'ኣብ ሆቴል ጾታዊ ርክብ ፈጺምና፡ ብድሕሪኡ ብሕቡእ ካሜራ ናብ ኣሽሓት ከም ዝተዘርግሐ ፈሊጥና'

ኣብ ሓደ ለይቲ ናይ 2023፡ ኤሪክ ኣብታ ኵሉ ሳዕ ወሲባዊ ስእሊ (ፖርኖግራፍያ) ዝርእየላ መርበብ ሓበሬታ እናፈተሸ እንከሎ፡ ሓደ ቪድዮ ምስ ርኣየ ሰንቢዱ።
ኣብቲ ቪድዮ ዝነበሩ ጓልን ወድን - ናብ ክፍሊ ክኣትዉ፡ ቦርሳታቶም ከቐምጡን ጸኒሖም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙን ተመልከተ።
እቶም መጻምድቲ ድማ ንሱን ኣፍቃሪቱን ነበሩ። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ኣብ እትርከብ ሸንዘን ኣብ ሓደ ሆቴል ሓዲሮም ነይሮም፣ ብሕቡእ ካሜራ ከም ዝተቐድሑ ግን ኣይፈለጡን።
እቲ ኵነት ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ሆቴሎም ብዝተሓብአ ካሜራ ዝተቐድሐ ኰይኑ፡ ነቶም ዝዀነ ሰብ ክርእዮም ዝኽእል መርበብ ሓበሬታ ፕርኖግራፍያ ድማ ተዋሂቡ።
ኤሪክ (ሓቀኛ ስሙ ኣይኰነን) ተጠቃሚ ናይ ቻይና ስፓይ-ካም ፕሮግራፊያ እዩ ነይሩ። ደጊም ግን ግዳይ እውን ኰይኑ ኣሎ።
መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ'ዚ ሓድሓድ ንምስምዑ ባህ ዘየብል ቋንቋ ኣለዎ።
ኣብ ቻይና ፖርኖግራፊያ ምፍራይን ምዝርጋሕን ዘይሕጋዊ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ስፓይ-ካም ዝበሃል መርበብ ግን ብውሑዱ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ እዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስሩዕ መዛረቢ ኰይኑ ኣሎ፣ ሰባት - ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ - ከም መደምሰስ ርሳስ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ካሜራታት ከመይ ገይርካ ከም እትርእዮም ምኽርታት ይለዋወጡ ኣለዉ። ገለኦም ኣብ ውሽጢ ክፍልታት ሆቴል ምእንቲ ከይሰኣሉ ቴንዳታት ብምትካል ክጣበቡ ፈቲኖም እዮም።
እተን ደቀቕትን ዝተፈላለየ ቅርጽን ዝለወን ካሜራታት ኣብ ስቱር ቦታታት ተኸዊለን ምንቅስቓስ ሰባት ይምዝግባ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ወነንቲ ሆቴላት ካሜራታት ኣብ መደቀሲ ክፍልታት ተሓቢአን ከይህልዋ ክምርምሩ ይጠልብ።
ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ክፍልታት ሆቴል ብሕቡእ ካሜራታት ዝተቐድሕሉ ኣሽሓት ቪድዮታት ኣቃሊዑ።
መብዛሕትኡ ቪድዮታት ኣብ ተለግራም ይዝርጋሕ ኣሎ። ሓደ ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ተለግራም ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ መርበባት ረኺቡ።
ካብዞም ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝቐርቡ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ፡ ኣብ 180 ክፍልታት ሆቴል ዝተቐርጹ ይርከቡዎም። ገለ ካብ'ዞም ቪድዮታት ብቐጥታ ዝመሓላለፉ እዮም።
ሓደ ሪፖርተር ቢቢሲ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምክትታል፡ 54 ካሜራታት ነቲ ቪድዮታት ይቐርጽኦ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጹ። ብውሑዱ ፍርቂ ካብተን ካሜራታት ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ ነይረን።
