቱ መጽሓፉ ኣዘንትዩ'ሎ።

ቅዳሕ ናይቲ ዛጊት ኣብ ስጳኛ ጥራይ ተዘርጊሑ ዘሎ መጽሓፍ ኣብ ኢድ ቢቢሲ በጺሑ'ሎ።

ኣብቲ መጽሓፍ፡ ንፈለማ እዋን 25 ዕጡቓት ከምዝቐተለ ጠቒሱ'ሎ። ሃሪ፡ ክልተ ግዜ ምስ ሓይልታት ብሪጣንያ ኣብ ዞባ ሄልማንድ ተዋፊሩ ብምንባሩ፡ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

"ብሓበን ዝመልኣኒ ቁጽሪ ኣይኮነን፡ ዘሕንኸኒ'ውን ኣይኮነን" ይብል እቲ ልኡል ኣብ መጽሓፉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ ረስኒን ድንግርግርን ውግእ ምስ ኣተኹ፡ እቶም 25 ከም ሰባት ኣይሓሰብኩዎምን። ንሰባት ከም ሰባት እንተርኢኻዮም ክትቅትሎም ኣይትኽእልን ኢኻ።

"ብሓቂ፡ ንሰባት ከምሰባት ትርእዮም እንተዄንካ ክትጎድኦም ኣይትእኽልን ኢኻ። ከም መጻወቲ ቸስ ካብ ጣውላ ትኣልዮ'ዮም ነይሮም፣ ንጹሃት ሰባት ከይቀተሉ ክቕንጸሉ ዘለዎም ሓደገኛታት ሰባት"።

" 'ካልኦት' ገይረ ክርእዮም'ዮም ኣሰልጢኖምኒ፡ ግርም ገይሮም ድማ'ዮም ኣሰልጢኖምኒ"።

ሃሪ፡ ንሓጺር ግዜ፡ ሓባሪ ተዂሲ ኮይኑ ኣብ ጥቓ ዓውደ-ውግእ ብምእታው ደብዳባት ክካየድ ይገብር ነይሩ'ዩ። ኣብቲ ንካልኣይ ግዜ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝኸደሉ ግን ከም ኣብራሪ ናይተን 'ኣፓቸ' ዝተባህላ ምዕቡላት ሄለኮፕተራት ውግእ ኮይኑ ኣብቲ ኲናት ተሳቲፉ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ጣሊባን ኣናስ ሃቃኒ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ሚስተር ሃሪ! እቶም ዝቐተልካዮም መጻወቲ ቸስ ኣይኮኑን፡ ሰባት'ዮም ነይሮም፣ ክምለስዎም ዝጽበይዎም ስድራቤት ዝነበሮም" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

"ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክጽዋዓካ ወይ ተሓለቕቲ መሰላት ክኹንኑኻ ትጽቢት ኣይገብርን፡ ምኽንያቱ ንዓኻ ጸማማትን ዕዉራትን እዮም"።

ኣብ ጥቅምቲ 2001፡ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ መጥቃዕቲ 9/11 ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣመሪካ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝኾና መሻርክታን ንመንግስቲ ጣሊባን ንምእላይ ንኣፍጋኒስታን ወሪረንኣ።

እቲ ሓይልታት ብሪጣንያ ንምእዛዝ ኣብ 2006 ናብ ርእሰከተማ ካቡል ዝተዋፈረ ኮለነል ከምፕ፡ ዝተቐትሉ ኣባላት ጣሊባን ሓደገኛታት ሰባት ምዃኖምን ቁጽሪ ናይቶም ሃሪ ዝቐተሎም ምግላጹን ጸገም ከምዘይብሉ ይዛረብ። እንተኾነ ግን፡ ሃሪ፡ ሰራዊት ብሪጣንያ ነቶም ዕጡቓት ከም "ትሕቲ-ሰብን ዝእለዩ መጻወቲ ቸስን" ከምዝርእዮም ምእማቱ ባህ ኣይበሎን።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ከምዝመስለኒ ኣብ መጽሓፉ፡ እቶም ዕጡቓት ዳርጋ ትሕቲ-ሰብ'ዮም ዝርኣዩ ምባሉ ቅኑዕ ኣይኮነን" ኢሉ።

"ከምኡ ኣይነበረን። ከምቲ ንሱ ዝብሎ፡ ሰራዊት ብሪጣንያ ብኸምኡ መንገዲ ኣይኮነን ዘሰልጥን. . ."

"ከምዝመስለኒ፡ ከምኡ ዓይነት ንክውንነት ዘየንጸባርቕ ርእይቶ፡ ዘጋጊን ነቶም ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ብሪጣንያን መንግስቲ ብሪጣንያን ጉድኣት ክውርዱ ዝደልዩን ክጠቅም ዝኽእልን'ዩ። ስለዚ ድማ፡ ልቦና ዝጎደሎ ኮይኑ'ዩ ዝራኣየኒ"

ዋላ'ኳ ከምኡ ይኹን 'ምበር፡ እቲ ልኡል ብዘመዝገቦ ቁጽሪ ናይቶም ዝቐተሎም "ሓበን" ክስምዖ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ወፍሪ "ኣድማዒ ጽልዋ" ዝለዘለዎ ክብል ኮለነል ከምፕ ይምጉት።

