ኣፍጋኒስታን፡ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, JACK GARLAND
ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል እትው ክትብል እንከለኻ፡ መጀመርታ እተለልዮ ነገር እተን ካባን ቡናዊ ዝሕብሩ ሻርባን ዝተኸድና ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ናይ ዝደልዩ ሰባት ሓያል ስንባደ ዝተርኣየሉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሕጂ ጸጥ ዝበለን ጽሩይን እዩ።
ጻዕዳ ናይ ጣሊባን ባንዴራን ስእሊ ፍሉጣት ናይ ቀደም መራሕትን’ውን ዳግም ተተኺሎምን ተሳኢሎምን።
ጣሊባን፡ ነዛ ሃገር ምስ ተቘጻጸረ ዝተቐየሩ ነገራት እንታይ እዮም?
ደቂ ኣንስትዮ ስርሐን ንደቂ ተባዕትዮ ክህባ ዝንገረላ ካቡል
እቶም መልእኽታት ቁሩብ ዘሰንብዱ’ዮም።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ “ስርሐይ ንሓወይ ክህቦ ደልዮም” ክትብል ኣብ ሓደ መልእኽቲ መለዋወጢ ገጽ ጽሒፋ።
ካልእ ክኣ፡ “ብትምህርትናን ተሞክሮናን ዝረኸብናዮ ቦታ’ዩ። እዚ እንተተቐቢልና ንርእስና ከዲዕና ኣለና ማለት’ዩ” ይብል።
ቢቢሲ፡ ኣብ ካቡል ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ፋይናንስ ምስ ዝነበራን መልእኸተን ዘካፈላን ደቂ ኣንስትዮ ተራኺቡ።
እዚኣን፡ ኣባላት ልዕሊ 60 ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋሉ ጉጅለ ኰይነን፡ መብዛሕትአን ኣብ ዳይሬክቶሬት እቶት ኣፍጋኒስታን ይሰርሓ ነይረን። ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ግን ካብ ስርሐን ተኸልኪለን ንገዝአን ክኸዳ ተነጊሩወን።
ጣሊባን፡ ኣብ ክንድአን ደቂ ተባዕትኣዮ ኣዝማደን እንተለው ነቲ ስራሕ ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ ነጊሩና ይብላ።
“እዚ ናተይ ስራሕ እዩ” ትብል ሓንቲ ካብኣተን።
“እዚ ስራሕ ንምርካብን ካልኣይ ዲግሪ ትምህርተይ ንምውዳእን ብዙሕ ጸገማት ተጻዊረ’የ ን17 ዓመታት ሰሪሐ። ሕጂ ናብ ባዶ ተመሊስና”።
ካብ ኣፍጋኒስታን ወጻእ ምስ ዘላን ዳይሬክተር እቲ ዳይሬክቶሬት ዝነበረትን ኣሚና ኣሕማዲ ብቴሌፎን ረኺብናያ።
“መንነትና ንስእን ኣለና፤ እዚ ክንዕቅቦ እንኽእል ኣብ ሃገርና ጥራይ’ዩ” ትብል።
እታ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ፡ “ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ኣፍጋኒስታን” እያ ትብሃል። ኩለን ስርሐን ጥራይ እየን ዝደልያ።
እዚአን፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዙሕ ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ተሳትፎታት ዝነበረን እየን።
ሰብ መዚ ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮን ሕጂ’ውን ኣብ ስርሐን እየን ዘለዋ ይብሉ። መብዛሕትአን ድማ፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና፣ ትምህርትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሰርሓ ዋርድያን እየን።
ብተወሳኺ፡ ዳርጋ ርብዒ መንግስታዊ ስራሕቲ ሒዘን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ደሞዝ ይኽፈለን እዩ ዘሎ ይብል - ሒደት እቲ ስሩዕ ደሞዘን።
ስግኣት ጥምየት ዘንጸላለዎ ግዝኣት ግሆር
ወዲ 18 ዓመት ኑር ኣሕመድን ወዲ 25 ዓመት ኣሕመድን ኣብ ዓጺድ ረኺብናዮም።
ገጹ ርሃጽን ርስሓትን ዝዓሰሎ ኑር፡ “ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ደርቂ ውሑድ ስርናይ’ዩ ዘሎ። ግን ክኣ ክረኽቦ ዝኽእል ስራሕ እዚ ጥራይ’ዩ” ይብል።
እዞም መናእሰይ ንመዓልቲ ክልተ ዶላር ጥራይ እዮም ዝረኽቡ።
“ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንግ እየ ዘጽንዕ ነይረ፤ ግን ስድራይ ንምሕጋዝ ትምህርተይ ኣቋሪጸዮ”።
