ቑኑናት ደቂተባዕትዮ ክትቐጽዕ ዝወሰነት ኣፍሪቃዊት ሃገር

ፀጉሩ ዝተቖነነ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛንዚባር ኣብ ልዕሊ ቑኑናት ደቂ ተባዕትዮ ወፍሪ ምእሳር ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

ሰብመዚ ዛንዚባር፡ ደቂ ተባዕትዮ ጸጉሮም ብዝኾነ ዓይነት ቅዲ ቁኖ ከይስርሑ ዝእግድ መምርሒ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ገሊጾም ኣለዉ።

እቶም ሰብመዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ቁኖ ደቂተባዕትዮ ንሕግን ልምድታት እቲ ከባቢ ዝጥሕስን ንሞራል ሰባት ዝጸሉ ምዃኑን ሓቢሮም።

"ንመጻኢ ወለዶታትና ሓደገኛ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና" ይብል ዋና ጸሓፊ ባህሊ ዛንዚባር ዑመር ኣዳም።

ወሲኹ ድማ "እዚ ኣብ ዛንዚባር ሓደ መግለጺ ዘይስነምግባራዊ ተግባር'ዩ። ካብ ዛንዚባር ወጻኢ ዝተኣታተወ ባህሊ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ስጉምቲ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ‘ኤልጂቢቲኪዩ’ (LGBTQ) ዒላማ ዝገበረ እዩ ንዝብል ነቐፌታታት በቲ ዋና ጸሓፊ ተነጺግዎ።

ደቂ ተባዕትዮ ጸጉሮም ከይቑነኑ ዝኽልክል ሕጊ ሓድሽ ኣይኮነን። ካብ 2015'ዩ ከም ሕጊ ጸዲቑ እንተኾነ፡ እቶም ሰብመዚ ሎሚ እዮም ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎ ዘለዉ።

ዝኾነ ጸጉሩ ተቖኒኑ ናብ ዛንዚባር ዝኣቱ ወይ ኣብታ ሃገር ዝነብር ወዲተባዕታይ ልዕሊ 400 ዶላር ወይ ንሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ወይ ድማ ብኽልቲኡ ክቕጻዕ እዩ።

ዛንዚባር ሓንቲ ካብተን ብዙሓት በጻሕቲ ዘአንግዳ ሃገራት እኳ እንተኾነት፡ እቲ ሕጊ ንበጻሕቲ’ውን ብማዕረ ዝምልከት ምዃኑ ሰብመዚ ይገልጹ።

መንግስቲ ዛንዚባር ቅድሚ ክልተ ወርሒ ንመሰላት ‘ኤልጂቢቲኪዩ’ ዘዋዓውዑ እዮም ዝበሎም ናይ 16 መፃሕፍቲ ኣርእስቲታትን ሕብሪ ቀስተ ደመና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምጥቃምን ኣጊዱ ነይሩ።