ኣመሪካ፡ ምስ ኢትዮጵያ እትርከበን ሃገራት እትፍርሞም ዘላ ስምምዓት ስለምንታይ የሰክፍ?

ምንጪ ስእሊ, MOH/FB
ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ፡ ኣመሪካ ብመገዲ እቲ ሰፊሕ ናይ ረድኤት ትካል (USAID) ኣቢላ ንሃገራት እትህቦ ዝነበረት ኵለ መዳያዊ ደገፍን ምትሕብባርን ከተጕድሎ ጸኒሓ'ያ። ብኣንጻሩ፡ ብፍላይ ኣብ ጽላት ጥዕና ሓድሽ ኣገባብ ከተተግብር ጀሚራ ኣላ።
እቲ 'ኣመሪካ ፈርስት ግሎባል ሄልዝ ስትራተጂ' ተባሂሉ ዝተሰየመ ሓድሽ ውጥን፡ ዓለማዊ ፖሊሲ ጥዕና ምስ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ዘጣመረ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ ነቲ ስትራተጂ ንምትግባር ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ስምምዓት ተፈሪሙ ኣሎ።
እዚ ሓድሽ ኣገባብ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ኣቢሉ ንሃገራት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ብምቕያር ምስ መንግስታት ብዝግበር ሽርክነትን ስምምዓትን እዩ ዝፍጸም።
እቲ "ኣመሪካ ፈረስት" ተባሂሉ ዝተሰየመ ዓለማዊ ስትራተጂ ጥዕና፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ወግዓዊ ኰይኑ፤ ንሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ ቀዳምነት ንምሃብ፡ ኣብ ክልተኣዊ ሽርክነት ንምህናጽን መሻርኽቲ ሃገራት ኣበርክቶ ክገብራ ንምፍቃድን ዝተዳለወ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፈሪሙ፤ እዚ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝፈረሞም ስምምዓት እዩ።
እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ስምምዕ ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ዶላር ኣብ ዓውዲ ጥዕና ወፍሪ ዝገብር እዩ። መንግስቲ ኣመሪካ 1.16 ቢልዮን ዶላር ክሽፍን እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ዝተረፈ ክሽፍኖ እዩ።
ኬንያ ነዚ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ዝፈረመት ፈላመይቲ ጎረቤት ሃገር እያ። ኬንያ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ምስ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ማርኮ ሩቢዮ ነቲ ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ፈሪማ።
እቲ ስትራተጂ ምስ ሃገራት ዝግበር ስምምዓት ከም ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይቈጽሮን። ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኽሰቱ ሕማማት ብኣጋኡ ብምፍላጥ፡ ብምክልኻልን ብምቍጽጻርን ድሕነት ኣመሪካውያን ኣብ ምክልኻል ዘተኰረ እዩ።
እቲ ውጥን፡ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ትራምፕ ዝነቐፎም ኣህጉራውያን ትካላት ጥዕናን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣመሪካ ዝነበሩ ዩኤስኤይድን ፔፕፋርን ብገንዘብ ብምድጋፍ ስርሓት ከካይዱ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ኣብ መንጐ ኣመሪካን መንግስታትን ብዝግበር ሓባራዊ ስምምዕ ዝምወል'ዩ።
እቲ መስርሕ፡ ብቐጥታ ተጠቀምቲ ኣብ ክንዲ ምርካብ፡ ምስ መንግስታት ኣብ ዝግበር ሽርክነት ዘተኰረ እዩ ክኸውን።
ሓደ ካብ ዕላማ ናይዚ ሽርክነት ሃገራት፡ ሕማማት ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ምብጽሖም ናይ ምፍላጥን ምዕጋትን ዓቕመን ምጥንኻር'ዩ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለው ስርዓታት ጥዕና ብምጥንኻር ዝያዳ ዓርሰን ክኽእላ ምግባር'ውን ይጥምት።
እንተዀነ፡ እቲ ስትራተጂ ነቐፌታት ይገጥሞ ኣሎ።
እዚ ለውጢ፡ ዓለማዊ ስርዓተ ጥዕና ክዳኽምን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ክቋረጹን ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ቅድም ኢሉ ዝተኸሰቱ ለበዳታት ንምቍጽጻር ዘኽኣለ ኵለ መዳያዊ ምትሕብባር ክሃስዮ እዩ ዝብል ስግኣት የሻቕሎም።
ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ካልኦት ከባቢታት ዝርከቡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ምስ ኣመሪካ ዝፍረሙ ዘለው ክልተኣዊ ስምምዓት ዝምልከት ሕቶታት የልዕሉ'ዮም ዘለው።