ኣሕመድ’ውን እንተዀነ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኽ’ዩ ዘለዎ። “ናብ ኢራን ንምኻድ ዝነበረትኒ ሞተር ሳይክል ሸይጠያ፤ ግን ስራሕ ክረክብ ኣይክኣልኩን” ይብል።
ኣብ ድኻ ከባቢታት ኣፍጋን ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝረኽቡዎ ናይ ወቕቲ ስራሕ ድሓን ይዕንግሎም ነይሩ። ግን ኣብ ኢራን’ውን ስራሕ ተሳኢኑ።
“ጣሊባን ኣሕዋትና ተቐቢልናዮም ኢና፤ ግን ዕድላት ስራሕ ዝህበና መንግስቲ ኢና ንደሊ” ክብል ኑር ይዛረብ።
ኣመሓዳሪ ጣሊባን ኣሕመድ ሻህ ዲን ዶስት፡ ድኽነት፣ ሕማቕ መገዲታት፣ ሕጽረት ተበጻሕነት ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን ብምዝርዛር “ኩሎም ጸገማት የሕዝኑኒ’ዮም” ይብል።
እቲ ኲናት ብምብቅዑ፡ ሕጂ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ከባቢ ክሰርሑ ይኽእሉ’ዮም ማለት እዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት ግሆን ጥምየት ዝመስል ነገር ተራእዩ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ዲን ዶስት ግን እቲ ኲናት ኣየብቅዐን እዩ ዝብል። ሓይልታት ኣመሪካ ከም ዝኣሰሩዎን ከም ዘሰራጠዩዎን ይዛረብ።
“ተወሳኺ ስቓይ ኣይትሃቡና፤ ሓገዝ ምዕራባውያን ኣይንደልን። ስለ ምንታይ’ዩ ምዕራብ ኢዱ ዘእቱ? ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮኹም ሕቶ ኣልዒልና ኣይንፈልጥን” ይብል ብሕርቃን።

ምንጪ ስእሊ, JACK GARLAND
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒክ ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቕዑ ሰባትን ምብጻሕ ገይሩ’ዩ።
ዳይሬክተር ጥዕና ዓብዱል ሳታር ማፋቕ፡ “ኣፍጋን ትኹረት ትደሊ’ያ። ንሕና ህይወት ሰባት ከነድሕን ኢና ንደሊ፤ እዚ ፖለቲካ ዝሓውስ ክኸውን የብሉን” ኢሉ።
እቲ ኣብ ግራት ስርናይ እናዓጸደ ዝረኸብናዮ መንእሰይ ኑር መሓመድ’ውን “ካብ ብረት ንላዕሊ ድኽነትን ጥምየትን ዝሓየለ ቃልሲ’ዮም” ኢሉና ነይሩ።
ኣብ ሄራት ንፉዓት ተመሃሮ በዂሮም
ጓል 18 ዓመት ሶሃይላ፡ ሕጉስጉስ እናበለት ናብቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝተዓዳደጋሉ ኣብ ሄራት ዝርከብ ዕዳጋ ትኸይድ ነይራ።
ሄራት፡ ዚያዳ ምቕሉልነት ብዘለዎ ባህሊ፣ ሳይንስን ምህዞን እትፍለጥ ጥንታዊት ከተማ እያ።
ኣቐዲሙ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብሰንኪ ጣሊባን ተዓጽዩ ዝነበረ ባዛር ንፈለማ እዋን ሕጂ ተኸፊቱ ኣሎ።
“ቅድሚ 10 ዓመት ሓፍተይ ነዚ ሹቕ ከፊታ” ትብል ሶሃይላ፤ ብተወሳኺ ናይ ኢንተርነት ገዛን ሬስቶራንትን’ውን ከፊታ ነይራ።
ሶሃይላ፡ ብዓብይኡ ዘተሓሳስባ ነገር ግን ትምህርቲ’ዩ።
“ጣሊባን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጽዮም” ኢላ። እዚ፡ ሕልሚ ከምኣ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ጐስዩ’ዩ።
ብዙሓት ኣፍጋናውያን እንኰላይ ኣባላት ጣሊባን እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ እንተሓተቱ’ውን፡ መብዛሕትኦም ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ብትእዛዝ ኣኽረርቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ጣሊባን ተዓጽዮም ኣለው።
“ተመሃሪት 12 ክፍሊ’የ፤ እንተዘይወዲአዮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ኣይክእልን”
ሶሃይላ፡ ካብ ሃገራ ክትወጽእ ድለየት የብላን፤ ግን ክኣ ሓደ ዓመት ሙሉእ ካብ ትምህርቲ ቦዂራ እያ። “ኣነ ጥራይ ኣይኰንኩን፤ ኩለና ኣፍናጋውያን ደቂ ኣንስትዮ ኢና ቦዂርና” ትብል።
ኣብ ሞንጐ፡ ንብዓት እናቐደማ ድምጻ ክቈራረጽ ጀሚሩ።
“የሕዝን . . . ንፍዕቲ ተመሃሪት’የ ነይረ” ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







