ላምፔዱዛ፡ ኣብ ጃልባ ስደተኛታት ዝተወልደ ዕሸል ሞይቱ

 ኢጣልያ ብላምፔዱሳ ኣቢሎም ምስ ዝኣትዉ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት እናተቓለሰት ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኢጣልያ ብላምፔዱዛ ኣቢሎም ምስ ዝኣትዉ ልዑል ቍጽሪ ስደተኛታት ትቃለስ

ኣብ ደሴት ላምፔዱዛ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ምድሓን ስደተኛታት፡ ሬሳ ሓደ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ከም ዝተረኸበ ተገሊጹ።

ኣደ እቲ ዕሸል ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን ከም ዝወለደት ይግመት ክብል ማዕከን ዜና ኣንሳ ሓቢሩ።

ጠንቂ እቲ ሞት እውን ይምርመር ከም ዘሎ ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 8 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ላምፔዱዛ ኣትዮም እዮም።

ኢጣልያ፡ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ምሕታታ፡ ሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ሎሚ ሰንበት ናብታ ደሴት ክትበጽሕ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ "ዘይጽወር ጸቕጢ" ትኣቱ ከምዘላ ገሊጻ።

ብተወሳኺ ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊረን ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ከይበጽሓ ንምክልኻል እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ክግበር ድፍኢት ትገብር ኣላ።

ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ ኣብዚ እዋን ን400 ሰባት ኣብ ዝተዳለወ መቐበሊ ኣጋይሽ ኣስታት 2,500 ሰባት የአንግድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ወለንተኛታትን ሰራሕተኛታትን ምሉእ ሰሙን መግቢ ክህቡን ሓደስቲ ዝመጹ ሰባት ናብ ሲሲሊን ካልእ ቦታታትን ንምስግጋር ክሕግዙን ጸኒሖም እዮም።

ነበርቲ ላምፔዱሳ ትማሊ ቀዳም ናብ ጎደናታት እታ ደሴት ወጺኦም ኣንጻር እቶም ስደተኛታት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ላምፔዱዛ ትማሊ ቀዳም ናብ ጐደናታት እታ ደሴት ወጺኦም ኣንጻር እቶም ስደተኛታት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጁ ኣስታት 126 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ኣለዉ፤ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ኣስታት ብዕጽፊ ዝዛይድ’ዩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሜሎኒ፡ ንሓላፊት ኮሚሽን ኣውሮጳ "ክብደት ናይቲ ዘጋጥመና ኵነታት ክትግንዘብ" ከምኡ'ውን ምስ ቱኒዝያ ዝተገብረ ስምምዕ "ብቕጽበት ከተቀላጥፎ" ከም ዝጸውዐት ኣፍሊጣ ኣላ።

ቱኒዝያ፡ ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ቀንዲ መበገሲት ኰይና ትርከብ።

እቲ ኣብ ሓምለ ዝተፈረመ ስምምዕ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንምምካት፡ ዶባት ንምሕያልን ስደተኛታት ንምምላስን ብ118 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝድገፍ እዩ።

እቲ ኣብዚ እዋን ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ቍጽሪ ስደተኛታት፡ ኣብ ነበርቲ ላምፔዱዛ ትማሊ ቀዳም ተቓውሞታት ኣስዒቡ’ዩ።

ነቶም ስደተኛታት ንምእንጋድ ሓድሽ መዓስከር ንምህናጽ ዝቐረበ መደብ እውን ተቓዊሞም ኣለዉ።

"ኣብ ገዛ ክልተ ቈልዑ ኣለዉኒ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እዚ ጉዳይ ኣይግድሰንን ነይሩ። ሕጂ ግን ንደቀይ ክከላኸል እደሊ፤ ምኽንያቱ ኣብ መጻኢ ላምፔዱዛ እንታይ ከም እትኸውን ስለዘይፈልጥ" ክብል ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።

"መዓስከራት ኣይንደልን። እዚ መልእኽቲ ንኣውሮጳን ንመንግስቲ ኢጣልያን እዩ። ነበርቲ ላምፔዱዛ ሰልችይዎም እዩ" ይብል ካልእ ሰልፈኛ’ዩ።