ብርኽቲ ወልዱ፡ ወናኒት ብሉጽ ቤት መግቢ ኣቢሲኒያ ኣብ ዛንዚባር

ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ኣብ ዛንዚባር

ምንጪ ስእሊ, BIRIKTI

ብርኽቲ ወልዱ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓዲ ስደተን ዕዉት ናብራ ክመርሓ ዝበቕዓ ደቀንስትዮ እያ።

ንሳ፡ ካብቲ ዝዓበየትሉ ባህሊን ሓፈሻዊ ማሕበረቍጠባውን ከባቢ እናረሓቐት'ውን፡ ኣብቲ ክትነብረሉ ዝወሰነት ዓዲ፡ ንዝረኸበቶ ዕድላት ብግቡእ ከይተሓለለት ተጠቒማ፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዛንዚባር፡ 'ስቶን ታውን' ኣብ ዝተባህለ ከተማ፡ ሓደ ፍሉጥን ብበጻሕቲን ደቂ ዓዲን ተፈታውነት ዝረኸበ ኣቢሲንያ ዝሰመየቶ ቤት መግቢ ወኒና ናብራኣ ትመርሕ ኣላ።

ብርኽቲ፡ ነቲ ናብዚ ንምብጻሕ ዝሓለፈቶ መገዲን፤ ንበይሩት ክትሽቅልን ስድራኣ ክትናብን ነቒላ።

ኣብ ግብጺ ዘሕለፈቶ ተመኵሮ ሰለስተ ዓመታትን ካልእ ምስ ስደት ዘዋህለለቶ ዝምድናታትን፡ ንናይ ሕጂ ህይወታ ከመይ ከም ዝጸለዎ፡ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝተኻየደ ታሪኻዊ ዘተ ንምክትታል፡ ናብ ዛንዚባር ኣብ ዝኸድናሉ ዝረኸቡዋ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣዕሊላቶም ኣላ።

እታ ቤት መግቢ፡ በቲ ብወጻእተኛታት ጸሓፍቲ ታሪኽ ብፍላይ ንሰሜን ኢትዮጵያ መጸውዒ ዝነበረ ኣቢሲንያ ዝብል ስም ዝሓዘት እያ።

ኣቢሲንያ፡ ነታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዘመናት ዝጸንሐ ጽልዋታት ኣዕራብ፡ ፈሪሳውያን፡ ህንዳውያን፡ ኣፍሪቃውያንን ኣውሮጳውያንን ዘለዋ መዲና ዛንዚባር ዝዀነት ስቶን-ታውን ፍሉይ ትርኢት ዝፈጠረት እያ።

ኣብ ዓመት ኣማኢት ኣሽሓት በጻሕቲ ናብ ዛንዚባር ይነግዱ።

ነቶም ናብ ዛንዚባር ዝበጽሑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ጥብሲ፡ ሽሮ፡ ጸብሒ ደርሆ፡ ወይኒን ቡን ጥራይ ዘይኰነ፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ'ውን ትምህር።

ኣብቲ ቤት መግቢ፡ ታሪኽ ስልጣነ ኣክሱምን ላሊበላን ዝዝክሩ ጽሑፋት ተሰቒሎም ኣለዉ።

ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ከም መብዛሕትአን ኣብያተ መግቢ ስቶን-ታውን፡ ብሓምላይ ትርኢት ዝመልክዐት እያ።

ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣብ ዛንዚባር ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣጋጣሚ ኰይኑ ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ንሓያሎ መዓልታት ኣብ ምሕዳስ እያ ነይራ።

ብሞያ ከሻኒት ዝዀነት ወናኒት እታ ቤት መግቢ ብሪኽቲ ወልዱ ግን ካብተን ዝበለጻ ኣብታ ከተማ ምዃና ኸኣ ኣብቲ ከተማ ፍሉጥን ምስኩርን እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወፍሪ ዛንዚባር ብኣኣ ከምዝሕበንን ኣብ ዳረሰላም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ እውን፡ ዕቡቕ ምስሊ ኢትዮጵያ ብምህናጽ ዝብል ምስክር ወረቐት ሂቡዋ እዩ።

'ብሩዝ፡ ሽሮን ደርሆን ኢና ጀሚርና'

