ዛጊት ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ እንታይ ንፈልጥ፡ ዝተርፍከ እንታይ እዩ?

ፍልስጤማውያን ኣደታትን ደቀንን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምብሳሩ ብተስፋ የማዕዱዋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ኣደታትን ደቀንን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምብሳሩ ብተስፋ የማዕዱዋ

ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጽዑቕ ዘይቀጥታዊ ዘተ ኣብ ግብጺ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤልን ሓማስን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘቕረቦ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም "ቀዳማይ ምዕራፉ" ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ።

"እዚ ማለት ኵሎም እቶም ጅሆታት ኣብ ቀረባ እዋን ክፍትሑ እዮም። እስራኤል ድማ ንሰራዊታ ናብ ዝተሰማምዕሉ መስመር ክትስሕቦም እያ፤ "ከም ቀዳሞት ስጕምትታት ናብ ሓያል፡ ነባሪን ዘለኣለማውን ሰላም፡" ክብል ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እንታይ ከም ዘጠቓልል ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

እዚ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ክልተ መዓልትን ዝፍጸመ ዘሎ እዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣበጊሱ ልዕሊ 67,100 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ምምሕዳር ሓቢሩ። እዚ ኣሃዛት'ዚ ድማ ብሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ተቐባልነት ኣለዎ።

መንግስቲ እስራኤል ንውጥን ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛን ምፍታሕ ምሩኻትን ትማሊ ኣጋ ምሸት ከም ዘጽደቖ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እንታይ እዮም ተሰማሚዖም?

እቲ ስምምዕ ብኻቢነ ምኒስተራት እስራኤል ብወግዒ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ፤ ተዅሲ ደው ምባል ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብ ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ እዚ ብቕጽበት ከም ዝፍጸም ይሕብሩ፣ ዋላ እኳ ወሃቢቓል ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር፡ እቲ ካቢነ ምኒስተራት ካብ ዝጸድቕ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክጅምር ምዃኑ እንተ ገለጸ።

ሰራዊት እስራኤል ኣስታት 53 ሚእታዊት ቍጽጽር ናይቲ ወሽመጥ ናብ ዝህቦ መስመር ንድሕሪት ክስሕብ ምዃኑ እቲ ወሃቢ-ቓል ገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዋይት ሃውስ ዝተራእየ ካርታ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ካብ ሰለስተ ስጕምትታት ምስሓብ እስራኤል እቲ ቀዳማይ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራዊት እስራኤል "ኣብ ቀረባ እዋን" ናብ ሓድሽ መስመሩ ንምንስሓብ ምድላዋት የካይድ ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ።

ብድሕሪ እዚ፡ ሓማስ ን20 ጅሆ ዝተታሕዙ ዝመልሰሉ 72 ሰዓታት ምቝጻር ክጅመር እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ሓማስ ንዅሎም እቶም ብህይወት ከም ዘለዉ ዝተኣመነሎም 20 ጅሆታት ክፈትሖም ኣለዎ። ምምላስ ሬሳታት ናይቶም 28 ዝሞቱ ጅሆታት ድማ ምስዓቡ ኣይተርፎን - ዋላ'ኳ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ንጹር እንተ ዘይኰነ።

ብድሕሪ'ዚ እስራኤል፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤል ዝርከቡ ምሉእ ዕድመኦ ክእሰሩ ዝተፈርዱ ኣስታት 250 ፍልስጤማውያን፣ ከምኡ'ውን 1,700 እሱራት ካብ ቓዛን ክትፈትሕ ምዃና ሓደ ፍልስጤማዊ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዛጊት ብዓል መን ምዃኖም ንጹር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሓማስ ቅድሚ ስምምዕ ምፍጻሙ ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝር ግን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ቀታሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ምሉእ ዕድመኦም ክእሰሩ ዝተፈርዶም ከም ዝርከቡዎም ይፍለጥ።

እቲ ፍልስጤማውያን ከም ናይ መጻኢ ፕረዚደንቶም ዝርእዩዎ ማርዋን ባርጎቲ ከም ኣካል እቲ ምልውዋጥ ከም ዘይፍታሕ ወሃቢ-ቓል እስራኤል ገሊጹ።

ውጥን ትራምፕ ከም ዝሕብሮ፡ እስራኤል ከም ኣምሳያ ናይ ነፍሲወከፍ ሬሳ ዜጋኣ ዝተመልሳ፡ 15 ሬሳታታት ቓዛውያን ክትመልስ እያ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነሓሰ ኣብ ቓዛ ዓጸቦ ከም ዘጋጠመ ኣረጋጊጹ እዩ። ነዚ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ድማ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጸዓና ኣማኢት መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ክጅምራ እየን።

