በዓል መስቀል ኣመጻጽኣኡን ትርጕሙን

ምንጪ ስእሊ, Dawit
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ምእመናን ተዋህዶን ካቶሊክን ነቲ የሱስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ዘመልክት ዓመታዊ ሃይማኖታዊ በዓል መስቀል የብዕሉ ኣለዉ።
ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደ ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቅድስቲ ሄለና፡ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ኣብ እየሩሳሎም ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢርዋ ይበሃል።
ምስ ረኸበቶ ድማ፡ ዝዓበየ ሓዊ ወሊዓ፡ እዚ ድማ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ዳሜራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ።
ካልኦት ፍልይ ዝበሉ ዛንታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሓዊ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝነበረ ናብ ሓደ ወገን ከም ዝፈረሰ ይገልጹ። እዚ ድማ እቲ መስቀል ዝተቐብረሉ ቦታ ብንጹር ሓቢርዋ ተባሂሉ ይዝንቶ።
ከም ኣካል ባህላዊ ፍጻመታት ኣብ ድሮ መስቀል ካብ ቀጠንቲ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ፡ ወይ ካብ ገረብ ቈልቋል ዝተዳለወ ሆየ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኣብ መላእ እዘን ሃገራት ይውላዕን ይበዓልን።
እቲ ዝነድድ ዳሜራ በየናይ ሸነኽ ከም ዝወድቕ ብዙሕ ትርጕም ኣለዎ። ናብ ምብራቕ ገጹ እንተወዲቝ ንዝመጽእ ዓመት ጽቡቕ ግዜ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ፤ ንምዕራብ እንተወዲቑ ግን ሕማቕ ፋልን ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ መጠንቀቕታን የመልክት።
እቲ ሓዊ ኣብ ዘለዎ እንተተሃሚኹ ወይ ናብ ሰሜን ወይ ደቡብ እንተኸይዱ፡ ነገራት ከም ዘለዉዎ ክቕጽሉ እዮም፤ ወይ ድማ እንተወሓደ ነገራት ኣይገድዱን እዮም ዝብል ትርጕም ይወሃቦ።
ኣብዚ ብግጭትን ድርቅን ዝተሃስየ ክፋል ዓለም፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ናይ ሎሚ ዓመት ዳሜራታት ብኸመይ ከም ዝወድቁ ክርእዩ ልዑል ሃረርታ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER


ምንጪ ስእሊ, HAWASSA ADMIN PR




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







