ኣኽራናት ጎላን እንታይ'ዮም? ስለ ምንታይ'ከ እስራኤል ትግደሰሎም?

መግለጺ ቪድዮ, ኣኽራናት ጎላን እንታይ'ዮም? ስለ ምንታይ'ከ እስራኤል ትግደሰሎም?
ኣኽራናት ጎላን እንታይ'ዮም? ስለ ምንታይ'ከ እስራኤል ትግደሰሎም?

ኣኽራናት ጎላን (ጎላን ሃይትስ) ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ምድረበዳ ኰይኑ፡ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ እስራኤል ገጹ ይበጽሕ።

ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መግዛእቲ እስራኤል ከኣ ይርከብ።

ኣብ 1967 እስራኤል ኣንጻር ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት፡ ሶርያ ካብ እስራኤል ክትምዝዖ ፈቲና እዃ እንተነበረት፡ እስራኤል ብወገና ሕነ ንምፍዳይ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣስታት 1200 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ናይቲ ከባቢ ክትቆጻጸር ክኢላ።

ሕጂ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ኣኽራን ጎላን ዝርከብ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝኾነ ዞባ ከምኡ'ውን ኣብ መሬት ሶርያ ዝርከቡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቦታታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ።

ንሱ ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ፡ ኣብ ሶርያ ብዝርከቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ንድሕነት እስራኤል ዝተወስደ ግዝያዊ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።

ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ግን ኰኒነንኦ።