ወዲ 114 ዓመት ተቐዳዳማይ ማራቶን ብመኪና ተሃሪሙ ሞይቱ

ፋውጃ ሲንግ

ምንጪ ስእሊ, pardeep sharma/BBC

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ተቐዳዳማይ ማራቶን ምዃኑ ዝእመነሉ ብሪጣንያዊ ህንዳዊ ፋውጃ ሲንግ ኣብ መበል 114 ዕድመኡ ኣብ ህንዲ ብመኪና ተሃሪሙ ሞይቱ።

ሲንግ ኣብታ ዝተወልደላ ዓዲ ኣብ ፑንጃብ ጽርግያ እናሰገረ እንከሎ ብዘይተፈልጠት መኪና ተሃሪሙ ደቂ'ቲ ከባቢ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዶም ኣብኡ ከምዝሞተን ፖሊስ ሓቢሩ።

ዓለምለኻዊ ዝና ዝነበሮ ሲንግ፡ 100 ዓመት ድሕሪ ምብዓሉ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ምድባት ዕድመ ማራቶን ብምጉያይ ክብረወሰን ዘመዝገበ እዩ።

ናይ ጉያ ክለቡን ትካል ግብረ ሰናይን ሲክስ ኢን ዘ ሲቲ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብታ ካብ 1992 ጀሚሩ ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝነብረላ ዝነበረ ኢልፎርድ ጽምብል ህይወቱን ዓወታቱን ከምዘኽብሩ ገሊጾም።

ብሰኑይ ነቲ ሽማግለ ኣትለት ዝገጨወት መኪና'ኳ እንተተሰወረት ላዕለዋይ ኣባል ፖሊስ ኣውራጃ ሃርቪንደር ሲንግ፡ "ፍተሻ ይካየድ ኣሎ፣ ተኸሰስቲ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክተሓዙ እዮም" ኢሉ።

ሲንግ ዝጎየለን ዝነበረ ስሙ ዝተጻሕፈን ሰማያውን ጻዕዳን ጫማ

ምንጪ ስእሊ, saurabhDuggal/ BBC

መግለጺ ስእሊ, ሲንግ ዝጐየለን ዝነበረ ስሙ ዝተጻሕፈን ሰማያውን ጻዕዳን ጫማ

ዜና ሞት ናይቲ በዓል ጸጋ ዕድመ ኣትለት ድሕሪ ምቅልሑ ብዙሕ መልእኽቲ ሓዘን ይውሕዝ ኣሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ "ንምእማኑ ዘጸግም ቈራጽነት ዘለዎ ፍሉይ ኣትለት" ክብሎ እንከሎ ኣሰልጣኒኡ ሃርማንደር ሲንግ ኣብ ዝለጠፎ መግለጺ ሓዘን፡ "ኣርማ ሰብኣውነትን ሓያል ኣወንታዊነትን ዝውንን ፋውጃ ሲንግ ብምዕራፉ ዓቢ ሓዘን ይስማዓና፡" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምስ ሲንግ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ኣዝዩ ፍጡንን መዓልታዊ ንሓያሎ ማይላት እግሪ ጕዕዞ ዘዘውትርን ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ሕጂ'ውን እግረይ ንምድልዳል ኣብዚ ዓዲ ብእግረይ እየ ዝንቀሳቐስ። ሰብ ኣካላቱ ባዕሉ ክከናኸኖ ኣለዎ" ክብል'ውን መኺሩ ነይሩ።

ሲንግ መን እዩ?

ኣብ ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ተሰካሚ ሽግ ዝነበረ ሲንግ፡ነቲ ኣብ 2011 ኣብ ቶሮንቶ ዝተኻየደ ምሉእ ማራቶን ዝዛዘመ ፈላማይ ወዲ ሚእቲ ዓመት ምዃኑ ሓዊስካ ኣብ ናይ ጉያ ሂወቱ ሓያሎ ምዕራፋት ዘመዝገበ እዩ።

እንተዀነ ካብ 1911 ጀሚሩ ምስክር ወረቐት ልደት ከርኢ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ተቐዳዳማይ ማራቶን ምዃኑ ብመዝገብ ጊነስ ዎርልድ ሪከርድ ኣፍልጦ ኣይረኸበን።

ቢቢሲ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ሲንግ ኣብቲ ናይ ብሪጣንያ ፓስፖርት ዕለተ ልደቱ 1 ሚያዝያ 1911 ከም ዝተወልደ ዘርኢ ምዃኑን፡ መበል 100 ዓመት ልደቱ ኣብ ዝጸንበለሉ ድማ ካብ ንግስቲ ናይ እንቋዕ ሓጐሰካ ደብዳበ ከምዝነበሮን ይሕብር።

