ትግራይ፡ ‘ንምንባር መግቢ ንልምን ኣለና’
ትግራይ፡ ‘ንምንባር መግቢ ንልምን ኣለና’

ኣብ ትግራይ ትካላት ረድኤት፡ ንጽጉማት ተባሂሉ ዝመጽአ ሓገዝ ብኣመሓደርቲ ይጠፋፋእ ኣሎ ብምባል ረድኤት ምቕራብ ካብ ዘቋርጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ብውሕዱ 1400 ሰባት ጠሚዮም ከምዝሞቱ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት (WFP) ከምኡ’ውን ትካል ረድኤት ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ)፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት እዮም ናብ ትግራይ ዘቕርብዎ ናይ መግቢ ሓገዝ ደው ኣቢሎም።
ሰብ መዚ ትግራይ ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ፡ ኣብቲ ስርቂ ዝተዋፈረ፡ 500 ሰባት ዘለዎ ሓደ ጉጅለ ምርካቦም፡ እቲ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተካየደ ኲናት ኣብ 2021 ዓጸቦ ዝመስል ኵነታት ተኸሲቱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ዝተሳተፈሉ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ እዩ ኣብቂዑ።



