ይሙት ይሃሉ ዝፍለጥ ነገር የሎን- በዓልቲ ቤት ሳምሶን

መግለጺ ቪድዮ, ይሙት ይሃሉ ዝፍለጥ ነገር የሎን- በዓልቲ ቤት ሳምሶን

ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣቶ ሳምሶን ተስፋሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከባቢ መንበቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ካብ ዝጭወ ንድሓር ሃለዋቱ ከምዘይፍለጥ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሚለን ሓለፎም ገሊጻ።

ኣቶ ሳምሶን ኣብ ስራሕቲ መሸጣን ምክፍፋልን ጋዝ ተዋፊሩ ዝሰርሕ ነጋዳይ ከምዝኾነ ወሲኻ ገሊጻ።