እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓያላት ሃገራት ክቆጻጸርኦ ዝደልያ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና
90 ምኢታዊት ብጽሒት ባሕሪ ደቡባዊ ቻይና ንዓይ’ዩ ዝግባእ ኢላ እትካታዕ ቻይና፡ ኣመሪካ ብኢድ ኣዛውሮ ኣብቲ ባሕሪ እትገብሮ ንጥፈታት ሰለማዊ ኩነታት እቲ ዞባ ዝዘርግ’ዩ ክትብል እንከላ ምምሕዳር ባይደን እናዓበየ ይመጽእ ንዘሎ ጽልዋ ቻይና ንምግታእ ምስ ኣውስትራልያ፣ ጃፓንን ህንድን ተላፊኑ ክሰርሕ ወሲኑ’ሎ።