ፖላንድን ዩክረይንን እንታይ ኣራኺቡወን?

ምንጪ ስእሊ, EPA
መንግስቲ ፖላንድ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቀይርዎ ዘሎ ቃና ዘሰንብድ እዩ። ካብ መጀመርታ ምሉእ ወራር ሩስያ ኣትሒዛ፡ ዋርሶ ጽንዕቲ ደጋፊት ኪቭ ኰይና ጸኒሓ ነይራ።
ወተሃደራዊ ሓገዝን ኣጽዋርን ኣብ ምልኣኽ’ውን መሪሕ ተራ ክትሕዝ ተራእያ እያ።
እዚ እትገብሮ ደገፍ ድማ ንገዛእ ንርእሳ ካብ ወራር ሩስያ ንምክልኻል ኣገዳሲ ምዃኑ ብምትእምማን መጕታትሉ።
ሕጂ ግን ሃንደበት፡ ካራሩ ፖለቲካ ፖላንድ ኣንጻር ዩክረይን ዝተስሓሉ መሲሉ ክሳብ ዝስምዓካ ቃናኣ ተቐይሩ።
ዩክሬይን፡ ፖላንድ ንዝገበረቶ ደገፍ ብኸመይ "ከተመስግን" ኣለዋ ኣብ ዝብል ተሪር ዝርርብ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ፡ ሃገሩ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን ምስዳድ ደው ክተብል ምዃና ኣጠንቂቑ።
ካልኦት ኣባላት እቲ ዝመርሖ ሰልፊ፡ መልእኽቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከለሳልሱ እንተፈተኑ’ውን፡ ናይዚ ሰሙን ቃላት ፕረዚደንት ፖላንድ፡ ኣንድሬ ዱዳ ግን ብጌጋ ኣይተተርጐሙን።
እቲ ፕረዚደንት፡ ንዩክረይን ምስ ሓደ ኣብ ባሕሪ እናጠሓለ፡ ነቲ ዘድሕኖ እውን ጐቲቱ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሰብ ብምምስሳል ገሊጹዋ።
እዚ ልቢ ሞስኮ ዘተርከሰ መርገጽ እዩ።
እዚ ዘንቈልቍል ዘሎ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ከይተፈትሐ ዝጸንሐ ምስ ሰደድ እኽሊ ተተሓሒዙ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ዘንቀሎ’ዩ።
ዩክረይን፡ እቲ ዘፍረየቶ እኽሊ ናብ ወጻኢ ክትሰድድ ኣለዋ።
እንተዀነ ሩስያ፡ ኣብ ክልቲኡ - ጸሊም ባሕርን ሩባ ዳኑብን - ንዝርከቡ ወደባት ኰነ ኢላ መጥቃዕቲ ትፍጽም ስለዘላ፡ ንዩክረይን ምድራዊ መስመራት መጓዓዝያ የገድሳ።
ፖላንድ ግን፡ ውሕስነት ዕዳጋ ሓረስቶታ ንምሕላው፡ ናብቲ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንምሕላፍ ጥራይ እምበር፡ እኽሊ ዩክረይን ኣብ ውሽጣዊ ዕዳጋኣ ክኣቱ ኣይትፈቅድን።
ንኣመሓዳሪ ሰልፊ ሕግን ፍትሕን ፖላንድ (PiS) እቲ ቅማረ ቀሊል’ዩ፤ ሓረስቶት ፖላንድ ካብ እኽሊ ዩክረይን ውድድር ዕዳጋ ክገጥሞም ኣይደልዩን፤ እቲ ሰልፊ ድማ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ መረጻ ድምጺ ናይቶም ሓረስቶት ይደሊ።
ኪቭ ብሕርቃን ጣዕ ክትብል ኢላ ኣላ፤ ማዕበል ኣየር ፖላንድ ግን - ከምኡ'ውን መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት - ኣብዚ እዋን'ዚ ብሓበሬታታት ቅድመ መረጻ ኣዕለቕሊቘም ኣለው።
ሓሓሊፉ ግን እቲ ቃና ሕማቕ ኰይኑ ይጸንሕ።
ሰልፊ ሕጊን ፍትሒን፡ ኣብቲ መረጻ ድምጺታት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ንሕንሕ ከም ዝሓየለ ተሓላቒ ረብሓታት ፖላንድ ኰይኑ ቀሪቡ።
ስለዚ፡ ፖላንድ ንዩክረይን እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ዳግም ከም ዝርአ ምግባር፡ ከምቶም ንጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ዘልዕሉ 'ህዝበኛ' (ፖፕሊስት) ፖለቲከኛታት ዘልዕልዎ ካርድ ኰይኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ጕጅለ ትንታነ ፖለቲካ ኢንሳይት ፒዮተር ሉካዘቪች፡ እዚ ኵነታት “ብዛዕባ እኽሊ ወይ ኣጽዋር ኣይኰነን። እኳ ደኣ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ዓቃባውያን መራጽቲ ዘሎ ስምዒት'ዩ፡ እዚ ድማ ንሰልፊ ሕጊን ፍትሒን - ፓይስ - ዓቢ ጉዳይ'ዩ። ነዚ ስምዒት'ዚ ድማ ከጋልቡ ኣለዎም” ይብል።
