ኣፍሪቃ፡ ን58 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ስዕረቱ ተኣሚኑ

ምንጪ ስእሊ, MONIRUL BHUIYAN/AFP/Getty Images
ንሓያለ ዓመታት ብመዐየሪ ደሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ንሃገራት ኣፍሪቃ ክትመርሕ ዝጸንሐት ጥራይ ዘይኰነት ብደረጃ ዓለም'ውን ኣብ ቀዳሞት 50 ሃገራት ክትስራዕ ዝበቕዐት'ያ።
እዛ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ንእሽቶ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዴሞክራሲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንማሪሽየስ ተኸቲላ ካልኣይቲ ክትከውን እንከላ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ መበል 33 ኰይና ከም ዝነበረት ኢኮኖሚስት ኢንተሊጀንስ ዝተባህለ ትካል ዘወጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብ 1967 ናጽነታ ካብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምርካባ ነታ ሃገር ዝመርሐ ገዛኢ ሰልፊን መራሕቱን በቲ እታ ሃገር ዝተጐናጸፈቶ ዓወታት ናእዳ ረኺቦም'ዮም።
እንተዀነ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ኣብ ስልጣን ተኾድጩ ብምጽንሑ፡ ኩለንተናዊ ዝሕታለ ኣስዒቡ፡ ዝነበሮ ተቐባልነት ህዝቢ እናማህመነ መጺኡ።
ቦትስዋና ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ቁጠባዊ ምድስካልን ሽቕለት ኣልቦነትን ቀንዲ ብድሆታት ኰይኖማ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ስለዚ ድማ'ዮም ኣድመጽቲ ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ነቲ ን58 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ቦትስዋና ብምንጻግ፡ ሓድሽ ገዛኢ ሰልፊ ክመርሖም ሓርዮም ዘለዉ።
'ጽላል ደሞክራስያዊ ለውጢ' ዝተባህለ ምሕዝነት ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ስልጣን ክርከብ ይዳሎ ኣሎ።
ስዕረቱ ዝተኣመነ ፕረዚደንት ሞኽዊጺ ማሲሲ፡ ናብ መራሒ ናይቲ ልፍንቲ ሰልፍታት ብምድዋል ዮሃናኡ ገሊጹ'ሎ።
ዝተፈላለየ ቁጠባዊ ለውጥታት ንምግባር ዝፈተኖ ተበግሶታት ዘይሰለጦ እቲ ገዛኢ ሰልፊ "ዓቢ ጌጋታት'ዩ ፈጺሙ" ክብል ማሲሲ ድሕሪ'ቲ ምርጫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ብኽብረተይ ተኣልየ፡ ቅድሚ ወግዓዊ ጽንብል ምክያዱ ጥጡሕ መስርሕ ምስግጋር [ስልጣን] ክህሉ ኣብ ምግባር ክሳተፍ እየ። ብዘለና ደሞክራስያዊ መስርሕ ሕቡን'የ። ንድሌት ህዝቢ ድማ አኽብሮ እየ" ክብል እቲ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝደየበ ፕረዚደንት ቃል ኣትዩ።
ንደገፍቱ'ውን ክሃድኡ ብምጽዋዕ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክድግፉ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ነቲ ስልጣን ክርከብ ዝዳሎ ዘሎ መራሒ ተቓውሞ ኣብ ዝደወለሉ'ውን "ዝዀነ ምኽሪ ምስ እትደሊ ንምድጋፍ ወትሩ ድሉው ምዃነይ ከረጋግጸልካ እደሊ" ኢሉዎ።
ወዲ 54 ዓመት፡ ጠበቓ ሰባዊ መሰላት ዝነበረ ዱማ ቦኮ ብወገኑ፡ "ሎሚ ዝተፈጸመ ነገር፡ ንደሞክራሲና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘበርኽ እዩ። እዚ ማለት፡ ዕዉት፡ ሰላማዊን ስነስርዓት ዝመልኦን ደሞክራስያዊ ምስግጋር ተዓዚብና ኣለና"።
"እቲ [ዝረኸብናዮ] ቑጽሪ ኣገሪሙኒ'ዩ። ብትሕትና ድማ እቕበሎ። [ንህዝቢ ቦትስዋና] ዝኣትዎ ቃል፡ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና"።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በቲ ዓወት ዝተሓጎሱ ደገፍቲ ተቓወምቲ ሰልፊ ኣብ ርእሰ ከተማ ኻቦረነን ካልኦት ቦታታትን ጽንብል የካይዱ ኣለዉ።
"ኣብ ዘመነ ህይወተይ ነዚ ለውጢ'ዚ ክዕዘብ ዝኽእል ኣይመስለኒን'ዩ ነይሩ" ክትብል ጓል 23 ዓመት ነባሪት ርእሰ ከተማ ኻቦረነ ምፖ ሞኾሮሲ ንሮይተርስ ተዛሪባ።
"ቢ-ዲ-ፒ [BDP] ኣመና ነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ዩ፡ ዝበለጸት ቦትስዋና ንምምጻእ ኣካል ናይቲ ካብ ስልጣን ዘልገሶ ህዝቢ ምዃነይ ድማ የሐብነኒ" ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ።
እቲ ምሕዝነት ሰልፍታት 31 መናብር ብምርካብ'ዩ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ዓብላሊ ከም ዝኸውን ተረጋጊጹ ዘሎ።
ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 500 ሽሕ ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ምዃኑ እቲ ሰልፊ ተመባጺዑ ኣሎ።
ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ቦትስዋና 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኰይና ብማዕድን ኣልማዝ ኣብ ዓለም ዝሃብተመት እያ።
ብዘይካ'ዚ ብተፈጥሮኣዊ ሕዛእቲ ዱራትን እንስሳ ዘገዳምን ዝተዓደለት ብምዃና መስሕብ ቱሪዝም ሃብታማት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







