“ተቓውሞታት ጻዕዳ ወረቐት” - እቶም ንሰልፊ ወጺኦም ዝጠፍኡ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምቁጽጻር ከም ዝተዓወተት ኣብ እትእውጅሉ ዘላ እዋን፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ሕጋጋት ዜሮ-ኮቪድ ከብቅዑ ዝጽውዕ ዝነበረ ተቓውሞታት ድሮ ካብ ዝኽሪ ክሃስስ ጀሚሩ።
እንተዀነ ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሰልፍታት ዝተሳተፉ ሰባት ደሃዮም ጠፊኡ።
ኣብቲ ንፖሊሲታት ኽልከላታት ኮቪድ ዝቃወም “ተቓውሞታት ጻዕዳ ወረቐት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰልፍታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተሳቲፎም እዮም።
እዚኦም፡ ኣብ ጸልማት ባዶ ጻዕዳ ኣንሶላታት ሒዞም ተቓውሞኦም ይገልጹ ነይሮም።
እቲ፡ ኣብታ ሓደ ዴሳዊ ገዛኢ ሰልፊ ዘለዋ ሃገርን መራሒኣ ዢ ጂንፒንግን ሳሕቲ ዝተራእየ ተቓውሞ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ፖሊስ ውሑድ ማእሰርቲ ኣካይዱ።
ሕጂ ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ብዙሓት ካብቶም ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከም ዘለዉ ቻይናውያን ደለይቲ ፍትሒ ይዛረቡ፤ ሓደ ጉጅለ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተኣስሩ ይገልጽ።
ዓለምለኸ ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ወጻእን እቶም ሰልፈኛታት ክፍትሑ ጸዊዖም።
ከምኡ’ውን ጉጅለታት ደለይቲ ፍትሒ፡ ዝርዝር እቶም ተኣሲሮም ዝበሃሉ ሰባት ኣውጺኦም ኣለዉ።
እዚ ድማ ነቶም ኣብ ቤጂንግ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ከም ሻንጋይ፡ ጉዋንዡን ናንጂንግን ተቓውሞ ዘስምዑ ዘጠቓልል እዩ።
ሰብ መዚ ቻይና ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ኣይሃቡን።
ቢቢሲ ምስ ፈተውትን ጠበቓታትን ብዝገበሮ ቃለ መሕትት ግን ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤጂንግ ዝተኣሰሩ 12 ሰባት ከረጋግጽ ክኢሉ።
ብውሕዱ ሓሙሽተ ካብኣቶም ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣለዉ።
ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ፡ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ "ብምብኣስን ጸገማት ብምልዓልን" ተኸሲሰን ብወግዒ ተኣሲረን ኣለዋ።
እዚ ዕሉል ዘይንጹር ክሲ ኰይኑ፡ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከፍርድ ይኽእል፤ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ተቓውሞ ንምዕፋን መንግስቲ ዝጥቀመሉ ኣገባብ እዩ ክብሉ ነቐፍቲ ይገልጹ።
መብዛሕትኦም ተኣሲሮም ዘለው ውልቀሰባት ሙሁራት - ገሊኦም ኣብ ዩኒቨርሲታት ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝተመሃሩ - ጸሓፍቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ሓደ ሙዚቀኛ፡ መምህርን በዓል ሞያ ፋይናንሳዊ ኢንዳስትሪን ይርከብዎም።
እዚኦም፡ ኣብ ቤጂንግ ኣካል ሓደ መርበብ ኣዕሩኽ ኰይኖም፡ ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ዝካፈሉን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክለባት መጽሓፍቲ፡ ምርኢት ፊልምን ዘተን ዝራኸቡን’ዮም።
ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን፡ ፖሊስ ኣንስታውያን (ፌሚኒስት) ወይ “ነጠፍቲ ኣንስታያውነት” ኢኽን ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡለን ጸብጻባት ይገልጹ።
ሰበስልጣን ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ንተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክዕፍኑ ወይ ሳንሱር ክገብሩ ተራእዮም’ዮም።
ዋላ’ኳ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ማሕበራዊ ንቕሓት ዝነጥፉ ገለ ኣባላት ድማ ን #MeToo figure Xianzi ደገፍ ኣርእዮም ዝነበሩ እንተዀኑ፡ ጐስጐስቲ ግን ከም ዘይኰኑ መሓዙቶም ይዛረቡ።
"ብዛዕባ ሕብረተሰብ ዝግደሱ መንእሰያት ጥራይ እዮም. . . መሓዛይ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ተቓላዕትን'ውን ትግደስ እያ። እዚ ምስ ምንምቅስቓስ ፌሚኒስት ዝተኣሳሰር ኣይኰነን" ክትብል ሓንቲ መሓዛ ካብቶም እሱራት ተዛሪባ።
