ጋዜጠኛ መደበር ተሌቪዥን ኤል ቲቪ፡ ቤተልሄም ታፈሰ፡ "ኣብ ስርሐይ ከቕጽል ኢየ"

ምንጪ ስእሊ, LTV FACEBOOK
መደበር ተሌቪዥን ኤል ቲቪ፡ ምስ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሰልፊ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፡ ኣብ ዝተገበረ ቃለ-መሕትት ንሓደ ኣካል ዘጥቅዑ ሕቶታት ቀሪቦም ብዝብል፡ ካብ በዓል መዚ ብሮድካስት መጠንቀቕታ ከምዝበፅሖ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝረብ ቀንዩ።
ሓላፊት ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብ እቲ መደበር ወይዘሮ ኣዲስ ብርሃኑ ግና፡ እቲ መደበር ቴለቪዥን ካብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዝበፅሖ መጠንቀቕታ ከምዘየለ ኣፍሊጠን።
"እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፡ ከም ሓበሬታ ካብ ዝተውሃበና ሓሳብ ብዝሰገረ ዝበፅሐና መጠንቀቕታ የለን" ኢለን።
"መጠንቀቕታ ዝሃበና ኣካል የለን። ነቲ መደብ ዘቕረበት ጋዜጠኛ'ውን ስርሓ ኣይለቐቐትን። ናይቲ ፕሮግራም ቪድዮ ተገዲድና ዘይኮነስ ንስብእና እታ ጋዜጠኛ ዝትንክፉ ሓሳባት ይወሃቡ ስለዘዉ በዓልና ኢና ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣሊናዮ" ክብላ ወሲኸን ሓቢረን።
ነቲ ቃለ መሕትት ዝገበረት ጋዜጠኛ ቤተልሄም ታፈሰ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ግና፡ በዓልመዚ ብሮድካስት፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ካብ ዩቲዩብ ክወርድ ነቲ መደበር ቴለቪዥን ከም ዘጠንቀቖን "ኣነ'ዉን ካብ ሕጂ ንደሓር ብግቡእ ክሰርሕ'ዩ" እቲ ቢሮ ዝሓበረኒ ትብል።
ቢቢሲ ትማሊ ምሸት ዘዘራረበን ናይ ኤልቲቪ ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብ ኣዲስ ብርሃኑ ዝሃብኦ ርእይቶ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ዝገለጸት ቤተልሄም፡ "ናይ ውልቂ ርእይቶአን ከም ዝኾነ ኢዩ ዝርድኣኒ" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ "ኣብቲ ጉዳይ ንኣይ ከይሓተትኩም ኣብ ዓቕሚ ሰብ ትሰርሕ እቲ ጉዳይ ብዙሕ ዘይምልከታ ዉልቀሰብ ምዝርራብኩም ኣየሐጎሰንን" ኢላ።
ትማሊ ምሸት፡ ምቕማጡ ሃገረ ኣሜሪካ ምስ ዝገበረ ናይ ቀረባ ሓለቓይ ኢዩ ዝበለቶ ወናኒ እቲ መደበር ቴለቪዥን፡ ኣብቲ ጉዳይ ምዝርራባን ስርሓ ክትቕጽል ምዃናን ሓቢራትና።
ምሉእ ትሕዝቶ ምስ ቤተልሄም ዝገበርናዮ ቃለመሕትት ከነቕርቦ ኢና።
ኣብ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ናብ በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ዝገበርናዮ ፈተነ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







