ኬንያ፡ ምህማም መሬት ዘስዐቦ ሞትን ሰፊሕ ዕንወትን

ምህማም መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Kenyan Government

መንግስቲ ኬንያ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ምህማም መሬት 21 ሰባት ከምዝቐተለ ኣረጋጊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ውሽጠ- ዓዲ፡ ኪፕቹምባ ሙርኮመን፡ ዓርቢ ምሸት ኣብ ማራክዌት ድሕሪ ዘጋጠመ ምህማም መሬት፡ እቶም ሬሳታት ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተወስዱ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ 30 ሰባት ብስድራቤቶም ደሃዮም ከም ዝጠፍኡ ዝተሓበረ ዀይኑ፡ ዛጊድ ኩነታቶም ከምዘይተፈልጠ ኣስፊሩ።

ካልኦት 25 ከቢድ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሰባት ድማ ተወሳኺ ሕክምናዊ ረድኤት ንምርካብ ብሄሊኮፕተር ከም ዝተወሰዱ ገሊጹ።

ጻዕርታት ህይወት ምድሓን ንምውህሃድ ዝሕግዝ ዘሎ ቀይሕ መስቀል ኬንያ፡ ብሰንኪ ጭቃን ብርቱዕ ውሕጅን ክሳብ ሕዚ እቶም ዝበዝሑ ዝተሃስዩ ከባቢታት ብመገዲ ክብፅሑ ከምዘይከኣሉ ገሊጹ።

መንግስቲ ኬንያ፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት ነቲ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ደው ኣቢልዎ እኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ሰንበት ግን ዳግማይ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።

"ነቶም ግዳያት ዝያዳ መግብን ካልኦት ኣድላይ ነገራትን ንምቕራብ ምድላው ይካየድ ኣሎ" ዝበለ ሙርኮመን፡ "ወተሃደራውያንን ነኣይ ፖሊስን ነፈርቲ እዚ ንምጉዕዓዝ ኣብ ድልውነት ኣለዋ" ኢሉ።

ኬንያ ኣብ ካልኣይ ወቕቲ ዝናብ እያ ዘላ።

መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ኣብ መጀመርታ ዓመት ዝነበረ ዝኸበደን ዝነውሐን እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ንገለ ሰሙናት ዝፀንሕን ቅልል ዝበለን'ኳ እንተዀነ፡ ሰፊሕ ሓደጋታት የብፅሕ ኣሎ።

መንግስቲ ኣብ ጥቓ እዞም ሩባታት ከምኡ'ውን ኣብቲ ብዓርቢ ምህማም መሬት ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ኡጋንዳ፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብተመሳሳሊ ሓደጋ ህይወቶም ስኢኖም።

ትማሊ ቀዳም፡ ቀይሕ መስቀል ኡጋንዳ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ቁሸት ካፕሶሞ ምህማም መሬት ከምዘጋጠመን፡ ሓደ ገዛ ሙሉእ ንምሉእ ከምዝተወስደን ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምዝሞቱን ገሊጹ።