ፍትሓዊ ክፍፍል ረብሓታት ዘረጋግጽ ኵነታት ኣብ ዘየለወሉ ኵነታት፡ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ሃገራዊ ስምምዓት ጥዕናን ምክፋል ቅምሶታትን፡ ሃገራት ዝግብአን ረብሓታት ከም ዝኸልአን ይምጕቱ።
ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሃገራትን ዝካየድ ስምምዕ ንልኡላውነት ሃገራውን ዞባውን መረዳእታታት ጥዕና ዝጻባእን ነቲ ብልዝብ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ቅርጺ ዘዳኽምን ምዃኑ ይገልጹ።
ሃገራት ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝገብርኦ ስምምዓት፡ ስርዓታት ምሕደራ መረዳእታ ጥዕናአን ኣብ ምሕያል ዝግበር ትኹረት እናወሰኸ ክኸይድ ምዃኑን መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ኣብዚ ዓብዪ እጃም ክህልዎ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ድማ፡ ፈረምቲ ሃገራት መሰረተ ልምዓት ጥዕናአን ዝያዳ ኣብ ወጻእ ሃገራት ጽግዕተኛ ክኸውን ክገብሮ'ዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
ኣብ ኬንያ፡ ቤት ፍርዲ ዝገትኦ ስምምዕ

ምንጪ ስእሊ, @WilliamsRuto/X
ነዚ ስምምዕ ዝፈረመት ፈላመይቲ ሃገር ዝዀነት ኬንያ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት 2.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትረክብ እያ።
እቲ ስምምዕ፡ ኣመሪካ ሚስጥራነውት ዘለዎም ውልቃዊ መረዳእታ ጥዕና ብቐሊሉ ክትረክብ እያ ዝብል ስክፍታታት ኣለዓዒሉ።
ገለ ኬንያውያን፡ እቲ ስምምዕ ንኣመሪካ ከም ሕክምናዊ መረዳእታታት ኤችኣይቪን ዓባይ ሰዓልን ከምኡ'ውን መዛግብቲ ክታበት ኬንያውያን ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ሕክምናዊ ሓበሬታታት ክትረክብ ከየኽእላ ብምስጋእ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ወግዓዊ ክኸውን ይጠልቡ ኣለዉ።
"ኣመሪካ ክትረኽቦም እትኽእል ሓበሬታታት እንታይ'ዮም? ጀነቲካዊ መረዳእታ፡ ኵነታት ሕማም፡ ሓበሬታ ጥዕና ኣእምሮ፡ ጠለባት መድሕን፡ መዛግብቲ ሆስፒታል ወይ ባዮሜትሪክስ? ነዚኦም እንተዘይሓዊሱ ንምንታይ ብንጹር ዘይተጻሕፈ?" ክብል ጠበቓ ዊሊስ ኦቲየኖ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ብዙሓት ኬንያውያን፡ ብመሰረት መንግስቶም ዝርዝር ምስ ኣመሪካ ዝፈረሞ ስምምዕ ወግዓዊ ክገብር ዘቕረቡዎ ሕቶ፡ ወግዓዊ ተገይሩ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሲቪላዊ መሰላት ብዛዕባ ምክልኻል ውልቃዊ መረዳእታ ብዝምልከት ብዘቕረብዎ ጥርዓን፡ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ኣጊዱ ይርከብ።
እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ ብመሰረት ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ዝሕሎ ዝነበረ ምትሕልላፍ መረዳእታ ጥዕና ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
መንግስቲ ኬንያ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ከም ዘኽብርን ይግባይ ከም ዝብልን ብምግላጽ፡ እቲ እገዳ ነቲ ብዛዕባ ምክፍፋል መረዳእታ ዝምልከት እምበር ነቲ ምሉእ ስምምዕ ከም ዘይምልከት ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቡ ጕጅለታት ዝዀነ ፈደረሽን ሸማቶ ኬንያ፡ እታ ሃገር ኣገደስቲ መረዳእታታት ስርዓተ ጥዕና ብምሃብ ሃገራዊ ረብሓታታ ኣብ ሓደጋ ተውድቕ ከም ዘላ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ እቲ ጉዳይ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝረአን ቀዋሚ ውሳነ ክሳብ ዝወሃቦን ክሳብ ቀዳማይ ሰሙን ለካቲት እቲ ስምምዕ ግብራዊ ከይከውን ከልኪሉ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኬንያ ንህዝባዊ ስክፍታታት ምላሽ ሂቡ ኣሎ።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ብመሰረት ግቡእ መስርሕን ምሉእ ብምሉእ ልኡላውነት፡ ዋንነት ዳታን መሰል ኣእምሮኣዊ ንብረትን ሃገርና ብምኽባር ዝተበጽሐ እዩ ኢሉ።
ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ስምምዕ ንምፍራም ኣብ መስርሕ ትርከብ።