“ዩክረይን [ንደገፍ ፖላንድ] እኹል ምስጋና ከም ዘይብላን፡ ኣብዚ ዘለዉ ዩክሬናውያን ብመንጽር ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ፋይናንስን ብዙሕ ይረኽቡ ኣለዉ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ ዙርያ'ዚ ዝተሃንጸ'ዩ”ኢሉ።
ፓይስ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ 10% ደገፍ ድምጺ ረኺቡ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኮንፈደራስያ መረጽቲ ንምስሓብ ይጽዕር ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ኣባላት ኮንፈደራስያ ኣብ ዋርሶ (ርእሰ ከተማ ፖላንድ) ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይን ብምኻድ ንደገፍ ፖላንድ ናይ ላግጺ ፋክቱር ሒዞም ተቓውሞ ገይሮም።
ኮንፈደራስያ ንኪቭ ንምሕጋዝ ዝወጽእ ጠቕላላ ወጻኢታት ልዕሊ 100 ቢልዮን ዝሎቲ (23.1 ቢልዮን ዶላር) ከም ዝኸውን ብምግላጽ እዚ ዅሉ “ተኸፊሉ፤ ዜሮ! ምስጋና የለን” ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ።
ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ነቲ መንግስቲ ዝስዕቦ ዘሎ ኣካይዳ ሓደገኛ ሃገራውነት ክብሉ ነቒፎም።
ምቅይያር ቃና ፖላንድ ነጺልካ ዝርአ ወይ ብንጽል ዝመጸ ኣይኰነን።
ጽላሎት “ድኻም ዩክረይን” ኣብ ልዕሊ ካብ ስሎቫክያ ክሳብ ኣሜሪካ ዝግበር ጎስጓስ መረጻ ተዘርጊሑ ኣሎ።
እዚ ድማ ነታ ኣንጻር ሩስያ ኣብ ወሳኒ መድረኽ ኲናት ዘላ፡ ቀጻልን ሓያልን ደገፍ ምዕራባውያን እትደሊን ዘላ ሃገር ከቢድ ስክፍታ ዝፈጥር እዩ።
መንግስቲ ፖላንድ፡ ብምብራቕ ኣቢሉ (ካብ ጠያይት ክሳብ ታንክታት) ዝሓልፍ ኣህጉራዊ ሓገዝ ናብ ግንባር ዩክረይን ብቐጻሊ ክውሕዝ ምዃኑ የስምረሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ግን፡ ኣብ መንጐ ዩክረይንን ፖላንድን ኣብ ጉዳይ እኽሊ ዝካየድ ዝርርብ ይቕጽል።
'ቃላት ኣገደስቲ እዮም'
እቲ ናይ ቃላት ኲናት ናብ ምሉእ ቅልውላው ከይሰጋገር ንምቍጽጻር ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝግበር ጻዕርታት ምህላው ዘመላኽቱ ነገራት ኣለው።
ፓይስ፡ ነቲ ካብ ገጠራትን ዓቃባውያንን ዝረኽቦ ድምጺ ክምእርር እንከሎ ዋርሶ ንዩክረይን እትህቦ ደገፍ ግን ሓያል ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
“ሓገዝ ምድራትና ብርግጽ ጽቡቕ ኣይኰነን። ሩስያ እትገብሮ ዘላ ነገር ቅቡል ኣይኰነን። ንነብስና ክንከላኸልን ዩክረይን ናጽነታ ክትከላኸል ክንሕግዛን ይግባእ” ክትብል ቪክቶሪያ ርእይቶኣ ሂባ።
ንሳ፡ ኣብታ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ብባንዴራታት ዩክረይን ዝተሸፈኑ መንበሪ ኣባይቲ ዘለውዋ ከተማ ትነብር።
እዞም ባንዴራታት ንዩክረይን ዘሎ ድጋፍ ንምግላጽ ብዝብል ዝተሰቐሉ’ዮም።
ኣብዚ ብዙሓት ዩክሬናውያን ስደተኛታት’ውን ኣለው።
“እዚ መንግስቲ ኣብ መረጻ ንምዕዋት ዝጥቀመሉ ይመስለኒ። ኣብ ኵሉ ስምዒታት ይጻወቱ እዚ ድማ ቅድሚ መረጻ ዝርአ ረሳሕ ዘረባ'ዩ።
ተስፋ እገብር ዘረባ ጥራይ ክኸውን። ኵሉ ነገር ግን ኣብቲ መረጻ መን ከም ዝዕወት ኣብ ዝብል ይምርኮስ። እዚ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንጹር ክኸውን'ዩ” ክብል ራፋ ዝተባህለ ነባሪ ተዛሪቡ።
ገሊኦም ግን እቲ ሓደጋ ድሮ ኣብ ልዕሊ ፖላንድ ከም ዝወረደ ይኣምኑ።
ተንታኒ ፒዮትር ሉካሲቪች “ቃላት ኣገደስቲ እዮም፤ ሳዕቤን ክህልዎ'ዩ፡ ንፖላንድ ድማ ሕማቕ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