ቤት መግቢ ኣቢሲንያ

ምንጪ ስእሊ, BIRIKTI

ኣቢሲንያ ቅድሚ 12 ዓመት ኣቢላ እያ ነቒላ። ብሪኽቲ፡ እቲ ቤት መግባ ክጅምር ከሎ፡ እንጀራ ንምርካብ ኣጸጋሚ ስለዝነበረ፡ ጸብሒ ደርሆ ብሩዝ ምቕራባ፡ ክትዛረብ ከላ ሰሓቕ እዩ ዝቕድማ።

ኣብታ ደሴታ፡ እንጀራ ምርካብ ዘይሕሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ እንጀራ ብሩዝ ተኪኣ ምስ ጸብሒ ደርሆ ከተቕርቦ ጀመረት።

እቶም 'ጣዕሙ ዝፈተውዎ' ቀዳሞት ዓማዊል ቤት መግባ፡ ብቐጻሊ ይመጹ ነበሩ።

ሩዝ ብመልክዕ እንጀራ ክትሰርሖ ፈተነት፤ ንዓኣ ግን በዳሂ ነይሩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኢድካ ይጣበቕ" ነዊሕ ሰሓቕ።

እንጀራ ሩዝ ቀሊል ኣይኰነን። ንእንጀራ ዝውዕል ዓይነት ሩዝ ዝተፈለየ እዩ። ኣብ መጐጐ እናተጣበቐ’ውን የሸግራ ነይሩ።

“ጸብሒና ግን ጥዑም እዩ” እትብል ብርኽቲ፡ ዓማዊል ንዕኡ ስለዝፈተውዎ እግሪ ኣየሕጸሩን።

ብርኽቲም’ውን ተስፋ ኣይቆረጸትን።

ኣብ ዛንዚባር እትነብር ኢትዮጵያዊት መሃንድስ መሓዛኣ፡ እንጀራ ሩዝ ኣብ ምስራሕ ተሓጋጊዛታ ነይራ።

ቅድሚኡ ሩዝ ፈቲና'ኳ እንተነበረት፡ ብኸመይ ከም እትሰርሖ ግን ብልክዕ ዝነግራ ሰብ ኣይነበረን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ወርሒ ቆጺራ ካብ ወጻኢ ኣእትያቶ።

እዚኣ፡ እንጀራ ሩዝ ከመይ ጌርካ ከም ዝስራሕ ዝመሃረታ ሰራሕተኛ እያ። ብርኽቲ ኣብ እንጀራ ሩዝ ደው ኣይበለትን። ካልእ ነገራት ክትፍትን ጀመረት።

እንጀራ ዳጒሻ

ብርኽቲ ሓደ እዋን ጣፍ ካብ ወጻኢ ኣምጺኣ። ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎ ከተእቱ ግን ስለዘይተፈቕደላ ካልእ ኣማራጺ ሓሰበት።

ብሪክቲ ንጣፍ ብመንጽር ጣዕምን ጥዕናዊ ረብሓን መተካእታ ምስ ሓሰበት፡ ዳጒሻ መጺኡላ።

ዳጒሻ ምስ ስርናይ ሓዊሳ እንጀራ ክትሰርሕ ጀሚራ።

"ናይ ብሓቂ ጣይታ ጣፍ ዝመስል ግን የለን" ትብል።

እቲ ጣይታ ዳጒሻ፡ ፍኹስ ዝበለን ናይ ጠይታ ጣፍ ጣዕሚ'ኳ እንተሃለዎ፡ ይነቅጽን ይጽልምን።

በዚ ምኽንያት ድማ እንጀራ ሰንኪትካ ምሕዳር ዝበሃል የለን።

ሓድሽ እንጀራ ጥራይ ከተቕርብ ግድን ነይሩ።

ንእሽቶ እንዳመጥሓን እውን ኣለዋ፣ እዚ ድማ ነቲ ምድላው ዝቐለለ ገይርዋ።

ሽሮን በርበረን'ውን በዚ ተዳልዩ ንመሸጣ ይቐርብ።

እቲ ቤት መግቢ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሕ ለውጢ ኣሕሊፉ እዩ።

ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ንነበርቲን ናብ ዛንዚባር ንዝበጽሑ በጻሕቲን ተገልግል፤ ምስ ኣሕምልቲ፡ ሽሮ፡ ወይኒ... ከምኡ’ውን ፍሉጥ ጽማቝ ኣቢሲንያ ሳንሻይን ተቕርብ።

