ሓያላት ሃገራት ክቆጻጸርኦ ዝደልያ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና

90 ምኢታዊት ብጽሒት ባሕሪ ደቡባዊ ቻይና ንዓይ’ዩ ዝግባእ ኢላ እትካታዕ ቻይና፡ ኣመሪካ ብኢድ ኣዛውሮ ኣብቲ ባሕሪ እትገብሮ ንጥፈታት ሰለማዊ ኩነታት እቲ ዞባ ዝዘርግ’ዩ ክትብል እንከላ ምምሕዳር ባይደን እናዓበየ ይመጽእ ንዘሎ ጽልዋ ቻይና ንምግታእ ምስ ኣውስትራልያ፣ ጃፓንን ህንድን ተላፊኑ ክሰርሕ ወሲኑ’ሎ።