ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ክሲ ትራምፕ ከምዝምጉቶ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ እናተዛረበን፡ ካሜራታት ሚዲያ ዝተጸመደሉ ኣፍደገ ቀንዲ መደበር ቢቢሲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters / AFP via Getty Images

ቢቢሲ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኡ መስሪትዎ ዘሎ ሕጋዊ ናይ ካሕሳ ክሲ ክምጉቶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስቲ ቢቢሲ ይቕሬታ ዝሓተተሉ ጸብጻብ 'ፓኖራማ' ብዝተሓሓዝ ኣብ ማያሚ (ፍሎሪዳ) ኣብ ዝመስረቶ ክሲ ጸለመ፡ እቲ ትካል 5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍሎ ጠሊቡ'ሎ።

ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ብዛዕባ'ቲ ኣብ 2021 ኣብ ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ዘጋጠመ ናዕቢ '6 ጥሪ' ብዝምልከት ብኻልኣይ ኣካል ዘውጽኦ ጸብጻብ ጌጋ ከምዝነበሮ ብምእማን፡ ናብ ክሲ ጸለመ ዘምርሕ ከምዘይኮነ ገሊጹ ነይሩ።

ጠበቓታት ትራምፕ ግን፡ ቢቢሲ "ብፍላጥን ብኽፍኣትን፡ ከምኡ'ውን ንመደርኡ ብምስናዕን" ከምዘጸለሞ'ዮም ዝምጉቱ።

ኣፈኛ ቢቢሲ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘነጸርናዮ፡ ነዚ ጉዳይ'ዚ ክንምጉቶ ኢና"።

"ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሕጋዊ ጉዳይ ተወሳኺ ርእይቶ ከምዘይንህብ ድማ ነፍልጥ" ኢሉ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ቢቢሲ ክሲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ። "ካብ ኣፈይ ዝወጽእ ቃላት ቀይሮም" ብምባል ነቲ ጸብጻብ ነቒፍዎ ነይሩ።

ብ6 ጥሪ 2021፡ ቅድሚ'ቲ ናዕቢ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ናብ ካፒቶል ከነምርሕ ኢና፡ ነቶም ተባዓት ሰነተራትናን ኣባላት ቦይቶናን ድማ ከነተባብዖም ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ድሕሪ 50 ደቒቕ ድማ "ንብኣስ፡ ናይ ዘለና ንብኣስ" ክብል ይስማዕ።

ኣብቲ መደብ ፓኖራማ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከኣ፡ "ናብ ካፒቶል ክንከይድ ኢና . . .ኣነ'ውን ምሳኹም ኣብኡ ክሁሉ እየ። ንብኣስ፡ ናይ ዘለና ንብኣስ" ይብል።

ቢቢሲ፡ እቲ ናይ ፓኖራማ ኣቀራርባ፡ "ቀጥታዊ ጻውዒት ጎነጽ" ዘስምዕ ክኸውን ከምዘኽእል ብምእማን፡ ግና ክሲ ጸለመ ንምቕራብ መሰረት ከምዘይብሉ ይምጉት።

ጠበቓታት ቢቢሲ፡ ቅድሚ ነቲ ክሲ ምምስራቱ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እቲ ኣቀራርባ ክፍኣት ከምዘይነበሮን፡ ድሕሪ ምቅላሑ ንካልኣይ እብረ ብምምራጹ ኣብ ልዕሊኡ ዝበጽሐ ማህሰይቲ ከምዘየለን ኣነጺሮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ቢቢሲ ኣብ ናይ ኣመሪካ ቻነላቱ ንምቅላሕ ይኹን ንምዝርጋሕ መሰል ኣይነበሮን ኣይገበሮን ኢሎም ነይሮም። እቲ መደብ ኣብቲ ብመርበብ ኢንተርነት ዝቃላሕ 'ቢቢሲ ኣይ-ፕለየር' ተፈንዮ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ብሪጣንያ ንዘለዉ ተዓዘብቲ ጥራይ ዝተደረተ እዩ።

ትራምፕ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ ቢቢሲ ምስ ገለ ኣብ ኣመሪካ ፈነወ ንምክያድ ፍቓድ ዘለዎ ሓደ ዘይተጠቕሰ ሳልሳይ ኣካል ስምምዕ ከምዘለዎ'ዩ ዝጠቅስ። ቢቢሲ ይኹን እቲ መሰል ምዝርጋሕ ኣለዎ ዝተባህለ ትካል ብዛዕባ'ዚ ዝሃብዎ ርእይቶ ዛጊት የለን።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ ዘለዎ ሰባት ነቲ መደብ ብመንገዲ 'ቪ-ፒ-ኤን' ወይ 'ብሪትቦክስ' ብዝተባህለ ፈነወ መርበብ ኢንተርነት ተኸታቲሎሞ ከምዝኽእሉ ጠበቓታት ትራምፕ የመልክቱ።

ሚኒስተር ጥዕና ብሪጣንያ ስቲፈን ኪኖክ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ቢቢሲ ኣንጻር እቲ ትራምፕ ኣቕሪብዎ ዘሎ ክሲ ደው ምባሉ ቅኑዕ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

"ከምዝመስለኒ፡ ነቲ ኣብ መደብ ፓኖራማ ዝተገብረ ሓደ ወይ ክልተ ጌታታት ይቕሬታ ሓቲቶምሉ እዮም፡ እንተኾነ፡ ከምቲ ትራምፕ ኣቕሪብዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ናይ ስም ምጥፋእ ወይ ጸለመ ክሲ ዘብጽሕ ጉዳይ ከምዘይኮነ ግን ብንጹር ገሊጾም እዮም" ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ስካይ-ቲቪ ተዛሪቡ።

ገዛኢ ሰልፊ ዕዮ "ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ጎኒ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ትካል ቢቢሲ ደው ክብል'ዩ" ክብል'ውን ንዘለዎም መርገጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያን ጸሓፊ ጉዳያት ባህሊ ዝኾነ ናይጃል ሃድልስተን ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪር ስታርመር "ንዘለዎ ጽልዋ ተጠቂሙ፡ ንቢቢሲ ምኽሳሱ ነቲ ግብሪ [ተለቪዢን] ዝኸፍል ህዝቢ ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ ፕረዚደንት [ትራምፕ] ክገልጸሉ ኣለዎ" ክብል ተማሕጺኑ።

መራሒ ናይቲ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ሊበራላዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኢድ ዴቪ ብወገኑ፡ ንቢቢሲ ምኽሳሱ "ተቐባልነት" ከምዘይብሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክነግሮ ይግባእ ኢሉ።

ትራምፕ ናብ ንጡፍ ፖለቲካ ኣመሪካ ካብ ዝጽንበር ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሚዲያ ሕጋዊ ክስታት ጸለመን ካሕሳን ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ብዘሎ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተደንገገ መሰልን ናጽነትን ፕረስ ሕጋዊ ክስታት ክዕወት ቀሊል ከምዘይኮነ ይግለጽ።

ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቢቢሲ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ ምግላጾም ይዝከር።