ኣብታ ቤት መግቢ አንኮ ከሻኒት ዝዀነት ብርኽቲ ሓደ-ሓደ ግዜ ዘጋጥማ ጸገማት ከተዕልል እንከላ፡ 'ሕሳብ ኣይንኸፍልን' ዝብሉ፡ ከምኡ'ውን "መግቢ ኢትዮጵያ ከምዚ ኣይስራሕን?" እናበሉ ነቲ መስርሕ ከርእዩ ናብ ክሽነ ዝኣትዉ’ውን ኣለዉ።

ኣይከፍልን ንዝበለ ንፖሊስ ደዊላ ክኸፍሉ ክሳብ ምግዳድ ትበጽሕ።

እቶም እቲ መግቢ "ከምዚ ኣይሰርሕን" ዝብሉ ኢትዮጵያውያን፡ "እዚ ቀመም ክውሰኽ ኣለዎ" ኢሎም ክምህሩዋ ዝህንጠዩ ህንዳውያን'ውን ኣጋጢሞምዋ።

ስምኦን፡ ቡን ዘፍልሕ ዛንዚባራዊ

ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ብቡን እዩ ዝፍለጥ ነይሩ።

ቤተ መንግስቲ ሱልጣን፣ ክፉት ዕዳጋ ባሮት፡ ኣብ ዛንዚባር ናይ መጀመርታ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ገዛን መለለዪ ጥንታዊት ከተማ እምኒ ዝዀነ ኣብ ቤት ዋንደርስ ዝርከብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ሊፍትን ካብቶም በጻሕቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ነገራት እዮም።

ዛንዚባራዊ ስምኦን ባህላዊ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፡ ቡኑ ይቘሉ፡ ዕጣን የትክኽ፡ ይደርፍ፤

ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ነቲ መደብ ምፍላሕ ቡን ብካሜራኦም ይቐርጹ።

በቶም ኣብ ዛንዚባር ኣቢሲንያ ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ግን ጽቡቕ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ኢትዮጵያውያን እናሰሓቝዎ፡ ስእሊ ብምውሳድ እናላገጹሉን ስምኦን ሕጕስ ኣይኰነን።

‘ቡን ምስራሕ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ስራሕ እዩ’ ዝብሉ ሰሓቕን ዋዛን ጥራይ ዘይኰነስ "ወዲ ዘፍለሖ ቡን ኣይንሰትዮን ኢና" ዝብሉ ሰባት እውን ነይሮም ትብል ብርኽቲ።

ኣብታ ከተማ ዛንዚባር፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ቡን ኣፍሊሐን ክሰትያ ርኢና።

ምናልባት ንስምኦን ተንኮበት ኣንጺፍካ፡ ቡን ምቕላውን ምፍላሕን ሓድሽ ነገር ዘይኮነሉ ምኽንያት እዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ከምቲ ብርኽቲ እትዝክሮ ስምኦን ምድላውን ምፍላሕን ቡን ይፈቱ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ብዙሕ ላግጽን ሰሓቕን ምስ ተላዕለ ነቲ ስራሕ ኣቋሪጽዎ።

ኣቢሲንያ ብኸመይ ተጀሚራ?

ወናኒት ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ብርኽቲ ወልዱ

ምንጪ ስእሊ, BIRIKTI

መግለጺ ስእሊ, ወናኒት ቤት መግቢ ኣቢሲንያ ብርኽቲ ወልዱ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መቐለ ተወሊዳ ዝዓበየት ብርኽቲ፡ ኣብ ታንዛንያ ካብ እትነብር ዳርጋ ዕስራ ዓመት ኣቝጺራ ኣላ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እትነብረላን ከም ሃገራ እትቘጽራን ዛንዚባር፡ ብዛዕባኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ GTZ Guest House ከም ከሻኒት ተቘጺራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ሰሚዓ።