እዚ ማለት፡ ኣብተን ኣዋርሕ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣጋይሽ ኣብ ሆቴል ተቐሪጾም። ሓያሎ ካብኣቶም ብቪድዮ ይቕረጹ ከም ዘለዉ ይፈልጡ ኣይነበሩን።

ኤሪክ ኣብ ሆንግ ኮንግ መንእሰይ ከሎ፡ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ቪድዮታት ጾታዊ ርክብ ይርኢ ነይሩ።
"ሰባት ይቕድሑ ከም ዘለዉ ብዘይምፍላጦም እዩ ዝሕስበኒ ነይሩ። ደይ-መደይ ኢልካ ዝስኣል ግሉጽ ጾታዊ ርክብ ተዋስኦ እዩ፡" ይብል።
ኤሪክ ሕጂ ኣብ 30ታት ዕድመ ይርከብ። ብሕቡእ ክትቅረጽ ከመይ ከም ዝስምዓካ ይርድኦ እዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ቪድዮ ምርኣይ ዝዀነ ባህታ ኣይህቦን።
ኣፍቃሪቱ ኤሚሊ (ሓቀኛ ስማ ኣይኰነን) ብሕቡእ ከም ዝተቐርጹ ምስ ነገራ ዝዋዘ ዘሎ እዩ መሲሉዋ።
ካብቲ ኣብታ ሆቴል ዝሓደሩዎ፡ ናይ ሓደ ሰዓት ቪድዮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝተሰቕለ ምስ ፈለጠት፡ መሳርሕታን ቤተሰባን ከይርእዩዎ ክትጭነቕ ጀሚራ።
እቶም መጻምድቲ ንሰሙናት ተዓዚሞም ክዛረቡ ኣይከኣሉን።
ብመሰረት መርመራ ቢቢሲ፡ ሓደ ካብቶም ነቲ ጾታዊ ርክብ ብሕቡእ ካሜራ ዘቕርቡ ዝነበሩ ወኪላት፡ 'አይከይአይ' (AKA) ይበሃል።
ሓንቲ ሪፖርተር ቢቢሲ፡ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ክትከታተል ወርሓዊ 47 ዶላር ክትከፍል ተሓቲታ።
ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ሓሙሽተ ሕቡኣት ናይ ካሜራ ኣማራጺታት ኣለዉ። ኣጋይሽ ናብ ክፍሊ ሆቴሎም ምስ ኣተዉ ከኣ ቀረጻ ይጅምር።
እቲ ቪድዮታት ካብ ፈለማ ወይ ማእከል ክትጅምሮ ከምኡ'ውን ናብ ሞባይልካ ወይ ኮምፒዩተርካ ከተውርዶ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ወኪል 'አይከይአይ' ነቲ ትሕዝቶ ኣብ ተለግራም የወዓውዖ። ሓደ ካብ ገጻት ተለግራሙ 10,000 ተኸታተልቲ ኣለውዎ።
ኣብቲ ናይ ተለግራም ገጹ ቪድዮታት ወሲብ ብኽፍሊት ምርካብ ይከኣል። ካብ 2017 ጀሚሩ ልዕሊ 6,000 ቪድዮታት ከም ዝተዘርግሑ ሕብረት ኤውሮጳ ይሕብር።
ኣብ ገጽ ተለግራም፡ መጻምድቲ ብዛዕባ ኣካላቶምን ኣብ ወሲብ ዘለዎም ክእለትን ክዛረቡ የርኢ።
ንደቂ-ኣንስትዮ ብጽዩፍን ዘዋርድን መንገዲ "ሸርሙጣ" ዝብሉ ሰባት'ውን ኣለዉ። መጻምድቲ መብራህቲ ምስ ኣጥፍኡ ዝሓርቁ ተዓዘብቲ እውን ኣለዉ።
ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ቻይና ግዝኣት ዠንግዝሆ ሕቡኣት ካሜራ ካብ ዘለውዎም ሆቴላት ናብ ሓደ በጺሑ።
እተን ሕቡኣት ካሜራታት ብዘይ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ እየን ዝቕመጣ። ኣባላት መርማሪ ጕጅለ ቢቢሲ ነታ ተሓቢኣ ዝነበረት ካሜራ ምስ ኣውጽኡዋ፡ ኣብ ገጽ ተለግራም ዝነበሩ ተኸታተልቲ ንእለቱ ጥርዓን ኣቕሪቦም።
"ኣብታ ክፍሊ ሆቴል ዝነበረት ጽቡቕ ገይራ ትቐርጽ ነይራ። ካሜራ ምውራዳ ዘሕፍር'ዩ፡" ክብሉ ንአይከይአይ ጽሒፎም።
አይከይአይ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ብቕልጡፍ ኣብ ካልእ ክፍሊ ካሜራ ገጢሙ ክርእዩ ስለ ዝገበሮም፡ ተዓዘብቲ ተሓጒሶም።
"ክሳብ ክንደይ ብቝልጡፍ ሓደስቲ ካሜራታት ክንተክል ከም እንኽእል ርኢኹምዶ? ዘገርም ኣይኰነን ድዩ?" ክብል ድማ ኣብ ገጻ ተለግራም ጽሒፉ።
ቢቢሲ ኣብቲ 18 ኣዋርሕ ዝወሰደ መርመራ፡ ንኸም ብዓል አይከይአይ ዝኣመሰሉ ሓያሎ ወከልቲ ኣቃሊዑ።