ውጥን ትራምፕ ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ 600 ናይ ጽዕነት መካይን ክኣትዋ ኣነጺሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ምንጭታት ፍልስጤም ግን ኣብ መጀመርታ መዓልታዊ እንተ ወሓደ 400 ክኣትዋ ምዃነንን ድሕሪኡ እቲ ቍጽሪ በብቝሩብ ክውስኽ ምዃኑን ገሊጾም።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰራዊት ኣመሪካ ዝዀነ ኣስታት 200 ወተሃደራት ዝሓዘ ሓይሊ፡ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ክካታተሎ ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣቃውማ እቲ ሓይሊ ካብ ግብጺ፡ ቀጠር፡ ቱርኪን ኢማራትን ዝመጽኡ ወተሃደራት ዘጠቓልል ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። እቲ ብዓል ስልጣን፡ ተራኦም "ምክትታል፡ ምዕዛብ፣ ከምኡ'ውን ዓመጽ ከይህሉ ምርግጋጽ፡" ከም ዝኸውን ገሊጹ።

ካልኣይ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብ ቓዛ ዝዀነ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብ ባይታ ከም ዘይህሉ ገሊጹ።

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ሰራዊት እስራኤል ዘንስሓበሉ ቦታታት ዘርኢ ካርታ

ምንጪ ስእሊ, White House

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀዳማይ ገጽ ሰራዊት እስራኤል ዘንስሓበሉ ቦታታት ዘርኢ ካርታ

ዝስዕብከ እንታይ ክኸውን እዩ?

እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ትራምፕ እንተ ተዛዚሙ፡ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ድሒሮም ዝመጽኡ ምዕራፋት ዝምልከት ዘተ ክስዕብ'ዩ - ብዙሓት ካብዞም ነጥብታት ግን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ክልተኦም ወገናት ነቲ እማመ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተሰማሚዖምሉ፡ እቲ ኲናት "ብቕጽበት ከም ዘብቅዕ" ይገልጽ።

ቓዛ ካብ ዝዀነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓራ ኰይና፡ ኵሉ ን"ወተሃደራዊ፡ ራዕድን መጥቃዕትታትን" ዘገልግል ትሕተ-ቕርጺታት ክዓኑ እዩ ይብል።

ብተወሳኺ፡ ቓዛ ነቲ መሰጋጋሪ እዋን ብግዝያዊ ሽማግለ ፍልስጤማውያን ክኢላታት (ቴክኖክራት) ክትምራሕን ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌርን ብዝመርሑዎ "ቦርድ ሰላም" ድማ ክምእዘንን ምዃኑ ይገልጽ።

መወዳእታኡ ድማ ምሕደራ ናይታ ወሽመጥ ንምምሕዳር ፍልስጤም ክርከብ እዩ።

ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ሓማስ ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ኣብ ምሕደራ ቓዛ ዝዀነ ተራ ኣይክህሉዎን እዩ።

ኣባላት ሓማስ ብሰላም ምንባር እንተ መሪጾም፡ ኣብኡ ክነብሩ ወይ ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ክኸዱ ውሕስነት ክወሃቦም እዩ።

ዝዀነ ፍልስጤማዊ ካብ ቓዛ ክወጽእ ኣይክግደድን እዩ፣ ተሰዲዶም ዘለዉ ድማ ክምለሱ ክኽእሉ እዮም።

ንቓዛ ዳግማይ ንምህናጽን ንምሕያልን ብትራምፕ ዝወጽአ ውጥን ቍጠባዊ ምዕባለ ብፓነል ክኢላታት ክካየድ እዩ።

ኣብ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ዝርኣዩ ነጥብታት ኣየኖት እዮም?

ኣብቶም ድሒሮም ዝካየዱ ምዕራፋት ዘተ፡ ኣብ ሓያሎ ነጥብታት ክትዓት ክህልዉ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓማስ ኣቐዲሙ፡ ዕጥቁ ዝፈትሕ ሃገረ ፍልስጤም ምስ ተመስረተት ጥራሕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንእማመ ትራምፕ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝጠቐሶ ነገር የሎን፣ እዚ ድማ ዝነበረ መርገጺኡ ገና ከም ዘይቀየረ ዘርኢ እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።

እስራኤል ብወገና፡ ነቲ ውጥን እኳ እንተ ተሰማምዓትሉ፡ ናታንያሁ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጐድኒ ፕረዚደንት ትራምፕ ኰይኑ ኣብ ፖድዮም ደው ኢሉ ሰበስልጣን ፍልስጤም ነታ ወሽመጥ ኣብ ምምሕዳራ ዝዀነ ተራ ከም ዘይህልዎም ገሊጹ።

ሓማስ ብተወሳኺ፡ ከም ኣካል "ውሁድ ምንቅስቓስ ፍልስጤም" መጠን ኣብ ቓዛ ተራ ክህሉዎ ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ።

ካልእ ኣካታዒ ነጥቢ ድማ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት እስራኤል እዩ። እስራኤል ኣብ እትገብሮ ቀዳማይ ገጽ ምንስሓብ ንኣስታት 53% ክፋል ቓዛ ክትቈጻጸር ከም ዘለዋ ገሊጻ። እማመ ትራምፕ፡ ናብ ከባቢ 40%፡ ቀጺሉ 15% ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

እቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ ድማ ቓዛ ካብ ዝዀነ ስግኣት ናጻ ክሳዕ እትኸውን ኣብ ትሕቲ "ናይ ጸጥታ ዞባ፡" ክትከውን እያ።

ኣብዚ ዘሎ ቃላት ብሩህ ኣይኰነን፣ ንምሉእ ምውጻእ እስራኤል ንጹር ግዜ ኣይህብን።