ኢትዮጵያ ካብተን ‘ዕዳአን ክኸፍላ ዘይክእላ' ሰለስተ ሃገራት ሓንቲ ተባሂላ

ስእነት ሸርፊ ወፃኢ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ዝሸጠቶ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ቦንድ ወለድ ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ገደብ-ግዜ ክትከፍል ዘይምኽኣላ ፀብፃባት ሓቢሮም።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዘመልክቶ፡ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኑይ 25 ታሕሳስ 2023 እቲ ክትከፍሎ ዝግብኣ 33 ሚልዮን ዶላር ስለዘይከፈለት 'ዕዳኣ ክትከፍል ዘይከኣለት ሳልሰይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር' ኮይና ተመዝጊባ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ታሕሳስ 2007 ዓ.ም. ዝተወስደ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር መሸጣ ቦንድ ወለድ ዝኽፈልሉ ግዜ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ማለት 1 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ግእዝ እዩ ኣብቂዑ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ክፍሊት ገደብ-ግዜ ምዝዛሙ፡ 14 መዓልታት ዝነበረ ናይ ምሕረት ግዜ [grace period] ’ውን ትማሊ ሓሊፉ።

መንግስቲ ነቲ ኣዘራረቢ ዀይኑ ዘሎ ልዑል ወለድ ከምዘይከፈለ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ብሉምበርግ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ክፍሊት ከምዘይተፈፀመን ግዚኡ ከምዝሓለፎን፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምምሕያሽ ሂንዣት ሻሚል ከምዘረጋገፀሉ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ምስተን ዕዳአን ክኸፍላ ዘይክእላ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተፀንበረት ሮይተርስ ጸብጺቡ።

እተን ክልተ ዕዳአን ክኸፍላ ኣይክእላን ዝተብሃላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ጋናን ዛምብያን እየን።

ሰበስልጣን መንግስቲ፡ “ኢትዮጵያ ዕዳኣ ክትከፍል ዘይከኣለት፡ ንኹሎም ኣለቃሕቲ ብማዕረ ዓይኒ ስለእትርእይ እዩ” ይብሉ።

ሚኒስትር ትልምን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ማዕኸን ዜና መንግስቲ ዝኾነት ቴሌቪዥን ፋና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሓትት፡ "ኢትዮጵያ ወለድ ዩሮቦንድ ዘይከፈለት፡ ሕጽረት ወጻኢ ሸርፊ ስለዘለዋ ኣይኮነን" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ንሕና ካብ ወጻኢ ሃገር እነእትዎ ኣቑሑት ኣብ ዓመት ሓያሎ ቢልዮናት ዶላራት እንኸፍል ሃገር ስለዝኾንና፡ 30 ሚልዮን ዶላር ዘይምኽፋልና ኣብ ሽግር ከምዘለና ኰይኑ ክዝረብ የብሉን። ኢትዮጵያ ዋላ’ውን ኣብ እዋን ቅልውላው ኰይና፡ ዕዳኣ ብምኽፋል እትፍለጥ ሃገር እያ" ክትብል ተዛሪባ።

ዕዳ ክትኸፍል ዘይምኽኣል እንታይ ማለት እዩ?

ቅድሚ ዓመታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ቦንድ ንመሸጣ ኣቕሪቡ 1 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ረኺቡ'ዩ። ሓደ ክፋል ናይዚ ውዕል፡ መጠን ወለድ ልቓሕን መስርሕ ኣከፋፍላን ይምልከት።

እቲ ልቓሕ ናይ 6.625 ሚእታዊት ዓመታዊ ወለድ ዘለዎ ኰይኑ ኣከፋፍላኡ ድማ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ይፍጸም።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ነዚ ወለድ ክትከፍል’ኳ እንተጸንሐት፡ ሕጂ ግን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክትከፍል ከምዘይትኽእል ኣፍሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ስምምዕ እቲ ልቓሕ፡ ዕዳ ዘይምኽፋል "technical default” ወይ ውዕል ዘይምኽባር ክበሃል ከምዝኽእል ክኢላታት ስነ-ቝጠባ ይዛረቡ።

ዶክተር ዓብዱልመናን፡ "ብመሰረት ውዕል፡ ወለድ ዘይምኽፋል [ወይ] ብመሰረት ውዕል እቲ ቀንዲ ልቓሕ ምኽፋል ዘይምኽኣል" ውዕል ዘይምኽባር ከምዝበሃል የብርህ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ኣብ ውዕል ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ፡ ወለድ ዘይምኽፋሉ ነቲ ውዕል ከምዘየኽብር ይገብሮ ኣሎ ይብል።

“ምሉእ ዕዳ ቦንድ [ክኸፍል] ኣይክእልን ምባል” ምሉእ ዕዳ ቦንድ ምኽፋል ዘይምኽኣል ማለት ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።

ዕዳ ዘይምኽፋል እንታይ የስዕብ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ክኢላ፡ "ኢትዮጵያ ሕጂ ዘላቶ ቍጠባዊ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ልቓሕ ጥራይ ዝፍጸም ድዩ? ካልኦት ልቓሓት ናይ ምኽፋል ዓቕሚኸ ኣለዋ ድዩ?" ብምባል ነዞም ዝስዕቡ ውጽኢታት ይጠቅስ።

"ነገራት እንተዘይተመዓራርዮም፡ ናይ ምኽፋል ዓቕማ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ስለዘሎ፡ ዘጋጠማ ውዕል ዘይምኽባር ናብ ዕዳ ምኽፋል ዘይምኽኣል (sovereign default) ክቕየር ይኽእል'ዩ" ብምባል ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ቍጠባ እታ ሃገርን ዓቕሚ ምምላስ ዕዳን ዝምልከት ንቢቢሲ ርእይቶ ይህብ።

ክኢላ ምሕደራ ፋይናንስ ዶክተር ዓብዱልመናን መሓመድ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ወለድን ልቓሕን ክትከፍል እንተዘይክኢላ "ምስ ካልኦት ኣለቃሕቲ ዝጀመረቶ ዝርርብ ዝጐድእ'ዩ" ይብል።

ኣስታት ፍርቂ ልቓሕ እታ ሃገር እትሽፍን ቻይና፡ ንኢትዮጵያ ናይ ሓደ ዓመት ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳ ሂባ’ያ።

ብተወሳኺ ብመንገዲ ሓባራዊ መቓን ጕጅለ 20 ዕዳ ንምንዋሕ ዝርርብ ተካይድ ኣላ።

እንተዀነ ኢትዮጵያ ነቲ ልቓሕ ዘይምኽፋላ ኣብ ካልእ ዘተታት ጽልዋ ብምሕዳር ጥራይ ዘብቅዕ ኣይኰነን።

ዶክተር ዓብዱልመናን “ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ክንረኽቦ ተስፋ እንገብሮ ገንዘብ እንተሃልዩ ኣዝዩ ክደናጎይ ይኽእል እዩ። ምስ ኣውፈርቲ ዘለወን ሃገራት ዘሎ ዝምድና’ውን ብዝተወሰነ ክጕዳእ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ዝህብዎ ሓገዝ እውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ።” ክብል ሳዕቤናቱ የረድእ።

ዶክተር ዓብዱልመናን ወሲኹ፡ ብሰንኪ ምድንጓይ ሓገዝ፡ መንግስቲ ነቲ ሕጽረት በጀት ንምምላእ ገንዘብ ናብ ምሕታም ክኣቱ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት የቐምጥ።

እዚ ድማ "ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናህሪ ዋጋታት መነባብሮ ከጋድዶ ይኽእል እዩ" ይብል።