ፖለቲከኛታት ኬንያ፡ ቀልቢ መረጽቲ ንምዕዳግ ሽቓቕ ከጽርዩን ሓምሊ ክቕርድዱን ይረኣዩ

ፖሊካርፕ ኢገት

ምንጪ ስእሊ, POLYCARP IGATHE

ገለ ኬንያውያን ፖለቲከኛታት፡ ንሒደት ደቓይቕ’ውን እንተዀነ ካብቲ ምቾት ዝመልኦ ኣነባብራኦም ርሕቕ ኢሎም፡ ኣብ ሞንጐ እቲ ዘካይዱዎ ዘለው ጐስጓስ ምርጫ ሽቓቕ ከጽርዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣሕምልቲ ክሸጡን ክቕርድዱን፡ ሻሂ ከፍልሑን ካልእን ተራእዮም።

እቲ ምርጫ፡ ዝመጽእ ሰሙን 9 ነሓሰ 2022 እዩ ክካየድ። ትማሊ ድማ ፖለቲከኛታት ጐስጓስ ምርጫ ወዲኦም ኣለው።

ካብኣቶም ሓደ፡ ፖሊካርፕ ኢገት ሓድሽ ጓንትን ጫማን ቀይሩ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ሽቓቕ ከጽሪ እንከሎ፡ እተን ሰራሕተኛታት ነቲ ዝኣረገ መኾስተራተን ሒዘን፡ ነቲ 20 ካልኢት ዘይመልኣ ግዜ ሽቓቕ ከጽሪ ብኣግራሞት ርእየናኦ።

እዚ፡ “ንነዊሕ ግዜ፡ ከም ረሳሕ ስራሕ ዝቝጸር’ኳ እንተነበረ፡ ሓላፍነት ዘለዎ ስራሕ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኢገት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ናይሮቢ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ ኰይኑ፡ መኪና እናሓጸበ፡ ሙዚቃ እናጻወተን ኣብ ኣብያተ ትልሂት ኣልኮላዊ መስተ እና'ሳሰየ ተራእዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ገሊ ሰባት 'ሕጂ ኸኣ ቈልዓ እንተዝናቢ፣ ስራሕ ገዛ እንተዝዓዪ' እናበሉ ከባጭውሉ ይስምዑ።

ኢገት፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ማይክ ሶንኮ ምኽትል ኣመሓዳሪ ነይሩ፤ እንተዀነ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ምሕደራኡ እምነት ክረክብ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ተንተንቲ ፖለቲካ ግን፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ህዝባዊ ርክብ ምንቅስቓሳት፡ መረጽቲ ዝለመዱዎም ተግባራት ስለ ዝዀነ ብዙሕ ጽልዋ የብሎምን፡ ይብሉ።

ጆንሰን ሳካጃ፡ መነሓንሕቲ ኢገት እዩ። ንሱ’ውን ኣይሓነኸን፤ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ መግቢ ካብ ዝሸጡ ሰባት ዓሳ፡ ኮሚደረን ሽጉርትን እናዓደገ ተራእዩ።

ጆንሰን ሳካጃ

ምንጪ ስእሊ, JOHNSON SAKAJA

ሳካጃ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ሴናተር ናይሮቢ ኰይኑ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ንፈለማ እዋን ኣመሓዳሪ እታ ዓባይ ከተማ ንምዃን ይወዳደር ኣሎ።

ነባሪት ናይሮቢ ኣኔ ዋመቡይ፡ ፖለቲከኛታት ክሳብ ጐስጓስ ዝጅምሩ ዕዳጋታት ይዅን ካልእ ኣበይ ምህላው'ውን ኣይፈልጡዎን'ዮም ብምባል ትነቅፍ።

