ልዕሊ 30 ሰባት ዝቐተለ ሰብ ሕንከት ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ

መግለጺ ቪድዮ, ልዕሊ 30 ሰባት ዝቐተለ ሰብ ሕንከት ከምዘይብሉ ተዛሪቡ
ልዕሊ 30 ሰባት ዝቐተለ ሰብ ሕንከት ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ

ሉዊስ ቫን ሹር፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዋን ስርዓት ኣፓርታይድ ዋርድያ ትካላት ጸዓዱ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ንሱ፡ ንልዕሊ 30 ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝቐተለ ኰይኑ፡ ጋዜጠኛ “ብተግባርካ ሕንከት ይስመዓካ’ዶ?” ኢላ ምስሓተቶ “ፍጹም” ዝብል መልሲ ሂቡዋ።

ኣብ 1980ታት፡ ንሰለስተ ዓመታት ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣወጆ ንጸዓዱ ሓለፋ ኣብ ትሕቲ ዝህብ ኣዝዩ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ፡ ቫን ሾር ኣስታት ኣስታት 39 ሰባት ቀቲሉ።

ኵሎም እዞም ግዳያት ጸለምቲ'ዮም፤ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወዲ 12 ዓመት ነይሩ።

እዚ ቅትለት፡ ኣብ ከተማ ኢስት ለንደን'ዩ ተፈጺሙ።