ሕብረት ኣፍሪቃ ጉዳይ ቱኒዝያ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዑ

ኣብ ቱኒዝያ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሕብረት ኣፍሪቃ ጉዳይ ቱኒዝያ ብሰላማዊ መንግዲ ክፍታሕ ምስ ዝጽውዑ ዘለዉ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ተጸንቢሩ።

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ንባይቶ እታ ሃገር ብምድስካል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝርከቦም ሰብ መዚ መንግስቲ ካብ መዝነቶም ምስ ሰጎጎም ኣብታ ሃገር ዕግርግር ተላዒሉ ይርከብ።

ወሃቢ ቃል ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ቱኒዝያ ብቅዋማ ክትምእዘዝን እቲ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግር ክሃድን ጸዊዑ ኣሎ።

ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሃማት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱኒዝያ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ መንግስቲ ንድሌት ህዝቢ ክምልስ ከም ዝግብኦ ደጋጊሙ ከም ዝሓበሮ እቲ ሕብረት ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ጠቂሱ።

ወሃቢ ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መግልጺ "ቱኒዝያ ነቲ ዘለዋ ዲሞክራሲ ከተባኽኖ የብላን" ኢሉ ድሕሪ ምምሕጻን "ንዲሞክራሲ ዝዕፍንን ናብ ግጭት ዝዕድምን ተግባራት ካብ ምግባር ክትቁጠብ ኣለዋ" ኢሉ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቱኒዝያ እቲ ዝጥለብ ዘሎ ከም ዘማልእዎ ንሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ፈረንሳ፣ ቱርኪ፣ ጣልያንን ጀርመንን ብቴሌፎንን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተመባጺዑሎም።

ብምስዓብ ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነቲ ስጉምቲ ንግዙኡ ወሲድዎ ከም ዘሎ'ውን ገሊጽሎም።

ኣብ ቱኒዝያ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሰልፊ ዝኾነ ኢናህዳ፡ ደገፍቱ ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብሩን ነቲ ዘሎ ኩነታት ከይጋድድዎን ብምጽዋዕ ዘሎ ጸገማት ብዘተ ክፍታሕ ሓቲቱ ኣሎ።