ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓሙሽተ መዳልያታት ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ ጋና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 13 ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ (All African games) ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓሙሽተ መዳልያታት ብምርካብ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውድድር ክራይተርዩም ቅድድም ብሽክለታ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሰለስተ ወርቂ፡ ሓንቲ ብሩር፡ ከምኡ'ውን ሓንቲ ነሓስ ተዓዊታ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ውድድር ክራይተርዮም ደቂ ተባዕትዮ ናሆም ዘርኣይን መርሃዊ ቅዱስን ብዘይተቃጻጺ ባንዴራ ሃገሮም ሒዞም ሚልክያስ ማእከለ ከኣ ብድሕሪኦም በይኖም፡ ተመራሪሖም ብምእታው ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዘለዋ ዓብላልነት ከረጋግጹ ክኢሎም።
በዚ መሰረት ኤርትራ ብመንገዲ ኖሆም ዘርኣይ ኣብ ናይ ዓበይትን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ክልተ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ እንከላ ካብ መርሃዊ ቅዱስ ብሩር፡ ካብ ሚልክያስ ማእከላ ከኣ ነሓስ መዳልያ ክትዓትር ክኢላ።
ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ካብ ኣድያም ዳዊት ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ብምዃን ወርቂ መዳልያ ክትረከብ እንከላ ብመንገዲ ቅሳነት ወልደሚካኤል ከኣ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ክትረክብ ክኢላ።
ብ10 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጽርግያ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ነቲ ጸወታ ክትዕወተሉ ብዙሕ ትጽቢት’ኳ ተገይሩላ እንተነበረ ኣብ ናይ ዓበይቲ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ ብምውጽኡ ነሓስ መዳልያ ጥራይ ሒዛ ክትወጽእ’ያ ተገዲዳ።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት'ውን ብመንገዲ ናሆም ዘርኣይ ነሓስ መዳልያ ኣይተጋደፋን።
ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራ ንመርሃዊ ቅዱስ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዳዊት የማነ፡ ናሆም ዘርኣይን ሚልክያስ ማእከለን ሒዛ’ያ ናብዚ ውድድር ኣትያ።
እዚ ናይ ሎሚ ውድድር ኦል ኣፍሪካ ገይምስ ናሆም ዘርኣይ ብሓፈሻ ደሚቑ ዝተረኣየሉ ቀድድም ኮይኑ፤ ብሓፈሻ ክልተ ወርቂን ሓንቲ ነሓስን መዳልያታት ንሃገሩ ከግዝም ክኢሉ ኣሎ።
ብ9 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃይሊ ፕረን ክትዕወተሉ እንከላ፡ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣድያም ዳዊትን ሞናሊዛ ኣርኣያን መበል ሻውዓይትን ሻሙነይትን ወጺአን።
ኣብ ናይ ትሕሪ 23 ዓመት ኣልጀርያዊት ነስሪን ሃዊሊ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ እንከላ ኤርትራውያን ኣድያም ዳዊትን ሞናሊዛ ኣርኣያን ካልኣይትን ሳልሰይትን ብምውጻእ ብሩርን ነሓሰን መዳልያታት ተዓዊተን።
መበል 13 ጸወታታት መላእ ኣፍሪካ [All African games] ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳብ ዝግበር ውድድር ኰይኑ ኩሉ ግዜ ጸወታታት ኦሎምፒክ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ ሓደ ዓመት’ዩ ዝካየድ።
እዚ ኣብ ጋና ዝካየድ ዘሎ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፋሉ ዘለዋ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 ክካየድ’ኳ እንተነበሮ ብፋይናንስያዊ ሕጽረታታት ብሽም ‘ኦል ኣፍሪካን ጌምስ 2023’ ሎሚ ዓመት ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብዚ ውድድር ኣሽሓት ኣትሌታት ነንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ረስትሊን፡ ባዲመንተን፡ ኩዕሲ ሰክዔት፡ ቅደድም ብሽክለታ፡ ኵዕሶ እግሪ ዝርከቦ ኣብ ዝተፈላለየ 29 ዓይነታት ስፖርት ብክልቲኡ ጾታታት ንሃገርን ውልቂን ወኪሎም ይወዳደሩ ኣለው።
ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ባድሚንተን፡ ምሕንባስ ኣትሌትክስን’ውን ዝውክልዋ ስፖርታኛታት ሒዛ’ያ ናብ ርእሰከተማ ኣክራ ኣምሪሓ።
እዚ ብ8 መጋቢት ዝጀመረ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ 23 መጋቢት’ዩ ክዛዘም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







