እስራኤል ኣብ ቃዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ቀቲላ

ብመጥቃዕቲ ዝዓነወት መኪና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስራኤል ትማሊ ቀዳም ኣብ ቃዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ።

ኣብ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብርጌድ ቃሳም ሓላፊ ምፍራይ ኣጽዋር ዝዀነ ራእድ ሳዓድ "ተኣልዩ" ይብል ሰራዊት ዝስራኤልን ትካል ጸጥታ ሺን ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ።

ሳዓድ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኣዘዝቲ ብርጌድ ቃሳም ምዃኑ ዝእመን ኰይኑ፡ ሓማስ ብጥቅምቲ 07 ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓያሎ ብርጌዳት መሪሑ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ብሓማስ ዝመሓደር ሲቪላዊ ምክልኻል ማሕሙድ ባሳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ ኣብ መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ተሳፈርቲ ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓጋዚ ሳዓድን ኣቡ ኢማድ ኣል ላባን ዝተባህለ ትሑት ደረጃ ዘለዎ በዓል ስልጣንን እውን ከምዝተቐትሉ ሓደ ኣብ ቃዛ ዝርከብ በዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ኣብ ቃዛ ብመንግስቲ እስራኤል ሪፖርት ከይገብር ስለዝተኸልከለ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እቲ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሳዓድ ኣብ ምድረበዳ ቃዛ ብነተጉቲ ንዝሞቱ ሓያሎ ወተሃደራት ተሓታቲ ምዃኑ ይጠቅስ።

ሳዓድ ኣባል ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ምስተበጽሐ ሓድሽ ዝተመስረተ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቖፈ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ምዃኑ ይግመት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እስራኤል ንሳዓድ ክትቀትል ብተደጋጋሚ ከምዝፈተነት ይንገር።

ሰራዊት እስራኤል መጋቢት 2024 ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ ዘካየድዎ ሃንደበታዊ ስርሒት ክሕዝዎ ወይ ክቐትልዎ ከምዝፈተኑ ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።

ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብቲ እዋን ሳዓድ ኣብቲ ዒላማ ዝተገብረሉ ህንጻ እኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ሒደት ደቓይቕ ክሃድም ክኢሉ'ዩ።

ሳዓድ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሓደ ካብቶም ኣብ እስራኤል ኣዝዮም ተደለይቲ ዝኾኑ ኣባላት ሓማስ ኮይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ድማ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ክቐትሎ ክፍትን ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ናይ ቀዳም መጥቃዕቲ ኣብቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብ10 ጥቅምቲ ካብ ዝኽተም ንደሓር ንቃዛ ዝኸፋፈለ ብጫ መስመር ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፍልስጤማውያን ኣብ ዝርከብ ቦታ እዩ ተፈጺሙ።

እዚ ዝዀን ዘሎ ድማ ትኹረት ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ትራምፕ ንሓማስ ዕጥቁ ንምፍታሕን ቃዛ ዳግማይ ንምምዕባልን ዝሓንጸጾ መደብ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እዩ።

ቃዛ ብትራምፕ ዝምራሕ "ቦርድ ሰላም" ዝቆጻጸር ግዝያዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር ክትምራሕን ብ"ፖለቲካዊ ገለልተኛ ኮሚተ ምሁራት ፍልስጤማውያን" ድማ ክትቆጻጸርን መደብ ተታሒዙላ ኣሎ።

ኣብ ቃዛ ክዋፈሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓይልታት ጸጥታ ብኸመይ ከምዝቖሙ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጸ ዓቃብ ሰላም ክህሉ ግን ትጽቢት ይግበር።

ኣብ መወዳእታ ድማ በዓል መዚ ፍልስጤም ነቲ መሬት ክቆጻጸሮን ሓይልታት እስራኤል ካብቲ ከባቢ ክስሕብን እዩ።

ብድሕሪኡ "ፍልስጤም ገዛእ ርእሳ ርእሰ-ውሳኔ ንክህልዋን ናብ ሃገርነት ዝመርሕ ውሑስ መንገዲ ዝኸውን ቅድመ ኩነትን ክማላእ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ መንግስቲ ፍልስጤም ንምቛም ዝቐረበ ጻውዒት ብተደጋጋሚ ስለዝነጸጎ፡ ብዙሕ መዳያት ናይቲ ውጥን ኣካታዒ ኰይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ኣብቲ ጉዳይ ንምዝታይ 29 ታሕሳስ ኣብ ኣመሪካ ክራኸቡ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።