“ንሕና ኣብዛ ከተማ ንምንባር ንቃለስ፤ ክንመርጾም ክደልዩ እንከለው ክኣ ሓደ ኣብ ክቡር ቦታታት ዝዕድግ ሰብ [ናብ ዕዳጋና] መጺኡ ንኸምስል ይዕድግ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣባል ባይቶ ከተማ ኪሚሊሊ ዲድማስ ባራሳ’ውን፡ ቀልቢ መረጽቲ ንምስሓብ ነታ ኣዝያ ብርቂ ዝዀነት መኪናኡ ገዲፉ ኣገልግሎት ታክሲ ኣብ እትህብ ሞተርሳይክል -ቦዳ - ተሰቒሉ ክኸይድ ተራእዩ።

ኣብ ልዕሊ መኪናኡ ተሰቒሉ ናብ ዝነበረ ዓረቢያ ኢድ ደይቡ’ውን ጐስጓስ ምርጫ ይገብር ነይሩ። እታ ዓረቢያ ምልክት እቲ ዝውክሎ ሰልፊ ኰይና፡ ቀንዲ ትዅረቶም መናእሰይ ክመርጹዎም ንምግባር እዩ።

ዲድመስ ባራሳ

ምንጪ ስእሊ, DIDMUS BARASA

ብተወሳኺ ባራሳ፡ ምስ ድኻታት ሻሂ ክሰቲ ተራእዩ። ካልኦት ኣሳእል ድማ፡ ሓንቲ ጓል 67 ዓመት ሰበይቲ ናብ እትነብረሉ ካብ ዕንጸይትን ጭቃን ዝተሰርሐት ገዛ ብምኻድ ሓዊ ኣሳዊሩ መግቢ ከብስል የርእዩ።

ይዅን’ምበር፡ ነዚ ብምግባር ንኹሉ ከሰንፎ ኣይክኣለን፤ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣዝዮም ሕማቓት ርእይቶታት ክህቡዎ ተራእዮም።

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዳግም ዝወዳደር ዘሎ ሴናተር ነበር ቦኒ ክሃልዋሌ ድማ፡ ናብቶም ጫማ ጸሪጐም ናብራኦም ዝመርሑ ሰባት ብምኻድ ጫማኡ ከጽርዩሉ ሂቡዎም። ክሳብ ዝውድኡ ክኣ ዝተጠበሰ ዕፉን ይበልዕ ነይሩ።

ነቲ ዝተስኣሎ ስእሊ "Kazi ni Kazi" [ኵሉ ስራሕ ኣገዳሲ’ዩ] ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ጠቅዖ፡ ብዙሓት ተቓውሞ ዝገልጹ ርእይቶታት በጺሖምዎ።

ኣባል ባይቶ ኢምባካሲ ዌስት ጆርጅ ተሪ ክኣ፡ “ኣብ ቍሸተይ ዘሕልፎ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ይፈትዎ ኣለኹ” ብምባል ጥራሕ እግሩ እናኸደ ዝተስኣሎ ስእሊ ለጢፉ።

ጆርጅ

ምንጪ ስእሊ, GEORGE THEURI

ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ሴናተር ኣይዛክ ሙዋራ፡ ኣባል ባይቶ ናይሮቢ ንምዃን ኣብ ዝወዳደረሉ ግዜ፡ ናብቶም ኣብ ጐደናታት ኣሕምልትን ኮሚደረን ዝሸጡ ሰባት ብምኻድ ሓምሊ ክቕርድድ ተራእዩ ነይሩ።

ሽዑ፡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ነጋዶ ዝሓልፍዎ ዘለው ህይወት ንምርዳእ’የ ከምኡ ገይረ ክብል ተዛሪቡ።

“ብዘሕዝን መልክዑ . . . ክሳብ ሕጂ ሓምሊ ዝሸጡ ኣቦታትን ኣደታትን ኣይትፈልጦምን። ነዚ ሓቂ ንኽትፈልጥ ናይ ምርጫ ዓመት ወሲዱልካ” ክብል ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ነቒፍዎ።