ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ላይበርያ ዝተዓወተ ጆሴፍ ቦካይ መን’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንዕድመ "ጸጋ" ክብል ዝገልጾ ወዲ 78 ዓመት ሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ ጆሴፍ ቦካይ፡ ድሕሪ'ቲ ሓያል ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ፕረዚደንታዊ መረጻ ላይበርያ፡ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ‘እንቋዕ ሓጐሰካ’ ተባሂሉ።
ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝተኻየደ ዝኸበደ መረጻ፡ ኣንጻር ኮኸብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃ፡ ዝተወዳደረ ጆሴፍ ቦካይ፡ በቲ ኣብ መወዳእታ ዝረኸቦ ድምጺ’ዩ ተዓዊቱ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ወግዓዊ መድረኻት ስለዝታኸስ ብነቐፍቱ “እቲ ደቃሲ ጆ” ዝብል ሳጓ ዘለዎ ጆሴፍ ቦካይ ግን፡ ኣብ ላይበርያ ተስፋ ክመልስን እታ ሃገር ናብ ገደል ከይትጸድፍ ከምዝሰርሕን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ እታ ፈላመይቲ ዝተመርጸት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ መራሒት ሃገር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ን12 ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ዘገልገለ ጆሴፍ፡ ምኵር ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።
ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ጥሪ 2024 ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመ ብወግዒ ስርሑ ክጅምር እዩ።
ሚስተር ቦካይ ንነብሱ "ኣብ ጋራጅ ደው ኢላ ከምዘላ ናይ ውድድር መኪና" ኢሉ ዝገልጽ ኰይኑ፡ እዚ ሓረግ ኣብ እዋን መረጻ 2017 ኣዘራራቢ ከምዝነበረ ይዝከር። ንሱ ኣብቲ ናይ ሽዑ ፕረዚደንታዊ መረጻ ብዊሃ ተሳዒሩ።
እቲ ሓሳብ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ዝያዳ ክሰርሕ ከምዝደሊ ንምግላጽ ከምዝኾነ’ዩ ዝዝረብ።
ጆሴፍ ቦካይ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ካብ ተዓዋታይነት ኮሚኒቲ ኮሌጃት ክሳብ ኣብ ላይበርያ ዘጋጠሙ ጐንጺታት ምትዕራቕ ዝበጽሕ 58 ዓወታት ዘርዚሩ ኣሎ።
ካብቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ዝዓበየ ዓወት ግን፡ ድሕሪ ዳርጋ ን15 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ስዒቡ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ስልጣን ምሓዙ’ዩ።
እለሻ 'ዝሓሸ ህይወት'
ኣብ ሕዳር 1944 ዝተወልደ ጆሴፍ ቦካይ፡ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ላይበርያ እትርከብ ሎፋ ወርሶንጋ እዩ ዓብዩ።
ወለዱ ከንብቡን ክጽሕፉን ኣይክእሉን ነይሮም።
ሚስተር ቦካይ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሴራሊዮን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተማህረ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ላይበርያ ሞንሮቭያ ካብ ዝርከብ ኮለጅ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተመሪቑ።
ብድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላይበርያ ብ ምሕደራ ዋኒን [ቢዝነስ ኣድሚንስትረሽን] ዲግሪ ዛዚሙ።
ሚስተር ቦካይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መንእሰይ እንከሎ እለሻ "ዝሓሸ ህይወት" ካብ ወንሶንጋ ናብ ርእሰ ከተማ ብእግሩ ከምዝተጓዕዘ ገሊጹ።
ሚስተር ቦካይን በዓልቲ ቤቱ ካርቱሙን ኣርባዕተ ቈልዑ ዘለውዎም ኰይኖም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዲያቆን’ዩ።
ሚስተር ቦካይ ኣብ 1980ታት ኣብ ግዜ መሪሕነት ናይቲ ኣብ 1990 ብዓመጽ ዝተቐትለ ፕረዚደንት ሳሙኤል ዶ ሚኒስተር ሕርሻ ላይበርያ ኰይኑ ኣገልጊሉ።
ኣብ ትውልዲ ዓዱ ልዕሊ 11 ኪሎ ሜትር መገዲ ዝሰርሐ ኮይኑ ባዕሉ ዝመወሎን ዝተቘጻጸሮን ፕሮጀክት እዩ። ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን ድማ 150 ተምሃሮ ዘምህር ቤት ትምህርትን ን10 ቁሸታት ዝሓቘፈ ማሕበረሰባዊ ክሊኒክን ሰሪሑ እዩ።
ሚስተር ቦካይ ኣብ መረጻ 2017 ድሕሪ ምስዓሩ፡ ዳግማይ ክፍትን ቈሪጹ ተላዒሉ።
ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ፕረዚደንታዊ መረጻ እዚ ዓመት ሚስተር ቦካይ ይኹን ሚስተር ዊሃ ንዓወት ዘድሊ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ስለዘየረጋገጹ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ተፋጢጦም።
ጎስጓስ ሚስተር ቦካይ ኣብ ሕርሻ ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፡ ንምሕደራ ተቐናቓኒኡ ፕረዚደንት ዊሃ "ጠገለ ዘይብሉ ምሕደራ" ክብል ከሲሱ። እንተዀነ ሚስተር ዊሃ ንክሲ ሚስተር ቦካይ ነጺግዎ።
ሚስተር ቦካይ ብዛዕባ ዕላማኡ ጠሚቱ ቅድሚ እቲ መረጻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ምምካት ብልሽውና፡ ምዕባይ ምህርቲ ሕርሻ፡ ዋጋ ምግቢ ኣብ ምውራድን ጽርግያታት እታ ሃገር ኣብ ምምሕያሽን ከተኵር ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ "ህዝብና ናተይ ኢሉ ክዛረበላ ዝኽእል ሃገር ክትህልዎ ኣለዋ፡ እተኽብሮ ሃገር ክትህልዎ ይግባእ፡ ብልሽውና ድማ ነዚታት ዕንቅፋት ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ" ኢሉ።
"ኣንጻር ብልሽውና ዝምዘዝ ሰይፊ" ክህሉ ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዩ።
"ኣብተን ቀዳሞት 100 መዓልታት፡ ኣብታ ሃገር ዝዀነት መኪና ኣብ ጭቃ ከምዘይትርገረግ ክነረጋግጽ ኢና። እዚ ድማ ንዋጋ ምግብን ኵነታት ጥዕና ህዝብን ክጸልዎ እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት፡ ንሓረስቶት ክሕግዝ ምዃኑ እናገለጸ፡ ዋጋ ምግቢ ክሳብ ክንድዚ ልዑል ዝዀነሉ ምኽንያታት ምርመራ ከምዝካየድ'ውን ቃል ኣትዩ።
"ዓቕሚ ሕርሻ እዛ ሃገር ኣዝዩ ልዑል'ዩ፡ ግን ኣብቲ ዓውዲ ዋላ ሓንቲ ዝተሰርሐ ነገር የለን። ኣብ ኵሉ ካብ ደገ ብዝኣቱ ኣቑሑት ጽግዕተኛታት ኢና። እዚ ክቕየር'ዩ። ክንገብሮ ከም እንኽእል እፈልጥ እየ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሚስተር ቦካይ ናብ ፕረዚደንትነት ዝገበሮ ጕዕዞ ነዊሕ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ "ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ላይበርያውያን ካብ ከርፋሕ ድኽነት፡ ሕማም፡ ድንቁርናን ክናገፉ ንምሕጋዝ ቆሪጹ ከምዝተላዕለ ይዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