ምስ ዓማዊሎም ካብ ዝገበርዎ ዕላል ተላዒሉ፡ ንኻልኦት ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጾም።
እዞም "ወነንቲ ካሜራ" ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣካላት፡ ኣብ ሆቴላት ሕቡኣት ካሜራታት ብምትካል ነቲ ፈነወ ቪድዮ ይቈጻጸሩ።
ሪፖርተር ቢቢሲ፡ መንነታ ከይገለጸት ምስ አይከይአይ ኣብ ዝገበረቶ ዕላል፡ መንነት ናይቲ "ብዓል ካሜራ" መሊቑዎም ክትፈልጥ ክኢላ።
እቲ 'ሓው ቻን' (ብራዘር ቻን) ንዝተባህለ ሰብ መንነቱ ዘጋልጽ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብቕልጡፍ ተኣልዩ። እቲ ሰብኣይ፡ ወኪል አይከይአይ ምዃኑን ዝእዝዙዎ ሓለፍቲ ከም ዘለውዎን ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ግን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይነበሮን።
አይከይአይ ካብ ምያዝያ ጥራሕ ጀሚሩ ብውሑዱ 22,000 ዶላር ኣታዊ ከም ዝረኸበ ይግመት።
ኣብ ቻይና ማእከላይ እቶት ስድራቤታት 6,200 ዶላር ምዃኑ ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ ቻይና ይሕብር።
ኣብ ቻይና ስቱራት ካሜራታት ንምዕዳግ ዝኽልክል ሕጊ እኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብ ዕዳጋ ብቐሊሉ ክርከባ ከም ዝኽእላ ግን ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ።
ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝመደበሩ ንግዳያት ዘይሕጋዊ ወሲብ ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይ ሬይንሊሊ፡ ነቲ ቪድዮታት ምድምሳስ ቀሊል ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
እቲ ኩባንያ፡ እቶም ቪድዮታት ካብቲ ተሰቒሎሞ ዘለዉ ክእለዩ ናብ ተለግራም ዘቕረቡዎ ሕቶ መልሲ ከም ዘይረኸበ ገሊጹ።
"ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ዓቢይ ሓላፍነት ይሽከማ እየን። እቶም ትሕዝቶታት ዝዝርግሑ ኣብ ፖሊሲአን ተመርኲሶም እዮም፡" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ንተግባር አይከይአይ ከምኡ'ውን ሓው ቻን ንተለግራም ሓቢሩ'ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኩባንያ ግን ዝዀነ ስጕምቲ ኣይወሰደን።
እንተዀነ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ናይቲ ቢቢሲ ዝሓበሮ፡ እቲ ኩባንያ፡ "ብዘይ ፍቓድ ጾታዊ ትሕዝቶ ምትሕልላፍ፡ ብመሰረት ፖሊሲ ተለግራም ክልኩል እዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ጐዳእቲ ትሕዝቶታት ንኽንኣልዮም ሓበሬታታት ይመጽኡና እዮም፡" ኢሉ።
ኤሪክን ኤሚሊን በቲ ዘጋጠሞም ድቦላ ሰንቢዶም እዮም።
ኣብ ሆቴላት ምሕዳር ኣቋሪጾም ኣለዉ፣ ብሰባት ከይርኣዩ'ውን ቆቢዕ ክገብሩ ጀሚሮም።
ኤሪክ እቲ ቪድዮኦም ኣብ ተለግራም ተዘርጊሑ ከይከውን ብምባል ሓሓሊፉ ተለግራም ይኸፍት እዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ተለግራም ናይ ጾታዊ ርክብ ቪድዮታት ምርኣይ ከም ዘቋረጸ እዩ ዝዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







