ማርቲን ሉተር፡ ዘገርሙ ሓቅታት'ቲ ትእምርቲ ቃልሲ ንሲቪላዊ መሰላት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ ውርሻ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ኣብ እተኽብረሉ ዘላ እዋን፡ ኣንጻር ድኽነትን ዘይማዕርነትን ዝገበሮ ቃልሲ ሎሚ’ውን ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ሲቪላዊ መሰላት ኣሜሪካ ዝነበረ ኣገዳሲ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።
ብዛዕባ ህይወትን ውርሻን ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ብዙሕ ዘይፍለጡ 10 ሓቅታት እንሀው፤
'ሕልሚ ኣለኒ' - ብዘይምድላው ዘቕረቦ መደረ
ኣብ ፍርቂ እቲ ኣብ 1963 ዝገበሮ መደረ፡ ዘማሪት ወንጌል ማሃልያ ጃክሰን፡ "ብዛዕባ እቲ ሕልሚ ንገሮም - ማርቲን!" ክትብል ተዛሪባ።
እቲ ጻውዒት ኪንግ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቕረቦ ንዅሎም ዜጋታት ማዕረን ተበጻሕን ዝዀነ ኣጠማምታኡ ን ሕልሚ ኣሜሪካ ኣስተምህሮኡ ክምለስ ደሪኽዎ።
"ሓደ መዓልቲ፡ ኣርባዕተኦም ንኣሽቱ ደቀይ ብሕብሪ ቆርበቶም ዘይኰነስ ብትሕዝቶ ባህርያቶም ኣብ ዝፍረደሉ ሃገር ክነብሩ እዮም ዝብል ሕልሚ ኣሎኒ፤ ሎሚ ሕልሚ ኣሎኒ" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ታሪኻዊ ህሞት እዩ እምበኣር፡ ድሒሩ "ሕልሚ ኣሎኒ" ብዝብል መደረ ክፍለጥ ክኢሉ።
ነቲ ኪንግ ዝሓንጸጾ ሕልሚ ማዕርነት ብሓቂ ንምፍጻም ግን፡ ገና ክስርሓሎም ዘለዎ ስርሓት ከም ዘለው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መጽናዕትን ትምህርትን ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ሌሮን ማርቲን ይዛረብ።
ሽሙ ማይክል ኪንግ'ዩ ነይሩ
ብ15 ጥሪ 1929 ምስ ተወልደ፡ ብስም ኣቦኡ ማይክል ኪንግ ተሰይሙ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ግን ኣቦኡ ኣብ ጀርመን በጺሑ፤ ማርቲን ሉተር ዝተባህለ መራሒ ተሃድሶ ፕሮቴስታንት ፈለጠ።
በዚ ኣዝዩ ስለ ዝተደፋፍአ፡ ናብ ኣሜሪካ ምስ ተመልሰ ሽሙን ሽም ወዱን ናብ ማርቲን ሉተር ኪንግ ከም ዝቐየረ ይንገር።
ኪንግ፡ ኣብ ኮሌጅ ሰባኺ ክኸውን ወሲኑ
ኣብ 1944 ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ወዲ 15 ዓመት እንከሎ ናብ ኮሌጅ ሞርሃውስ ኣትዩ።
ወለዶታት ስድራቤት ኪንግ ካብቲ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ዝርከብ ብታሪኽ ጸለምቲ ዝዀኑ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ዝነብሩሉ ውሩይ ኮሌጅ ዝተመረቝ'ዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ኪንግ ኢንስቲትዩት፡ እቲ ድሒሩ መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ዝዀነ ኪንግ "ተራ" ተመሃራይ'ዩ ነይሩ።
ኣብ ሞርሃውስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ግን፡ እቲ ንማሕበራውን ፖለቲካውን ማዕርነት ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ሰባኺ ንኽኸውን ከም ዝደፋፍኦ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, GETTY/GADO
ሰላሳ ግዜ ተኣሲሩ
ን13 ዓመታት መራሒ ሲቪላዊ መሰላት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብዓቢኡ ብገበናትን ጥሕሰት ሲቪላዊ ተቓውሞታትን 30 ግዜ ከም ዝተኣሰረ ማእከል ኪንግ ይሕብር።
መብዛሕትኡ ግዜ ዒላማ ኣኽበርቲ ሕጊ'ኳ እንተነበረ፡ ኪንግ ግን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእሳሩ ኣይፈትዎን ነይሩ።
ኣብ ጥቅምቲ 1960 ኣብ ኣትላንታ ኣብ ዝርከብ ድኳን ኰፍ ምስ በለ፡ ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግዝኣት ጆርጅያ ተኣሲሩ።
ካብኡ ናብ በዓልቲ ቤቱ ኮሬታ ደብዳበ ጽሒፉ።
