መንእሰይ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ንዝንቀፍ ዘሎ ምምሕዳር ማክሮን የበራብሮ ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዕድመ ዝነኣሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ኮይኑ ዝተመዘዘ ወዲ 34 ዓመት ጋብሪኤል ኣታል፡ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ናይ ስልጣን ግዜኡ፡ ነቲ ጽገናታት ንምግባር ዝቃለስ ዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ንምብርባር ኣብ ተግባር ኣድህቦ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
እቲ ቀጢንን ብህድኣት ዝዛረብን፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ኣታል፡ ንሓደ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ንግዱ ብማይ ኣዕለቕሊቕዎ ዝተጨነቐ ሸያጢ ትምባኾ ብምድንጋጹ ናእዳ ረኺቡ ኣሎ።
“ስለኹም ኣባኡ ክንህሉ ኢና። ኣብ ማልሳይ ድማ ቡን ክንሰቲ ኢና" ኢሉ ሚስተር ኣታል።
"ነቲ መድረኽ ጋሊሁ ነገራት ጽቡቕ ክኾኑ'ዮም። ንፉዕ ቆልዓ'ዩ። ካብ ማክሮን ንላዕሊ ተፈታዊ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል ወዲ 79 ዓመት ጡረተኛ ጊልበርት ፌርየር።
"ንእስነት ጽቡቕ'ዩ። ኣብቲ ዕድመ ናይ ምውሳኽ ምልክታት ዘርኢ ዘሎ መንግስቲ ፈረንሳ ሽግ ብርሃን ክውልዕ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ክብል ወዲ 49 ዓመት ነጋዳይ ዓሳ ዮሃን ቻሰቨንት ገሊጹ።
" ተዓጻጻፋይን ሓሳባት ዘለዎን መንእሰይ’ዩ። ሕጂ ዘይኾነሉ ምኽንያት የለን” ዝበለት ድማ ቨሮኒክ ባቺ እያ።
ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰበስልጣን ሰልፊ ህዳሴ፡ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ነበር ጋብሪኤል ኣታል፡ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ዝሳተፉ ፈረንሳውያን ናብ ከም ሃገራዊ ሰልፊ ማሪን ለ ፐን ዝኣመሰሉ ርሑቕ የማናውያን ሰልፍታት ንኸይንሳፈፉ ንምእማን ክሕግዝ ከምዝኽእል ተስፋ ዘለዎም ይመስሉ።
ናይዚ ቀዳማይ ፈተና ድማ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝካየድ መረጻ ባይቶ ኤውሮጳ ክመጽእ እዩ።
"ብሓቂ ተጨኒቕና ኣለና... ርሑቕ የማናውያን ነታ ግዜ ኣድብዮም’ዮም ዝጽበይዋ ዘለዉ። [ንሳቶም] ዓቢ ሓደጋ እዮም። ነዛ ሃገር ዝኣሊ ሓቛፊ መንግስቲ የድልየና። ኣታል ጥራይ እዩ ሰባት ኣብ ድሕሪኡ ከሰልፍ ተኽእሎ ዘለዎ። ኣታል መራሒ እዩ፡ ጻዕራም ሰራሕተኛ’ውን እዩ" ትብል ንኣታል ተኪኣ ኣብ ሃውትስ-ደ-ሴን ኣባል ባይቶ እቲ ከባቢ ኮይና ዝሰርሐት ክሌር ጓይቻርድ።
“ካብ ጸጋም ብየማናውያን ዝያዳ ተፈታዊ ዝኾነን ብዛዕባ ሕግን ስርዓትን ብዙሕ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ ምምራጽ ጽቡቕ ክያዶ እዩ” ይብል ኣንቶንዮ ብሪስቲል ዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ።
ፕረዚደንት ማክሮን ህዝባውን መንእሰይን ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምራጽ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ውሳነ ግን፡ ንሰባት ካብቲ ሰፊሕ ቃልስታት ምሕደራኡ ኣዘናጊዑ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቲ ሕጽኖት ግዜ ግን ነዊሕ ዘይክጸንሕ ይኽእል'ዩ።
“ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ ዝምድና ክኸውን ይኽእል እዩ። ማክሮን ካልኣይ እብረ ስልጣን ንምርካብ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። ማክሮን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝበዝሐ ድምጺ ኣብ ዘይብሉ እዋን ድሕሪ መረጻ ኤውሮጳ እንታይ ከም ዝኸውን ክንርኢ ኢና። ዝተረፈ ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣኑ ገና ዝተሓላለኸ ክኸውን እዩ" ይብል ሚስተር ብሪስቲል።
ካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ማክሮን ኣብ 2027 ክዛዘም እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ርሑቕ የማናዊ ተቓዋሚ ሃገራዊ ሰልፊ ናይ ገዛእ ርእሱ ብዕድመ ዝነኣሰ ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ጆርዳን ባርዴላ ኣዐርዩ የፋልጥ ኣሎ።
ባርዴላ ወዲ 28 ዓመት ኮይኑ፡ ‘ማሪን ለ ፐን’ ኣብቲ ናይ 2027 መረጻ እንተድኣተዓዊቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







