"ብህይወት ምህላወይ ዕድለኛ'የ" ፍልስጤማዊት ህጻን

መግለጺ ቪድዮ, "ብህይወት ምህላወይ ዕድለኛ'የ" ፍልስጤማዊት ህጻን
"ብህይወት ምህላወይ ዕድለኛ'የ" ፍልስጤማዊት ህጻን

ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ዕጡቓትን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር እንከሎ፡ ነበርቲ ነቲ ብእስራኤል ዝፍጸም ዝነበረ መጥቃዕቲ ብኸመይ ከምዘምለጡ ተሞክሮኦም ይገልጹ። እቲ ብመንጎኝነት ግብጺ ዝተረኽበ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልትታት ግጭት እዩ ተበጺሑ። ብሰንኪ እቲ ግጭት ብውሕዱ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካብዚኣቶም እቶም 15 ቆልዑ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።