በዓል መስቀል ኣመጻጽኣኡን ትርጕሙን

ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ስነስርዓት ዳሜራ ኣብ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Dawit

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ስነስርዓት ዳሜራ ኣብ ከረን

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ምእመናን ተዋህዶን ካቶሊክን ነቲ የሱስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ዘመልክት ዓመታዊ ሃይማኖታዊ በዓል መስቀል የብዕሉ ኣለዉ።

ብመሰረት ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣደ ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቅድስቲ ሄለና፡ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ኣብ እየሩሳሎም ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢርዋ ይበሃል።

ምስ ረኸበቶ ድማ፡ ዝዓበየ ሓዊ ወሊዓ፡ እዚ ድማ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ዳሜራ” ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ።

ካልኦት ፍልይ ዝበሉ ዛንታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሓዊ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝነበረ ናብ ሓደ ወገን ከም ዝፈረሰ ይገልጹ። እዚ ድማ እቲ መስቀል ዝተቐብረሉ ቦታ ብንጹር ሓቢርዋ ተባሂሉ ይዝንቶ።

ከም ኣካል ባህላዊ ፍጻመታት ኣብ ድሮ መስቀል ካብ ቀጠንቲ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ፡ ወይ ካብ ገረብ ቈልቋል ዝተዳለወ ሆየ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኣብ መላእ እዘን ሃገራት ይውላዕን ይበዓልን።

እቲ ዝነድድ ዳሜራ በየናይ ሸነኽ ከም ዝወድቕ ብዙሕ ትርጕም ኣለዎ። ናብ ምብራቕ ገጹ እንተወዲቝ ንዝመጽእ ዓመት ጽቡቕ ግዜ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ፤ ንምዕራብ እንተወዲቑ ግን ሕማቕ ፋልን ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ መጠንቀቕታን የመልክት።

እቲ ሓዊ ኣብ ዘለዎ እንተተሃሚኹ ወይ ናብ ሰሜን ወይ ደቡብ እንተኸይዱ፡ ነገራት ከም ዘለዉዎ ክቕጽሉ እዮም፤ ወይ ድማ እንተወሓደ ነገራት ኣይገድዱን እዮም ዝብል ትርጕም ይወሃቦ።

ኣብዚ ብግጭትን ድርቅን ዝተሃስየ ክፋል ዓለም፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ናይ ሎሚ ዓመት ዳሜራታት ብኸመይ ከም ዝወድቁ ክርእዩ ልዑል ሃረርታ ኣለዎም።

ስነስርዓት ዳሜራ ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ስነስርዓት ዳሜራ ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም
ድሮ በዓል መስቀል ዓዲግራት
መግለጺ ስእሊ, ድሮ በዓል መስቀል ዓዲግራት
ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተገብረ ምድላው ዳሜራ

ምንጪ ስእሊ, HAWASSA ADMIN PR

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተገብረ ምድላው ዳሜራ