ኢትዮጵያ ብዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዝለዓለ ትፅቢት ካብ ዝግበረለን 8 ሃገራት ዓለም ተሰሪዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህንዲ ኣብ ዓመተ 2023 ብብዝሒ ህዝቢ ንቻይና ክትሓልፋ ምዃና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።
ጸብጻባት እቲ ትካል ከምዘመልከቶ፡ ህንዲ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ብዝሒ ህዝባ 1.4 ቢልዮን ስለዝበጽሕ ንቻይና በሊፃ ኣብ ዓለም ቅድሚት ክትስራዕ’ያ።
ኣብ ዝመጽእ ሕዳር፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ናብ 8 ቢልዮን ክብ ክብል ምዃኑ’ውን እቲ ጸብጻብ ይእምት። ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ግን ካብቲ ዝጸንሐ ከምዝጎደለ'ውን ተገሊጹ።
ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ናይጀርያን ካብተን ልዑል መጠን ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ከርእያ ትጽቢት ዝግበረለን ሃገራት ዓለም’የን።
ድሕሪ 1950ታት ወሰኽ ህዝቢ ዓለም ሎሚ ኣብቲ ዝተሓተ ናህሪ ዕብየት ከምዝርከብ ዝሓበረ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ብዝለዓለ ናህሪ ክብርኽ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ከባቢ 2080ታት ኣስታት 10.4 ቢልዮን ከምዝበፅሕ’ኳ እንተተገመተ፡ ገለ ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ ግን እዚ ኣቐዲሙ ክብጻሕ ከምዝኽእል ይግምቱ።
ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ዝቕጽሉ 30 ዓመታት እንርእዮ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣብሸሞንተ ሃገራት ጥራይ እዩ ከጋጥም። እተን ሃገራት ከኣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ህንዲ፣ ናይጀርያ፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስን ታንዛንያን እየን።
እዚ ከምዚ ከሎ ግን ኣብ ገለ ካብተን ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም፡ መጠን ፍርያምነት (ወሊድ) ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ትሕቲ 2.1 ቆልዑ ብምውራዱ፡ ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝቢ ይረአ ኣሎ። ኣብ 2050 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብዝሒ ህዝቢ 61 ሃገራት ብውሑዱ ብሓደ ሚኢታዊት ክጎድል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ መጠን ፍርያምነት (ማለት ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 1.15 ቆልዑ) ዘለዋ ቻይና፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገመተ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምንካይ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጣ’ላ።
እታ ሃገር ኣብ 2016 ናይ ሓደ ቆልዓ ፖሊሲኣ [‘one child policy’] ብምእላይ፡ መጻምድቲ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ቆልዑ ንኽወልዱ መተባብዒታት እትህበሉ መስርሕ ኣተኣታትያ እንከላ እዩ ምንካይ ብዝሒ ህዝቢ ከጋጥማ ምዃኑ ዝግለፅ ዘሎ።
ብዝሒ ህዝቢ ህንዲ እናወሰኸ ይመፅእ ብምህላዉ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝብል ስም ካብ ቻይና ክትወስዶ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሳላ ምዕባለታት ሕክምናን ሳይንስን፡ ብዙሓት ህጻናት ጥዕንኦም ተሓልዩ ናብ ማእከለይ ዕደመ ዝበጽሑሉን፡ ብዙሓት ዓበይቲ ድማ ናብ እርጋን ዝበቕዑሉ ኩነታት ኣሎ።
እቲ ኩነታት ክቕጽል ተኽእሎ ብምህላው፡ ኣብ 2050 ዓለማዊ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሰባት ከባቢ 77.2 ዓመት ክኸውን’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