"እዚ ሕጂ ናብ ስድራቤትና ዝመጽእ ዘሎ ልዕሊ ዓቐን ስቓይ ብገለ ንእሽቶ መገዲ ንኣትላንታ ዝሓሸት ከተማ፡ ጆርጅያ ዝሓሸት ግዝኣት፡ ኣሜሪካ ድማ ዝሓሸት ሃገር ንምግባር ከገልግል" ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ጽሒፉ
ብመሰረት ጸብጻብ ማእከል ኪንግ፡ ኪንግ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ከምኡ'ውን ብዙሓት እኩባት ደብዳበታቱን ስብከታቱን ኣሕቲሙ'ዩ ሓሊፉ።
ኣብ 1964 ዝጸሓፋ 'Why We Can't Wait' እትብል መጽሓፉ፡ ነቲ ኣብ በርሚንግሃም፡ ኣላባማ፡ ዝነበረ ፍልያ ንምውጋድ ፍሉይ ዝዀነ ወፍሪ ክካየድ ከም ዝደረኸት ይግለጽ።
ውጻእ መዓት ፈተነ ቅትለት'ዩ
ኣብ መስከረም 1958፡ ኣብ ሃርለም 'Stride Toward Freedom' ዝብል መጽሓፍ እናፈረመ እንከሎ፡ ሓንቲ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ቀሪባቶ።
እታ ሰበይቲ ቅድሚ ብኣስታት 18 ሴንቲሜተር ዝቝመቱ በሊሕ ነገር ምውጋኣ፡ ንሱ ምዃኑ ኣረጋጊጻ'ያ ቀሪባቶ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ካራ ናብ ኣኦርታኡ (ካብ ጸጋማይ ክፍሊ ልቢ ደም ዝመሓላለፈሉ ቀንዲ ሱር ደም) ኣዝዩ ስለ ዝቐረበ፡ ሓካይም "ካብ ሞት ንስክላ" ከም ዝተረፈ ገሊጾም ነይሮም።
ኪንግ፡ እታ ሰበይቲ ሕማም ኣእምሮ ከም ዘለዋ ምስ ፈለጠ፡ "ኣብ ልዕለኣ ዝዀነ ምረት ኣይጻወርን እየ" ብምባል፡ ኣብ ክንዳኡ ሕክምና ክትረክብ ሓቲቱ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY/BETTMANN
ኣደኡ ኣልቤርታ'ውን ተቐቲላ
ሉተር ኪንግ ጁንየር ምስ ተቐትለ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብ30 ሰነ 1974፡ ሓደ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ ንኣደ ኪንግ ኣልቤርታ ተኲሱ ቀቲልዋ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣልቤርታ ዊልያምስ ኪንግ፡ ኣብ ቤተክርስትያን መጥምቕ ኣቤኔዘር ኣብ ዝነበረ ኣገልግሎት ኦርጋን ትጻወት ነይራ።
እቲ፡ ተኳሲ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ንሞት ተፈሪዱ'ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ኣባላት ስድራ ኪንግ ነቲ ፍርዲ ስለ ዝተቓወምዎ ብማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክቕጻዕ ተወሲኑ።
ስድራ ኪንግ፡ ወጻኢታት ውልደት ጁሊያ ሮበርትስ ሸፊኖም
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ጁሊያ ሮበርትስ ኣብ ቀረባ ምስ ጋዬል ኪንግ ካብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ዝወጽአ ምስሊ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።
እዚ፡ ምስ ተወለደት ብዛዕባ ዝነበረ ኵነታት እሞ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ ጉዳይ እዩ።
"ስድራቤት ኪንግ ንሕሳብ ሆስፒታለይ ከፊሎምለይ" ዝበለት ጁሊያ፡ ወለዳ ንደቂ ኪንግ ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ተዋስኦኦም ስለ ዝተቐበሉዎም ስድራቤት ሮበርትስን ኪንግን ከም ዝተቐራረቡ ገሊጻ።
ድሒሩ ጁልያ ምስ ተወልደት ስድራኣ ናይ ሆስፒታል ሕሳብ ክኸፍሉ ኣብ ዘይከኣሉሉ፡ ኪንግን በዓልቲ ቤቱ ኮሬታን "ካብ ዕዳ ክንወጽእ ሓጊዞምና" ኢላ።
ወዲ 39 ዓመት እንከሎ ተቐቲሉ
ዶክተር ኪንግ ብ4 ሚያዝያ 1968 ክቕተል እንከሎ ወዲ 39 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ።
13 ዓመታት ምሉእ፡ ንሲቪላዊ መሰላትን ዓሌታዊ ማዕርነትን ክጕስጉስ ኣሕሊፍዎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማእከል ኪንግ ግን፡ ኣብ ኣሜሪካ ዓሌታዊ መዓርነት ጠሚቱ ካብቲ ዝሓለፈ 350 ዓመታት ብዝተፈለየ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ከምጽእ ክኢሉ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