ኣሰልጣኒኡ ሃርማንደር እውን ሲንግ ኣብ ዝተወልደሉ እዋን ኣብ ህንዲ ምስክር ወረቐት ልደት ከምዘይነበረ እዩ ዝምጕት።

ይዅን እምበር ሰበስልጣን ክብረወሰን ዓለም ግን ክህብዎ'ኳ እንተፈተዉ "ወግዓዊ ሰነዳት ልደት" ጥራይ ክቕበሉ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ ኣወንዚፎምዎ።

ኣብ ቤት ሲንግ ካብ ዝተሰቕሉ ናይ ዓወቱ ምስክር ወረቐታት

ምንጪ ስእሊ, Pardeep sharma/BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እንዳ ሲንግ ካብ ዝተሰቕሉ ምስክር ዓወታቱ

ሲንግ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ዕላል፡ "እቲ ሓደ እዋን ብድኽመቱ ዝተጸርፈ ወዲ ግን፡ ታሪኽ ሰሪሑ" ብምባል እግሩ ድኹም ስለ ዝነበረ ክሳብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣትኪሉ ክረግጽ ብዘይምኽኣሉ ብብዙሓት ደቂ ዓዱ ተዘንጢሉን መላገጺ ኰይኑ ምንባሩን ተዛሪቡ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ ገና ቅድሚ 40 ዓመት ምምላኡ፡ ሓረስታይ ሲንግ፡ ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ዝነበረ ዕግርግር'ኳ እንተሓለፈ እቲ ዝፈጠረሉ ናይ ምፍልላይ ስንባድ ናብ ጽምዋን ብሕታውነትን ኣቃሊዕዎ።

ድሒሩ'ውን ኣብ መጀመርታ 1990ታት በዓልቲ ቤቱ ጂያን ካውር ምስ ሞተት ምስ በዅሪ ወዱ ሱክጂንደር ክቕመጥ ብማለት ናብ ለንደን ግዒዙ።

ጸኒሑ ድማ ክበጽሕ ናብ ህንዲ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ግን ንእሽቶ ወዱ ኩልዲፕ ብሓደጋ ሞይቱ ርእዩ፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣጉህይዎ።

ሲንግ ብሓዘን ተዋሒጡ ኣብ ጥቓ እቲ ወዱ ዝተቐብረሉ ቦታ ኮፍ ኢሉ ንሰዓታት የሕልፎ ስለዝነበረ መቕርቡ ንስድራኡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክመልስዎ መኺሮምዎ።

ሽዑ ድማ እዩ ናይ ማራቶን ጉያ ታሪኹ ዝፍልም።

ብኸመይ ናብ ማራቶን ኣትዩ?

ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢልፎርድ ምስ ተመልሰ፡ ሲንግ ምስቲ ደሓር ኣሰልጣኒኡ ዝዀነ ያርማንደርን ምስ ብሓባር ዝጎዩ ዝነበሩ ኣረጋውያን ደቂ ተባዕትዮ ተራኸበ።

ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ዕላል'ውን፡ "ንሃርማንደር ሲንግ እንተዘይረኽቦ ነይረ፡ ኣብ ጉያ ማራቶን ኣይምኣተኹን" ብምባል ንድርኺቱ ኣካፊሉ'ዩ።

በዚ ዝፈለመ ድማ ክሳብ 100ታት ኣብ ማራቶን ምውድዳር ቀጺሉ፡ "ተርባንድ ቶርናዶ" ዝብል ሳጓ ረኺቡ።

መብዛሕትኡ ዝረኽቦ ኣታዊ ብቐጥታ ናብ ትካላት ግብረ ሰናይ እዩ ዝኸይድ ነይሩ።

ሲንግ፡ "ቅድሚ ናብ ጉያ ዓለም ምእታወይ ፋውጃ ሲንግ እየ ነይረ - ጉያ ግን ንህይወተይ ተልእኾ ብምፍጣር ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ኣምጺኡለይ" ይብል።

ኣብ 2013 ኣብ ሆንግኮንግ ዝተኻየደ ናይ10 ኪ.ሜ ናይ መወዳእታ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ወድድሩ፡ ብሓደ ሰዓትን 32 ደቓይቕን 28 ካልኢትን ዛዚሙ።

ምስጢር ነዊሕ ዕድመኡ እንታይ'ዩ?

ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ "ውሑድ ምብላዕ፡ ዝያዳ ምጉያይን ሕጉስ ምዃንን - እዚ'ዩ እቲ ምስጢር ነዊሕ ዕድመይ። እዚ ንዅሉ ሰብ ዝህቦ መልእኽቲ'ዩ" ብምባል ንጥዕናኡን ነዊሕ ዕድመኡን ምኽንያት ቀሊል ኣነባብራን ስርዓት ዘለዎ ኣመጋግባን ምዃኑ ይገልጽ።