ሩስያ ናብታ ቀንዲ ከተማ ዩክረይን ክትጽጋዕ እንከላ ዩክረይን ገስጋሰኣ ገቲኣ

ወተሃደራት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ናብታ ቀንዲ ከተማ ዩክረይን ዝገብርዎ ዘለዉ ገስጋስ ክቕጽሉ እንከለዉ፡ ዩክረይን ድማ ኣብ ኣውራጃ ኩርስክ ሩስያ ክተካይዶ ንዝጸንሐት መጥቃዕቲ ገቲኣቶ።

ሓይልታት ሩስያ ነታ ማእከል ሎጂስቲክስ ሰራዊት ዩክረይን ዝዀነት ፖክሮቭስክ ንምቍጽጻር ሒደት ኪሎሜተራት ጥራይ ተሪፍዎም ኣሎ።

ፖክሮቭስክ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ንዝርከቡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣውራ ማእከል ቀረባት ኰይና ንኲናት ወሰንቲ ዝበሃሉ መስመር ባቡርን ሓያሎ ኣገደስቲ ጽርግያታትን ኣለውዋ።

ገለ ነቐፍቲ፡ ሰራዊት ዩክረይን ናብ ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ገስጋስ ዓቢይ ጌጋ ከምዝፈጸመ ይገልጹ።

እቶም ነቐፍቲ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ዘሎ ሰራዊት ዘሐይል፡ ናብ ዞባ ኩርስክ-ሩስያ ተወሳኺ ሰራዊት ብምልኣኹ ብዙሓት ከተማታት ንሓይልታት ሩስያ ከምዝተቓልዓ የረድኡ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ከምዝኸፈተ ይዝከር።

ሓላፊ ሰራዊት ዩክረይን ጀነራል ኦሌክሳንድር ሲርስኪ፤ ሩስያ "ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝንቀሳቐስ ነገር" መጥቃዕቲ ፈጺማ” ክብል ይኸስስ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ “ኵነታት ኣዝዩ ይኸብድ ኣሎ" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ተዛሪቡ።

ዩክሬናዊ ወተሃደራዊ ስትራተጂስት ሚካይሎ ዚርኮቭ፡ "ንፖክሮቭስክ እንተስኢንና ናይ ውግእ ግንባርና ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኑ ማለት’ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ፖክሮቭስክ ስለምንታይ እያ ቀንዲ ኰይና?

ፖክሮቭስክ ካብታ ሚርኖራድ እትበሃል ከተማ ቀጺላ እያ ትርከብ። ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ክልቲአን ከተማታት ልዕሊ 100 ሽሕ ነበርቲ ነይሮም። ሕጂ ግን ኵሉ ናባሪ ቤቱ ገዲፉ ሃዲሙ።

ኣብታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዩክረይን ዘላ ግዝኣት ዶነስክ ዝርከባ ክልተ ጽኑዓት ትሕዝቶታታ እዘን ከተማታት እየን ነይረን።

ድሕሪ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ደማዊ ውግእ ዩክሬናዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ምውዳቓ ይዝከር። ፖክሮቭስክ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከምዝጽበያ ግምታት ኣሎ።

ካብ ፖክሮቭስክ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣቭዲቭካ፡ ሓንቲ ካብተን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ወሰንቲ ዝዀና ከተማታት እያ ነይራ። እዛ ከተማ ዓንያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ምስ ወደቐት ንዩክረይን ዓቢይ ስዕረት እዩ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ እዩ ሰራዊት ሩስያ ኣቓልቦኡ ናብ ፖክሮቭስክ ዝቐየረ። ካብ ፖክሮቭስክ ቀጺላ ኣብ ጎቦ እትርከብ ቻሲቭ ያር እውን ዒላማ ከምእትኸውን ይግመት። ብቐዳም ኣብ ቻሲቭ ያር ብዝተኻየደ ከቢድ ውግእ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ ፖክሮቭስክ ዝነብሩ ዩክሬናውያን ካብታ ከተማ ክወጽኡ ትእዛዝ ከም ምስተዋህቦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ከምዝሃደሙ ይንገር።

ሩስያ ከመይ ክትግስግስ ክኢላ?

ናብ ባቡር ዝድይቡ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከተማ ፖክሮቭስክ ዓባይ ዒላማ ሩስያ ኰይና እያ ጸኒሓ። ሓይልታት ሩስያ ቀስ ብቐስ ናብዛ ከተማ ክጽግዑ ጸኒሖም።

ሩስያ ነታ ከተማ ንምሓዝ ሓደ ሲሶ ማእከላይ ሰራዊት ወይ ኣስታት 30 ሽሕ ሰራዊትን ዕቑር ሓይልን ከምዝሰደደት ተንተንቲ ይገልጹ።

ሰራዊት ሩስያ ዝሓለፈ ሰሙን ንከተማ ኖቮሮዲቭካ ዝተቘጻጸረ ኰይኑ፡ ገለ ዩክሬናውያን እታ ከተማ ክትተሓዝ ኣይነበራን ክብሉ ቁጠዐኦም ይገልጹ።

ኣባል ባይቶ ዩክረይን ማርያና ቤዙላ፡ "ዕርድታት እታ ከተማ ባዶ ኰይኑ'ሎ። ኣብ ሓደ እዋን 20 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ዝነበርዋ ከተማ ሕጂ ባዶ ኰይና ኣላ" ክትብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ።

ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ፖክሮቭስክ ዘሎ ሓይሉ ንምድልዳል ብዝብል ንወተሃደራቱ ካብ ኖቮሮዲቭካ ከምዘሰሓበ ይንገር።

ሩስያ ኣብቲ ኲናት ዓብላልነታ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ ስልቲታት ለውጢ ብምግባራ ብፍላይ ድማ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ዕሱባት ቫግነር ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ስልቲ ተተግብር ብምህላዋ ከምዝኾነ ይእመን።

ብኻልእ ሸነኽ ዩክረይን ናብ ዞባ ኩርስክ ሩስያ እትገብሮ ዘላ ምግስጋስ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገቲኣቶ ኣላ።

ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዘእተወቶ ዝዓበየ ግዝኣት ሩስያ ሱድዛ ዝበሃል ከባቢ ኰይኑ ኣስታት 5 ሽሕ ህዝቢ ይነብረሉ። ብኣንጻሩ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዝኣተወት ከተማ ኖቮሮዲቭካ፡ ሰለስተ ዕጽፊ ብዝሒ ህዝቢ ሱድዛ ኣለዋ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣዛዚ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዞባ ኩርስክ 594 ወተሃደራት ሩስያ ከምዝማረኹ ገሊጹ ነይሩ። ይዅን እምበር ንሓቃውነት እዚ ቍጽጽ ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን።

ኣብዚ ሕጂ ዓብይ ሕቶ ዝኸውን፡ ዩክረይን ኣብ ዞባ ኩርስክ እትገብሮ ዘላ ገስጋስ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ይኸውን? ዝብል እዩ።