ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካን ቦይንግን ዝተሰማምዕዎ ውዕል 'ኣነዋሪ እዩ'- ጠበቓ ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ን16 ስድራቤታት ግዳያት ሓደጋ ቦይንግ 737 ማክስ ዝውክል ጠበቓ፡ ኣብ መንጐ ነፈርቲ ዘፍሪ ትካል ቦይንግን ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካን ዝተገብረ ስምምዕ "ብሞራል ጽዩፍ" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ ካብቲ 346 ሰባት ዝቐተለ ክልተ ሓደጋታት ነፋሪት ካብ ተኸሳስነት ነጻ ክኸውን ምእንቲ 1.1 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ኣማኻሪ ኣባላት ስድራቤት ገለ ካብቶም ኣብ 2018 ኣብ ኢንዶነዥያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 'ላዮን ኤየር' ዝዀኑ ሰባት ሳንጂቭ ሲንግ፡ እቲ ስምምዕ ቦይንግ ካብ "ተሓታትነት ክሃድም" ከምዘኽእሎ ይዛረብ።
ቦይንግ ኣቐዲሙ፡ "ብሞት ግዳያት ኣዚና ሓዚንና፣ ነቲ ኣብ ኩባንያና ዝመጽእ ሰፊሕን ዓሚቝን ለውጢ ብዝኽሪ ናይቶም ዝፈትውዎም ሰባት ንምኽባር ድማ ቃል ኣቲና ኣለና" ኢሉ ነይሩ።
እቲ ስምምዕ፡ እቲ ዓቢ ትካል ኣቬሽን ንስድራቤታት ግዳያት ሓደጋ 444.5 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ዘጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ 455 ሚልዮን ዶላር ድማ ድሕነትን ጽሬትን ንምምሕያሽ ዝውዕል እዩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ቦይንግ 487.2 ሚልዮን ዶላር ገበናዊ መቕጻዕቲ ክኸፍል ዝተሰማምዐ ኰይኑ ፍርቂ ናይዚ ኣብ 2021 ከፊልዎ'ዩ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኩባንያ፡ "ቦይንግ ብመሰረት እዚ ውሳነ ዘለዎ ግዴታታት ንምኽባር ቃል ኣትዩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንዝያዳ ትካላዊ ምምሕያሻትን ወፍርን ቃል ምእታውን ዘጠቓልል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ስምምዕ ብዳኛ መንግስቲ ፈደራል ዝጸድቕ እንተዀይኑ፡ ቦይንግ ካብ ገበናዊ ምትላል ፍርዲ ክድሕን እዩ።
"ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ካብ ደጊም ነቲ ኩባንያ ብገበን ከምዘይከሶ ተሰማሚዑ" ክብል ቦይንግ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኮሚሽን ዋሕስን ሸርፍን (SEC) ገሊጹ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ተወሳኺ ርእይቶ ንምሕታት ንዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ኣዘራሪቡ'ዩ።
ክልተ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግን ከኣ ዳርጋ ብተመሳሳሊ ሓደጋታት ስለዝተሓምሸሻ 346 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ጥቅምቲ 2018፡ እታ ነፋሪት ካብ ጃካርታ ኢንዶነዥያ ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ 13 ደቓይቕ ናብ ባሕሪ ጃቫ ስለዝተሓምሸሸት ኵሎም እቶም ኣብ በረራ ላዮን ኤየር ዝነበሩ 189 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ መጋቢት 2019 ሓንቲ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ተሓምሺሻ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 157 ሰባት ኵሎም ሞይቶም።
ክልቲኦም ሓደጋታት ምስ ጕድለታት ዘለዎ ስርዓተ ምቍጽጻር በረራ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ኣብ 2021፡ ቦይንግ ኣብ ኣሜሪካ ንዝቐረበሉ ክሲ ምትላል ንምፍታሕ ዝተሰማምዐ ኰይኑ ብዛዕባ ዲዛይን ናይተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቱ ካብ ሓለፍቲ ድሕነት ሓበሬታ ብምሕባእ ምትላል ከምዝተፈጸመ ተኣሚኑ።
ኣዝማድ ግዳያት ነዚ ዳሕረዋይ ስምምዕ ብፈደራል ዳኛ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ይግባይ ክብሉ ዕድል ክረኽቡ እዮም።
ሚስተር ሲንግ፡ እቲ ዳሕረዋይ ስምምዕ ካብ ዓማዊሉ "ውሽጣዊ ቍጥዐ" ከምዘለዓዓለን፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ክፍሊት እኹል ከምዘይኰነን ይኣምን።
እቲ ጠበቓ ኣስዒቡ "ነታ 1.1 ቢልዮን ዶላር እንተርኢኻያ፡ ቦይንግ ካብ ገበናዊ ተሓታትነት ንምህዳም ዳርጋ 10 ዶላር ከም ዝኸፈለ'ዩ ዝቝጸር" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