ክሳብ ሕጂ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ላይበርያ፡ ዩጋንዳ፡ ለሴቶ፡ እስዋቲኒ፡ ሞዛምቢክ፡ ካሜሩንን ናይጀርያን ነቲ ስምምዕ ፈሪመን ዝተፈላለየ ደረጃ ደገፍ ክረኽባ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ኣሶሴይትድ ፕረስ (ኤፒ) ከም ዝጸብጸቦ፡ ገለ ካብተን ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት፡ ኣመሪካ ትህቦ ንዝነበረት ሓገዝ ዝነከየን ወይ ድማ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝስጐጕ ዘለዉ ስደተኛታት ሳልሳይ ሃገር ክቕበሉላ ዝተሰማምዓ እየን።
ከም ኣብነት፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ናይጀርያ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ክትረክብ ዝገበረቶ ስምምዕ ብምጥቃስ፡ "ክርስትያናት ካብ ዓመጽ ኣብ ምክልኻልን ንክርስትያናዊ ትካላት ጥዕና ርኡይ ደገፍ ኣብ ምሃብን ትኹረት ንምግባር" ከም ዝተሰማምዐት ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ ዘማእከለ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ወይ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሩቢዮ፡ እተን ሃገራት ምስ ረብሓታት ኣመሪካ ዘይቃዶ መደባት እንተ ተኸቲለን ኣብ ዝዀነ እዋን ነቲ ስምምዕ ናይ ምቁራጽ ስልጣን ኣለዎም።
ኢትዮጵያ ዝፈረመቶ ስምምዕ

ምንጪ ስእሊ, MOH/FB
ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ብሰሉስ 14 ታሕሳስ 2018 ዓ.ም [ግ] ከም ዝፈረመት ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ መንጐ ክልአቲን ሃገራት ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት 1.6 ቢልዮን ዶላር ኣብ ጽላት ጥዕና ከም ዝውዕል ተገሊጹ።
ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ ዛጊት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግን ካብቲ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ስምምዓት ዝተፈልየ ከም ዘይከውን ይግመት።
ስለዚ እቲ ኣካታዒ ጉዳይ ምክፋል ሓበሬታ ጥዕና ክለዓል ይኽእል እዩ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝኽእል ጉዳይ ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታ ኢትዮጵያ እዩ።
ኣብቲ ብኢትዮጵያ ዝተፈረመ ስምምዕ ናይ ሓበሬታ ምክፍፋል ጉዳይ እንተሃልዩ ድማ፡ እቲ ኣብ 2016 ዝወጽአ "ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ" ክለዓል እዩ።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝርዝር ካብ ውሽጢ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር መረዳእታ ዝመሓላለፈሎም ኵነታት ኣብ ዝሓዘ ኣብ ዓንቀጽ 20፡ ድሕነትን ሓለዋን ውልቃዊ መረዳእታ (ሓበሬታ) ንምርግጋጽ ዝተዘርዘሩ ኵነታት ክማልኡ ከም ዘለዎምን ዝምልከቶ በዓል መዚ ክውስን ከም ዝኽእልን ይጠቅስ።
ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝገበረቶ ስምምዓት ሕማማት ንምቍጽጻርን ንምክልኻልን ዝሕግዝ ሓበሬታ ምልውዋጥ ብዝምልከት ብፍላይ ኣብ ኬንያ ከቢድ ስክፍታታት ኣልዒሉ እዩ።
እዚ ድማ እቲ ጉዳይ ዝተሓለወ ውልቃዊ መረዳእታ ክካተት እዩ ብዝብል ስክፍታ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ኣዋጅ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ ኢትዮጵያ እውን ነዞም ውልቃዊ መረዳእታታት "ተሃዋሲ ውልቃዊ መረዳእታ" ኢሉ ይገልጾም።
እዚ ኣየናይ ውልቃዊ መረዳእታ ከም ዘጠቓልል ብንጹር ይገልጽ።
ብመንጽር'ቲ ሃገራት ዝበጽሕኦ ዘለዋ ስምምዓት፡ ሚስጥራዊ ውልቃዊ መረዳእታ ብዛዕባ ዓሌት ወይ ብሄር ናይ ሓደ ሰብ፡ ጀነቲካዊ መረዳእታ፡ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ወይ ካልእ ዝምልከት ሓበሬታ የጠቓልል።
ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረቶ ስምምዕ እዚ ናይ ሓበሬታ ምክፍፋል ኵነታት ክህልዋ ድዩ ኣይህልዋን ዝብል ዛጊት ብወግዒ ዝተፈልጠ ነገር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







