ን15 ወርሒ ዝጸንሕ ‘ጥንሲ’ ከመይ ዝበለ’ዩ?

መግለጺ ቪድዮ, ን15 ወርሒ ዝጸንሕ ‘ጥንሲ’ ከመይ ዝበለ’ዩ?
ን15 ወርሒ ዝጸንሕ ‘ጥንሲ’ ከመይ ዝበለ’ዩ?

ኣብ ናይጀርያ ‘ሓዳር ጌርክን ዘይትወልዳ ግዳ’ ዝብል ጸቕጢ ዘለወን ደቀንስትዮ ናብ ሓደ ‘ዘጥንስ መድሓኒት’ ኣለና ናብ ዝብሉ መታለልቲ ሓካይም ይኸዳ።

ንሳቶም ዝዀነ ከኒና ሂቦም ክትጠንሳ ኢኽን ይብሉወን።

እንተዀነ እቲ ጥንሲ ብኣልትራሳዉንድ ዝርአ ኣይኰነን’ዩ።

ኣብ ትወልዳሉ መዓልቲ ዶ/ር ጸዊዑ ክትሓርሳ ኢኽን ይበሃላ።

እቲ ሓቂ ግን ይጠንሳ ዘይኮነስ ካብ ካልእ ሰብ ተወሊዱ ዝተሰረቐ ህጻን እዩ ዝወሃበን።