እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሞዛምቢክ ቅሳነት ዘስኣነ ተግባር ውሳነ መናእሰይ ሞኪምባ
ኣብ ሞዛምቢክ ከተማ ሞኪምባ ተወሊዶም ዝዓበዩ ሰገናት ናብ በረኻ ሸፊቶም ነታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ሞኪምባ ዳርጋ ኣዕንዮማ። መንግስቲ እታ ሃገር ብዛዕባ እዚ ምንቅስቓስ ዝፈልጦ ተኣምራት ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግን ሓደ ኣብ ስራሕቲ ዕደና ዝተዋፈረ ገዚፍ ፈረንሳዊ ኩባንያ ብሰንኪ እቲ ናይቶም መናእሰይ ምንቅስቓስ ስርሓቱ ደው ከብል ተገዲዱ’ዩ።