ሓላፊኣ ዛንዚባር ዝበሃል ሻርባ ኣምጺኡላ።

ኣብቲ እዋን "ዛንዚባር ሃገር ኣይመስለንን ነይሩ" ትብል ብርኽቲ ብፍሽኽታ።

ኣብ ታንዛንያ ወይ ዛንዚባር ክትነብር ሓሲባ ኣይትፈልጥን።

እቶም ትሰርሐሎም ሰባት፡ ናብ ታንዛንያ ክግዕዙ አንከለዉ ምስኦም ክትከይድ ሓተትዋ።

ንነዊሕ ዓመታት ምስኦም ስለ ዝሰርሐት፡ ምሰኦም ክትገይሽ ድሕር ኣይበለትን።

ህይወት፡ ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ዳረ ሰላም 700 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኢሪንጋ እያ ጀሚራቶ።

ኢሪንጋ ግጥም ዝበለ ዱር እዩ።

ኢትዮጵያ ለምለም ምዃና እናተነገራ’ኳ እንተዓበየት፡ ሓምለዋይ ምድሪ እንታይ ምዃኑ ግን ኣብ ታንዛንያ እያ ርእያቶ።

ሽዑ ቤት መግቢ ክትከፍት ሓሳባ ዘልዕል ሓደ ዕድል ተፈጢሩ።

ጓላ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ትምህርቲ ትመሃር ስለ ዝነበረት፡ "ዓለምለኻዊ ለይቲ" ዝብል መደብ ተዳልዩ።

እቲ መደብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ወለዲ መግቦምን ክዳውንቶምን መንነቶምን ዘርኣዩሉ እዩ።

ኣብታ ከተማ ብርኽቲን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ስድራቤታትን ዘምጽእዎ መግቢ፡ ኣሰራርሓ ቡን፡ እቲ ኣከዳድና ነቲ ህዝቢ መሲጡ።

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ንምንታይ "ቤት መግቢ ኢትዮጵያ ዘይትኸፍቲ?" ዝብል ሓሳብ ዝተላዕለ።

ኣብ ኢሪንጋ ቤት መግባ ክትከፍት'ኳ እንተሓሰበት፡ ኢትዮጵያውያን ዝርክበሉ ኣይኰነን።

ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ ሓደ መሓዛኣ ዛንዚባር ዝብል ሓሳብ ዘምጽአ።

ብሪኽቲ’ውን ቤት መግቢ ክትከፍት ናብ ዛንዚባር ኣቕነዐት።

ቀዳሞት ዓመታት ተስፋ ዘቝርጻ እየን ነይረን። ቦታ ምርካብ፡ ንሓደ ዓለምለኻዊ ቤት መግቢ ዝድለ 300 ሽሕ ዶላር ካፒታል ምቕራብ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ቤት ጽሕፈት ወፍሪ ዛንዚባር ብፈተነ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ቤት መግቢ ኰይና ተቐቢልዋ።

ኣቢሲንያ'ውን ብውሑድ ርእሰ-ማል እያ ጀሚራቶ፡ "ምናልባት እታ ዝነኣሰት ኣውፋሪት እየ ነይረ" ትብል።

'ኣጋጣሚ እየ ከሻኒት ኰይነ'

ብርኽቲ ኣብ መቐለ ተወሊዳ፡ ኣብ መቐለን ናዝሬትን እያ ዓብያ።

ብኣጋጣሚ እዩ ናብቲ ሕጂ እትነብሮን ብፍቕሪ እትፈትዎን ሞያ ምኽሻን ዝኣተወት።

"ቈልዓ ከለኹ፡ ዝበላዕኩሉ ብዘይምልዓል እየ ዝፍለጥ ነይረ" ትብል ንእስነታ እናዘከረት።

ነቲ ፍጻመ ክትዝክር አንከላ፡ እቲ ቈልዓዊ ለዋህነታ የስሕቓ።

ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጻ መሓዙታ ክትሓትት'ኳ እንተደለየት ግን ክትረኽበን ኣይከኣለትን።

እንተዀነ ናብ በይሩት ከምዝኸዳ ሰሚዓ፤ በይሩት ካብ ዕዳጋ መርካቶ ዝርሕቕ መሲሉ ኣይተርአያን።

ስለዚ እዩ ሓው መሓዛኣ "ክትከዲ ትደለዪ ዲኺ?" ኢሉ ምስ ሓተታ፡ ብዘይ ምውልዋል፡ ‘እወ’ ኢላ መለሰትሉ።

ኣብቲ እዋን እቲ ንቤተሰብ ድኳን ዝኸውን ኣቝሑ ክትገዝእ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ተዋሂብዋ ነበረ።

