ሕቶ ክልል ኣብ ዝተልዓለሉ ዞባ ጉራጌ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተኻይዱ

ሰላማዊ ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

ዞባ ጉራጌ ክልል ክኸውን ዝቐረበ ሕቶ ስዒቡ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋና ከተማ እቲ ዞባ ወልቂጤን ከተማ ሃዋርያትን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተኻይዱ፡፡

እቲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 3 ነሓሰ 2014 ዝተኻየደ ኣድማ፡ መን ከምዝጸወዖ እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ብሰኑይ ወረቓቕቲ ምስተበተነ፡ ከተማ ወልቂጤ ካብ ምንቅስቓስ ነጻ ኮይና ከምዝወዓለት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ንማሕበረሰብ ጉራጌ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓሳቡ ዘካፍል ተስፋ ነዳ እውን፡ ነበርቲ ክልቲአን ከተማታ ኣብ ገዝኦም ከምዝወዓሉ ብምሕባር ‘‘ካብ እንዳ ባኒን ሕክምናን ወጻኢ ኩሉ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ደው ኢሉ ውዒሉ’’ ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣመሓደርቲ ምስ ህዝቢ ንምዝርራብ ኣኼባ ጸዊዖም'ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ኣኼባታት ከይተኻየዱ ምትራፎም ኣቶ ተስፋ ተዛሪቡ፡፡

ኣካል ክልል ደቡብ ኮይኑ ዝጸንሐ ህዝቢ ጉራጌ፡ ናይ ባዕሉ ክልል ንምምስራት ሕቶ እናቕረበ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ሕቶኡ ናብ መንግስቲ ፌደራል ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ናይ ባዕልና ክልል ክነዋቕር ዝብል ዓመታት ዘቑጸረ ሕቶ፡ ዛጊድ ምላሽ ከምዘይረኸበ ነበርቲ እቲ ዞባ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ዕላማ እቲ ኣድማ ህዝቢ ጉራጌ ምስ ካልኦት ተጠርኒፉ ብክላስተር ክመሓደር ዘይኮነስ ዓርሱ ክኢሉ ብደረጃ ክልል ክቐውም ዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ክረክብ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣቶ ተሰፋ፡ እቲ ዞባ ነቲ ሕዚ ዝቐረበ ኣወዳድባ ከምዘይቅበሎ ሓቢሩ፡፡

‘‘መንግስቲ እውን እንተኾነ በዚ ዓይነት ተወደቡ ወይ ኣነ ነዚ እየ ዝፈቅድ ናይ ምባል መሰል የብሉን’’ ኢሉ፡፡

መስራቲትን ኣካቢትን ባህላዊ ባይቶ ጉራጌ ወ/ሮ ዛይዳ ግዛው ብወገና እቲ ሕቶ ቅድሚ ዓመታት ከምዝጀመረ እያ እትገልጽ፡፡

‘‘ቅድሚ ለውጢ፡ ህወሓት ሃገር ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ፡ ምስ ካልኦት ብክልል ኣይውደብን ኢሉ ንመጀመርታ ግዘ ዝተቓወመ ማሕበረሰብ ጉራጌ እዩ’’ ትብል፡፡

ንሳ ወሲኻ ‘‘እቲ ህዝቢ ጉህዩ እዩ፤ ፖለቲካዊ ሽርሒ እውን በዚሕዎ፡’’ ኢላ።

ኣወዳድባ ክላስተር ንምንታይ ተቓውሞ ገጢምዎ?

በቲ ሕዚ ዘሎ ኣወዳድባ ህዝቢ ጉራጌ ‘‘ናይ ባዕሉ ቋንቋ፣ መንነቱን ባህሉን ከዕብን ክሕልውን ኣይከኣለን፡ ቋንቋ ጉራጌ ክጠፍእ ኣብ ጫፍ በጺሑ ኣሎ፡፡ እቲ ቋንቋ መምሃሪ ንምዃን ኣይበቕዐን፤ እዚኦም ኩሎም ክዕረዩ ስለዘለዎም እዩ እቲ ናይ ክልልነት ሕቶ ተበጊሱ’’ ይብል ኣቶ ተስፋ፡፡

ብተወሳኺ ጉራጌ ብክላስተር ዝውደብ እንተኾይኑ ልዕሊ ክልተ ናብ ዝኾኑ ዞባታት ስለዝኽፈል መንነቱ ከስእኖ ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣለዎ፡፡

ወ/ሮ ዛይዳ ብወገና ኣወዳድባ ክላስተር ሕገ-መንግስታዊ መሰረት ዘይብሉን ናብቲ ሕብረተሰብ ብሓይሊ ዝተጽዓነን ብምዃኑ ኣይንቕበሎን ትብል፡፡

‘‘ቋንቋን ባህልን ህዝቢ ጉራጌ ዘጥፍእ እዩ፡፡ ክሳብ ሕዚ ብቋንቋኡ ከምህርን ከባቢኡ ከልምዕን ዘይከኣለ፡ ተንኮል ፖለቲከኛታት ዘድከሞን ህዝቢ፡ ድሕሪ ሕዚ ብክላስተር ይወደብ እንተተባሂሉ ፍጹም ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ እዩ ክወርድ’’ ክትብል ስክፍታኣ ገሊጻ፡፡