ቅልውላው ትግራይ፡ “ምስ ደቀይ ሰሪሐ ክልወጥ እየ ዝደሊ”

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ተወሊደን ዝዓበያ ወ/ሮ ርሕመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ መንነተን ናይ ምሽቑራር የጋጥመን ስለዝነበረ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዳ ከምዝተገደዳ ገሊጸን። ኣብዚ እዋን ድማ ክዳዉንቲ ብታንቴል ሰሪሔን ናብራ ስደት ክስዕራ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ።