ኣብ ሓንቲ ቁሸት ሓደ ሰብ ጥራይ ዝደሓነሉ ባህሪያዊ ሓደጋ

ነበርቲ ካብቲ ሓደጋ ህይወት ሰብ ከትርፉ ይፍትኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ካብቲ ሓደጋ ህይወት ሰብ ከትርፉ ይፍትኑ

ኣብታ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኲናት ሕድሕድ ተሸሚማመ ዘላ ሱዳን፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዝርከቡ ኣኽራናት ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ኣማኢት ህይወቶም ስኢኖም፤ ካብታ ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝዀነት ቁሸት ሓደ ሰብ ጥራይ ከምዝደሓነ ይንገር።

እቲ ሓደጋ ኣብ ምዕራብ ሱዳን፡ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ኣኽራናት ማራ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ብውሕዱ ኣስታት 400 ሰባት ከምዝሞቱ ሓደ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምክትል ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣንቶን ጀራርድ፡ ናብቲ ከባቢ ንምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ ዕምቈት ናይቲ ሓደጋ ዀነ ብዝሒ ሞት ንምፍላጥ ከምዘይተኽኣለ ገሊጹ።

ነቲ ከባቢ ዝቈጻጸር ዕጡቕ ጕጅለ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን [SPL/M] ብወገኑ፡ ክሳብ ሓደ ሽሕ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ባህሪያዊ ሓደጋ መሬት፡ ንተኸታተልቲ መዓልታት ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ዘንቀሎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብታ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመላ ቁሸት ሓደ ሰብ ጥራይ ብህይወት ከምዝተረፈ እዩ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ዝገልጽ።

እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ወሲኹ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለማውን ኣህጉራውን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ምክትል ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣንቶን ጀራርድ ግን፡ ናብቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ሓገዝ ምብጻሕ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቝ።

"ሄሊኮፕተራት የብልና፣ ኵሉ ነገር በቲ ኣዝዩ ጥውይውይ ዝበለ ጽርግያታት ብተሽከርከርቲ ጥራይ እዩ ክብጻሕ ዝኽእል። ግዜ ይወስድ፡ ወቕቲ ዝናብ'ዩ - ሓደ ሓደ ግዜ ንሰዓታት ክንጽበ ኣለና፣ ምናልባት ሓደ ሽንጥሮ ንምሕላፍ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ክወስደልና ይኽእል እዩ... ኣቑሑት ዝጸዓና መካይን ምግዓዝ ድማ ዝገደደ ከቢድ ይገብሮ።"

ብዙሓት ነበርቲ ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ መረበቶምን ዝተፈናቐሉ ኰይኖም፡ ኣብ ኣኽራናት ማራ ኣዕቚቦም ይርከቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምስ ሰራዊት መንግስቲ ዝተሰለፈ ኣመሓዳሪ ዳርፉር፡ ሚኒ ሚናዊ፡ ነቲ ምህማም መሬት "ሰብኣዊ ትራጀዲ" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብዚ ወሳኒ ህሞት እዚ፡ ህዝብና በይኑ ክጻወሮ ልዕሊ ዝኽእሎ ስለዝዀነ፡ ዓለምለኻውያን ሰብኣዊ ትካላት ብህጹጽ ጣልቃ ብምእታው ደገፍን ሓገዝን ክገብሩ ጻውዒት ነቕርብ"ኢሉ።

ሓላፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን፡ "ተዅሲ ከቝሙን ንዝተጸገሙ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ቅልጡፍን ኣድማዕን ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ክተሓባበሩን" ጸዊዑ።

ገለ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ኣሳእል፡ ኣብ ጸግዒ ሓደ እምባ ክልተ ህጕም ከምዝተፈጥሩ ዘርእዩ ኰይኖም፡ ኣብቲ ቍሸት ተርሲን እትርከበሉ ታሕተዋይ ክፍሊ ይራኸቡ።

ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ነታ ሃገር ኣብ ሕሱም ጥሜት ኣእትዩ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ክስታት ዓሌት ምጽናት ኣስዒቡ ኣሎ።

ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ዝሞቱ ሰባት ዝምልከት ግምታት ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ 2023 ተጻብኦታት ካብ ዝጅምር ክሳብ 150 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ገሚቱ።

ኣስታት 12 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ፈሊሶም ኣለዉ።

ካብቶም ነቲ ምህማም መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝቈጻጸር ጕጅለ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን/ሰራዊት፡ ገሊኦም ዝተፈንጨሉ ጕጅለታት፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሱዳን ኰይኖም ኣንጻር ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ክዋግኡ ዝተሰለፉ እዮም።

ብዙሓት ዳርፉራውያን፡ እቶም ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቶም ሚሊሻታትን፡ ነቲ ውሁድ-ዓሌት ዝርከበሉ ዞባ፡ ብዓረብ ዝዕብለል ግዝኣት ንምግባር ዝዓለመ ኲናት የካይዱ ከምዘለዉ እዮም ዝኣምኑ።

ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እቲ ከባቢ ብቐሊሉ ዝብጻሕ ኣይኰነን