ብድሕሪኡ ክልተ ሽሕ እንተሂባቶ ከም ዝወስዳ ነገራ። ነቲ ገንዘብ ድማ ሃበቶ። ኣብቲ እዋን ጓል 17 ዓመት ኣቢላ ስለ ዝነበረት ዕድሚኣ ወሲኻ ፓስፖርት ኣውጺኡላ።

ንስድራኣ ከይነገረት ናብ በይሩት ተበጊሳ።

“ኣብ ግብጺ ምስ በጻሕኩ፡ ከም ዝጠፋእኩ ተረዲኡኒ፤ ኣብ ካይሮ ምስ በጻሕና ርሑቕ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ክበኪ ጀሚረ” ትብል ብሪኽቲ ነታ ህሞት እናዘከረት።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብ በይሩት ምስ ሓንቲ ንፉዕ ስድራቤት ተራኺባ። ሓልዮቶም እናዘከረት "ከም ጓሎም እዮም ዝሕዙኒ ነይሮም" ትብል።

ንሰለስተ ዓመት ምስኦም ዝነበረት ስድራቤት፡ ቋንቋ ዓረብ ምሂሮምዋ። መግቢ ምስራሕ እውን ተማሂራ።

ናብ ዓዳ ምስ ተመልሰት ሞያ ምኽሻን ጀሚሩ፤ እዚ ኸኣ መገዲ ህይወታ ኰነ።

'ዘይቱኑ ኢሎም እዮም ዝጽውዑኒ'

ቤት መግቢ ኣቢሲንያ

ምንጪ ስእሊ, BIRIKTI

ብርኽቲ ሕጂ ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ሃገራዊ ቋንቋ እታ ሃገር፡ ጽቡቕ ገይራ መሊኻ ኣላ።

ብርክቲ ንነብሳ ከም ዛንዚባራዊት እያ ትርእያ።

ዜግነት ዛንዚባር ክወሃባ’ውን ኣመልኪታ ኣላ።

ድንጋጸ እቲ ህዝቢ፡ ዘርእዩዋ ፍቕሪ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ነገር ከም ዘይትናፍቕ ገይርዋ።

ስድራኣ ኰይኖም ኣለዉ፤ እንተሓሚማ፡ እንጠፊኣ ደለይታ ንሳቶም እዮም።

ናብ ገዛኣ ወይ ቤት መግባ መጺኦም "ደሓን ዲኺ?" ኣይረኣናክን ቀኒና?" ኢሎም ይሓቱዋ።

ኣብ ግዜ ዒድ ናብ ገዛውቶም ብምኻድ ትዕይዶም፤ ኣብ ኣውደኣመታት'ውን ናብ ገዛኣ ይመጹ።

ተማሃሪት ኮለጅ ዝዀነ ጓላ'ውን መሓዙት ኣለውኣ።

ዛንዚባራውያን "ዘይቱኑ" ዝብል ስም ሂቦምዋ።

ንሳ ገና ኣብ ዛንዚባር ምስ ኣተወት፡ ዕዳጋ እንተትገብር ዝበለጸ ዋጋ ሰሚዓ ትኸፍል ነይራ።

ደሓር ግን ተኻቲዓ እያ ክትገዝእ ምስ ረአዩዋ፡ ዘይቱኑ (ዘይቲ ኣውሊዕ) ኢሎም ሰመይዎ።

“ኣዝዮም ንፉዓት ሰባት እዮም። ገበርቲ ሰላም እዮም። ኣብ መንገዲ ምትሕልላፍ የለን። እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ህዱእ እዩ" ኢላ።

ሃገራዊ መዝሙሮም ድማ ከም ሃገርን ከም ህዝቢን ናይ ምርግጋእ ምልክት ገይራ ትጠቅስ።

"እግዚኣብሄር ንህዝቢ ታንዛንያ ይባርኽ፡ ኣዋልዳ፡ ደቃ፡ መሬታ ይባርኽ" ዝብል ሃገራዊ መዝሙር ስዋሂሊ ዘሚሮም፡ ክመራረቝ ወትሩ ካብ ሕልናኣ ኣይሃስስን።