'ሒዞምና ክጠፍኡ ኣይክነፍቅደሎምን' - ቃለ-መሕተት ፓለቲከኛ ጃዋር መሓመድ
'ሒዞምና ክጠፍኡ ኣይክነፍቅደሎምን' - ቃለ-መሕተት ፓለቲከኛ ጃዋር መሓመድ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ብምምራሕን ብምትሕብባርን ጽልዋ ዝነበሮ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ 'ኣልጸጸትም' [ኣይጠዓስን] ዝብል መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ።
መስራቲ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክ ዝተባህለ መደብር ቴሌቪዥን ዝዀነ ጃዋር፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ብፖለቲካል ሳይንስ ቀዳማይ ዲግሊ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ድማ ብሰብኣዊ መሰላት ካልኣይ ዲግሪ ረኺቡ እዩ።
ኣቶ ጃዋር፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ መራሕቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና "ንዓርሶም ጥራይ ዘይኰነ፡ ሃገር ሒዞምዋ ክወድቀዉ'ዮም" ክብል ነቲ ሰልፊ ነቒፉ።
ኣብ ዝመጽእ መረጻ እታ ሃገር ክሳተፍ ድዩ? ሃገር ክመርሕ ድልየት ኣለዎ'ዶ? ዝብል ሕቶታት ቀሪብሉ ኣሎ።