እንተኾነ ግን፡ እቲ መስፍን ብዛዕባ ዝቐተሎም ምዝራቡ ንድሕነቱ ጸገማት ከስዕበሉ ከምዝኽእልን፡ ምስ ጣሊባን ዝደናገጹ ሰባት "ሕነ ንምፍዳይ ክፍትኑ ክደፋፍኦም" ይኽእል'ዩ ይብል።

"ተረሲዑ ዝነበረ ዝሓለፈ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስሚዒታት ዘጓሃህር'ዩ. . . ድሮ ሎሚ ነዚ ርእዮም ሕነ ክፈድዩ ዝደልዩ ሰባት ከምዘለዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን"።

ኣብ ፈለማ ናይቲ ኲናት ኣብ ዒራቕ ንወተሃደራቱ ብዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዓለም ዝና ዘትረፈ ኣዛዚ ነበር ሌ/ኮለነል ቲም ኮሊንስ ብወገኑ፡ ነቲ መጽሓፍ ብምኹናን "ኣብ ሰራዊት ከምኡ ዓይነት ጠባይ የለን፡ ከምኡ ኣይኮናን ንሓስብ" ክብል ተዛሪቡ።

ልኡል ሃሪ፡ "ንዝተወልደሉ ስድራቤት ኣቆናጺቡ" ከይኣኽሎ "ኣንጻር" ወተሃደራዊ ስድራቤቱ ተላዒሉ ክብል'ውን ከሲሱ።

ልኡል ሃሪ ኣብ ኣፍጋኒስታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓቃባዊ ኣባል ባይቶን ኣብ ኲናት ዒራቕ ዝተሳተፈን ግሬስሃም ኣብ ጋዜጣ ስፔክታተር ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ ብዙሓት ወተሃደራት ብዛዕባ ቁጽሪ ዝቐተልዎም ክዛረቡ ግቡእ'ዩ ኢሎም ኣይሓስቡን'ዮም ኢሉ።

"ናይ ስእብነት ኮድ ኮይኑ ኣይኮነን። ብዛዕባ እሩምነትን ነቶም ነቲ ዝወሰድካዮ ሂወት ዘለካ ክብረትን'ዩ" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ኲናት ኣፍጋኒስታን ሓደ ኢዱን ሓደ እግሩን ዝሰኣ ኣባል ኣሃዱ ሮያል ማሪንስ ዝነበረ በን ማክቢን ሓደ ካብቶም ሃሪ ከም ጀጋኑ ዝገልጾም'ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት'ውን ተራኺቦም'ዮም። ብዛዕባ'ቲ መጽሓፍ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ግን "ኣፍካ ዕበስ" ክብል'ዩ ነቲ ኣባል ንጉሳዊ ቤተሰብ ምዒድዎ።

ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ልኡል ሃሪ አፍቅረካ'የ፡ እንተኾነ ግና ኣፍካ ምዕባስ ከድልየካ'ዩ! ምስ መን ይኸይድ ከምዘሎ ክትሓስብ ዝገብረካ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

"ቅኑዓት ሰባት እንዝኾኑ፡ ክሳብ ሕጂ ደው ከብል ምነገርዎ ነይሮም"።

ሓደ ኣባል ሰራዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ፡ ሃሪ ዘውጽኦ ሓበሬታ "ኣዝዩ ዘይናይወተሃደር'ዩ" ብምባል ነቒፍዎ።

ካልእ ሓያለ ግዜ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝተዋፈረ ወተሃደር ብወገኑ፡ ኣብ ውግእ ብኹሉ ኣንፈት ስለዝትኮስ ቁጽሪ ዝቐተልዎም ክፈልጡ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሃሪ ብኸመይ ክፈልጥ ከምዝኸኣለ ንምእማን ከምዝጽገም ኣሚቱ።

ልክዕ ከም ብዙሓት ወተሃደራት፡ ብዛዕባ ቁጽሪ ዝቐተልዎም ሰባት ተገዳስነት ከምዘይብሉ'ውን ተዛሪቡ። መብዛሕትኡ እዋን፡ መጽሓፍቲ ክጽሕፉ ዝደልዩ ሰባት'ዮም ቁጽሪ ምውታት ክሕዙ ዝደልዩ።

ከም ኣብራሪ ሄሊኮፕተር ፡ ሃሪ ዝያዳ ብዛዕባ ዘውረዶ ክሳራ ካብ ላዕሊ ክመዝን ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ- ሰንሰርስን ስክሪናትን ብምጥቃም።

እንተኾነ ግን፡ ዝተኮሶ ጥይት ምስተፈንጀረ ዶሮና ስለዘስዕብ፡ ንዝወረደ ክሳራ ብንጹር ንምፍላጥ ኮነ ቁጽሪ ዝሞቱ ንምርግጋጽ ቀሊል ኣይኮነን።

ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝተሓተተ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ብምቑጣብ "ንዕዑቓት ሓይልታትና ዓቢ ምስጋና ኣለኒ" ኢሉ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብወገኑ፡ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ንጸጥታዊ ምኽንያታት ብዛዕባ ዝርዝራት ስርሒታት ርእይቶ ኣይንህብን ኢና" ኢሉ።

ልኡል ሃሪ ኣብ ነትፍሊክስ ኣብ ዘውጽኦ ንንጉሳዊ ቤተሰብ ዝነቅፍን ንዘጋጠሞ ብድሆታት ዝገልጽን ተኸታታሊ ፊልም ከዘራርብ ምጽንሑ ይዝከር።