ብ27 ሕዳር 2022 ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ጉጅለ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ሩባ ሊያንግማ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቃውሞ ተጸንቢረን ነይረን።
እዚ መደብ ሓደ ካብቶም ኣብ ኡሩምኪ ኣብ ዝርከብ ኣፓርታማታት ዘጋጠመ ባርዕ ግዳያት ዝዀኑ ንምዝካር ካብ ዝተኻየዱ ብዙሓት ፍጻመታት ኰይኑ - ብዙሓት ግዳያት ብሰንኪ እገዳታት ኮቪድ ክሃድሙ ከም ዘይክእሉ ይገልጹ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ መዚ ነዚ ኣይቕበሉዎን።
እዚ ናብ ሰላማዊ ተቓውሞ ተቐይሩ፤ ሰባት ምልክት ሕርቃኖም ዝዀኑ ናጻ ወረቓቕቲ ሒዞም ተሰሊፎም።
"እቲ ሃዋህው ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ጨቋኒ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ። ናብኡ ዝኸዱ ሰባት መጀመርታ ኣብ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣይመስሎምን፤ ስምዒቶም ንምውጻእ ዝሕግዝ መንገዲ ጥራይ እዩ መሲልዎም ነይሩ" ይብል ካልእ ወሃቢ ርኢይቶ።
"ምስ ፖሊስ ኣይተጓነጹን፤ ወይ ሱር በተኻዊ ርእይቶ ኣየንጸባረቑን”።
ቻይና ተቓውሞታት ብምዕፋን እያ ትፍለጥ።
ፖሊስ ብፍሉይ ናብዚ ጉጅለ እንታይ ከም ዝመርሖም ንጹር ኣይኰነን፤ እንተዀነ እቶም ሰባት ኣብ ቀይዲ ንምእታው: ካሜራታትን ገጽ ዘለልዩ ሶፍትዌራትን ከም ዝተጠቐሙን ቴለፎናት ናይቶም ዝተኣስሩ ሰባት ከም ዝፈተሹን ይንገር።
ሓደ ካብቶም እሱራት ልዕሊ 60 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ቴሌግራም ፈጢሩ ነይሩ። ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ብትኽክለኛ ስሞም ዝተመዝገበ ቁጽሪ ተሌፎን ይጥቀሙ ነይሮም።
"ክወስዱዋ እንከለው ብቴሌፎን ነዕልል ነይርና፤ ገለ መሓዙታ ይውሰዱ ከም ዘለዉን ክራኸቡ ከም ዘይኽኣሉን ነጊራትኒ እያ። ኣብ ቴሌፎና ዝነበሩ ነገራት’ውን ከተጥፍእ ትፍትን ነይራ፤ ግን ከይወድኣቶ ተወሲዳ” ክብል ኣፍቃሪ ሓንቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ጓል ኣንስተይቲ ይዛረብ።
እቲ ማእሰርቲ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ ዝቐጸለ ኰይኑ ሓደ ብሓደ ብዙሓት ኣዕሩኽ ከም ዝተኣሰሩ ደለይቲ ፍትሒ ይገልጹ።
ካኦ ዚክሲን ከእሰር ይኸውን እየ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበራ ምናልባት ድሃያ እንተጠፍአ ብዝብል ንርእሳ ብካሜራ ቀዲሓ መሓዝኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክትዝርግሖ ልኢኻትላ ነይራ።
ኣብቲ ብዙሓት ዝተቐባበሉዎ ቪድዮ "ርትዓዊ ብዝዀነ መገዲ ስምዒታትና ኢና ገሊጽና፤ ክንጠፍእ ኣይንደልን ኢና . . . ኣብ ናይ ሓዘን መደብ ምክፋል ገበን እንተዀይኑ፡ ስምዒታትና ንምክፋል ክንደይ ቦታ’ዩ ዝተርፈና?” ክትብል ትስማዕ።
ስክፍታን ውግዘትን
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓያሎ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ትምህርትን እቶም እሱራት ክፍትሑ ይጽውዑ ኣለዉ።
እዚ ድማ ምልክት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣህጉራዊ ስክፍታ እዩ።
ብሪጣንያዊ ዩኒቨርሲቲ ጎልድስሚትስ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ሊ ሲኪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተመሃረት ብምግላጽ ሃለዋታ "ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ" ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ወሃቢት ቃል ጎልድስሚትስ፡ "ዓፈና ናጽነት ምዝራብ ንኹንን፤ ሰበስልጣን ቻይና ድማ ንኹሎም ምስቲ ምንቅስቓስ ብዝተሓሓዝ ተኣሳሲሮም ተኣሲሮም ዘለዉ ብቕልጡፍ ክፈትሑ ንላቦ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩኒቨርሲቲ ቺካጎን ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን (UNSW) እውን ተማሃሮኦም ነበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ኣረጋጊጾም።
ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ "ንሕጋዊ መትከላትን ንኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝግባእ ኣኽቢሩ" ክፍታሕ ጸዊዑ።
ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ክገልጽ እንከሎ ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፡ እቲ ፍጻመ "ኣብ ቻይና ዝርከቡ መንእሰያት ንናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ክዛረቡ ብምድፋሮም ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ከም ዘለዉ" ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
ሰበስልጣን ቻይና ነቶም እሱራት ክድግፉ ዝፈተኑ ጠበቓታትን ፈተውትን ከም ዘፈራርሕዎም ድማ ሓቢሩ።
ካብቶም እሱራት ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን፡ ምስ ፌሚኒስት ዝተሓሓዝ ጉዳይ ደጊፍክን ዝብል ሕቶታት ከም ዝቐረበለን ይንገር፤ እዚ ድማ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ምንቅስቓስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ዘይምትእምማን ዘጉልሕ እዩ።
ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ግዳያት ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ብሓያሎ ብድሆታት ተናዊጻ እያ ጸኒሓ። እዚኦም ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ዘይተለምደ ተሪር ነቐፌታታት ኣበጊሶምን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ደገፍ ከም ዘድሊ ኣርእዮምን እዮም።
እቲ ምንቅስቓስ እናዓበየ ምስ ከደ ግን እቲ መንግስቲ ኣንጻሩ ዝወስዶ ስጉምቲ እናተረረ መጺኡ።
ኣብ 2015፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብፌሚኒስት ፋይቭ እትፍለጥ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ስጉምቲ ወሲዱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ደለይቲ ፍትሒ ብኢንተርነት ዝፍጸም ሳንሱርን መጥቃዕትን እናወሰኸ ከም ዝመጽአ ይዛረቡ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ሸነኽ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና "ንጽንፈኛ ፌሚኒዝም" "ሕማቕ ሕበጥ" ክብል ኰኒንዎ።
"ማሕበራዊ ስኒት' ምዕቃብ ወትሩ ቀዳምነት መንግስቲ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ፤ ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ወትሩ ንምርግጋእ መላእ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓደጋ ከም ዝዀኑ ይቑጸር" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋርዊክ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣልትማን ፔንግ።
እቶም ሰልፈኛታት እንታይ ከም ዝጽበዮም ንጹር ኣይኰነን።
እቶም ብዋሕስ ዝወጽኡ ገና ክሲ ይጽበዮም’ዩ፤ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዘለው ድማ ኣኽበርቲ ሕጊ ክኸስዎም ድዮም ኣይኸሱዎምን ዝብል ክሳብ ዝውሰን ንሓያሎ ሰሙናት ክእሰሩ ከም ዝኽእሉ - እዚ ግን ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት እንተዘይኰይኑ ንኣዋርሕ ወይ ዓመታት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ፔንግ ይዛረብ።
ስድራቤቶም እዞም እሱራት ክሳብ ሕጂ ከይተዛረቡ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ምስ መሓዙት እሱራት ርክብ ኣቋሪጾም ኣለዉ።
ሓደ ስድራ ድማ ንጉዳይ ጓሉ ክከታተል ዝቖጸሮ ጠበቓ ከም ዘቋረጾ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ።
ስድራቤታት እቶም እሱራት ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ዘይተኣደነ ጸቕጢ ኣብ ግምት ብምእታው ስቕ ክብሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገዲም ተጣባቒ መሰላት ያንግ ዛንቺንግ ይዛረብ።
"ሰብመዚ ነቶም ስድራቤታት ስቕ እንቲልኩም ክፍትሑ’ዮም ክብሉዎም ይኽእሉ’ዮም፤ እንተዘይተማእዚዞም ድማ ስራሕን ጡረታን ከም ዝስእኑ ይነግሩዎም"።
መንነት ናይቶም ካብ ሰበስልጣን ሕነ ምፍዳይ ዝፈርሑ ሰባት ንምሕላው ገለ ኣስማት ተቐይሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







