ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ሰራዊት ምክልኻል መሃይኦም ትሑት'ዩ"

ምንጪ ስእሊ, Fitusm Arega/Twitter
ብኣማኢት ዝቐጸሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ ክግበረሎም ንምሕታት ናብ ቤተ መንግስቲ ብምምራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ከም ዝተራኸቡ መንግስታዊ ቴለቭዥን'ታ ሃገር ሓቢሩ።
እቲ ኩነታት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ማሕበራዊ ሜድያን ምድንጋርን ሻቕሎትን ፈጢሩ ኣምስዩ'ዩ።
እቶም ወታሃደራት ምስ ዕጥቆም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣትዉ ክፍቀደሎም ድሕሪ ምሕታቶም፡ ብኣሃዱ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ምስ ተኸልኪሎም'ዮም።
እንተኾነ ግና፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮንን፡ ናብቶም ወታሃደራት ብምኻድ ብረቶም ከውርዱ ኣእሚንዎም ክብል ኮሚሸነር ፓሊስ ፈደራል ኣቶ ዜኑ ጀማል ንኣገልግሎት ቴሌቪዥን ፋና ሓቢሩ።
ድሕሪ'ዚ ድማ፡ እቶም ወታሃደራት ብረቶም ኣውሪዶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ክራኸቡ ተፈቒዱሎም፡ ዝነበሮም ናይ ወሰኽ ደሞዝ ጠለብን ካልኦት ጥራዓናትን ኣቕሪቦም።
እቲ ቀደማይ ሚኒስተር ብወገኑ፡ ምስ ብረቶም በቲ ኣገባብ'ቲ ምምጽኦም ግቡእ ከም ዘይኮነ ብምሕባር፡ ሕቶታቶም ብብደረጅኡ ክምለስ ምዃኑ ገሊጽሎም።
እቲ ዝመረጽዎ ኣገባብ ቅኑዕ ዘይምዃኑ ብምግሳጽ ድማ ዓሰርተ 'ፑሽ-ኣፕ' ክቕጽዑ ከም ዝኣዘዞም እቲ ኮሚሽነር ገሊጹ።
እቶም ወታሃደራት፡ ከምኡ እንተዘይገብሩ ነይሮም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ክራኸብሉ ዝኽእሉ ዝነበሮም ዕድል ጸቢብ ምንባሩ ከም ዝሓበሩ'ውን ጠቒሱ።
ድሕሪ'ዚ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቶም ወታሃደራት ደራር ምስ ጋበዞም፡እቶም ወታሃደራት፡ ነቲ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣብ ርእሰከተማ'ታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንጽን ዘይምርግጋእን ንምህዳእ ተባሂሎም ካብ ዝተፈላለየ ዝተወጻጽኡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምዃኖም ይንገር።
እቶም ሰብ ቀይሕ ቆብዕ ወታሃደራት ኣብ ቀጽሪ ቤተመንግስቲ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮንን ኣብ ኣኼባ እናሃለዉ ዘርእይ ስእሊታት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ናይቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተለጢፉ'ሎ።
ነቲ ስእልታት ኣሰንይዎ ዘሎ ጽሑፍ ድማ፡ ኣቶ ደመቀ ምስቶም ወታሃደራት ከም ዝተዘራረበን፡ ናብቲ ዝተመደብሉ ቦታታት ክምለሱ ምዃኖምን ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







