ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተኸልከለ ኣቶ ልደቱ፡ ብኻልእ ክጓዓዝ ምዃኑ ገሊጹ

ኣብ ኣመሪካ ገይሹ ዝጸንሐ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 'ናብ ሃገሩ ከይጓዓዝ ምኽልካሉ' ከዘራርብ ቀንዩ።
ኣቶ ልደቱ፡ 3 ለካቲት 2017 [ግእዝ] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ከም ዝተረኽበ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከይጓዓዝ ከም ዝተኸልከለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣቶ ልደቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብታ ሃገር ንምእታው ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይተዓወተ፡ ኣብ ቀጻሊ ግን ብኻልእ መንገዲ ኣየር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለስ ሓቢሩ።
"ካብ ካልእ መንገዲ ኣየር ትኬት ንምሓዝ እዳሎ ኣለኹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተኹ እንታይ ከም ዝግበር ክርኢ እየ። ናብ ሃገረይ ከይኣቱ ዝኽልክለኒ ሕጊ የሎን፡" ኢሉ።
እቲ ንሕክምና ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሐ ኣቶ ልደቱ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለስን ትኬት ከም ዝቘርጽን ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ንምምሕዳር ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ገዛኢ ውድብ ብልጽግናን ኣትሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥን ነባር ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይኑ "ክልላውን ፈደራልን መንግስታት ብሓይሊ ንምዕላው" ብዝብል ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ግብረ-ሽበራ ካብ ዝቐረበሎም ውልቀሰባት ሓደ እዩ።
ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነት ኢትዮጵያ፡ 22 ሚያዝያ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንብረት ናይቶም ኣባላት "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ" ዝሰርሕ ጕጅለ ዝበሎም ኣቶ ልደቱ ዝርከቦም ውልቀሰባት ንምሕዳግ፡ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣቶ ልደቱ፡ ንሕክምና ናብ ኣመሪካ ቅድሚ ምጕዓዙ፡ ሓደ ካብቶም ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኰይኑ ዝጸንሐ ፖለቲከኛታት ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣካታዒ መረጻ 1997 ስልጣን ክሕዝ ተቓሪቡ ዝነበረ ሰልፊ ቅንጅት፡ ኣብ ቅድሚት ኰይኑ ብምምራሕ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ ዝፈጠረ እዩ።
ኣብ እዋን ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ግፍዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣትሪሩ ብምቅዋም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ካብ ሃገር ንሕክምና ቅድሚ ምውጽኡ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ተኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር።
መንግስቲ፡ ኣቶ ልደቱ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንከሎ እዩ ብግብረ-ሽበራ ተደለዪ ምዃኑ ዘፍለጠ።
ኣብታ ሃገር ህውከት ንምፍጣር ምስ ኣኽረርቲን ግብረሽበራውያንን ሓይልታት ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሎም ካብ ዝተኸሰሱ ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ሓደ ዝዀነ ኣቶ ልደቱ፡ ነዚ ስዒቡ፡ ስሩዕ ክሲ እንተ ቀሪብሉ፡ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ክማጐት ምዃኑ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ምዝራቡ ይዝከር።
"ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት እያ ዘላ፡" ዝበለ ኣቶ ልደቱ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ዝርዝር ጽሑፍ፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብር ከም ዝወሰነን ንዝመጽእ ኵሉ ክቕበል ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ መገሻ ትኬት ብምሓዝ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሮ ጻንሒት ዛዚሙ፡ ብሰኑይ 3 ለካቲት 2017 ንግሆ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትላንታ ዘምረሐ ኰይኑ፡ ናብ ነፋሪት ክድይብ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።
"እቲ ትኬት ዝተረጋገጸ እዩ። ፓስፖርተይ ክሳብ ዝቕጽሉ 11 ኣዋርሕ መዓልቱ ዝሓልፎ ኣይኰነን፡" ክብል ኣቶ ልደቱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እንተዀነ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐ፡ ካብ "ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ" ፍሉይ ፍቓድ እንተ ዘይረኺቡ፡ ክሳፈር ከም ዘይክእል ተነጊሩዎ።
"ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ በጺሐ 'ቦርዲንግ ፓስ' ክረክብ ምስ ፈተንኩ፡ እቲ 'ሲስተም' ኣብዩ - ኢሎምኒ። ንኣካያዲ ስራሕ [እቲ መገዲ ኣየር] ረኺበ ኣዘራሪበዮ፣ ተኣጊደ ከም ዘለኹ ነጊሩኒ፡" ክብል ገሊጹ።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ኣመሪካ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣመልኪትካ ነቲ እገዳ እንተ ዘይኣልዒሎምልካ፡ ክትበርር ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ከም ዝበሉዎ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ፓስፖርተይ መዓልቱ ከም ዘይሓለፎ፡ ዘድሊ ናይ መገሻ ትኬት ኣብ እዋኑ ከም ዝገዝአን ዜጋ ስለ ዝዀነ ቪዛ ከም ዘየድልዮን ዝገልጽ ኣቶ ልደቱ፡ ጠንቂ ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ መገሻ ክፈልጥ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።
"እዚ ምስ ኤምባሲ ዘራኽብ'ውን የብሉን። ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ናብ ጸሓፊት ኣምባሳደር ደዊለ ቴለፎን ኣይተልዓለን - ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸብኩን፡" ይብል።
ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ፡ ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ንምድላይ ናብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ሃሰስ ከም ዝበለን፡ ንጉዳዩ መፍትሒ ዝህብ ኣማራጺ ከም ዘይረኸበን'ውን ይዛረብ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ቴለፎን ስለ ዘይተመለሰ ኣይተዓወተን።
ኣቶ ልደቱ፡ "ኣነ ደኣ ብግብረ-ሽበራ ዝድለ ሰብዶ ኣይኰንኩን፡ ንምንታይ ደኣ ናብታ ሃገር ምእታው ተኸልኪለ?" ክብል ይሓትት።
"መንግስቲ ብኢንተርፖል ኣቢሉ ክረኽቦም እየ ኢሉ ይሕነ ነይሩ፡" ዝበለ ኣቶ ልደቱ፡ ኣነ ብድሌተይ ናብ ኢትዮጵያ እንክኣቱ ክቕበለኒ ነይሩዎ - ክበል ዝሓትት ኣቶ ልደቱ፡ " ናብ ሃገረይ ካብ ምኻድ ዝዓግተኒ ነገር የሎን፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







