ሃገራት ኣውሮጳ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብቲ ዝመጽኡሉ ብባሕሪ ይመልስኦም ኣለዋ

መግለጺ ቪድዮ, ሃገራት ኣውሮጳ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብቲ ዝመጽኡሉ ብባሕሪ ይመልስኦም ኣለዋ

ግሪኽ ነቶም ካብ ቱርኪ ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ስደተኛታት ትሕዘሉ ኣግባብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ግሪኽን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስሕሓብ ፈጢሩ ኣሎ።

ላዕለወይቲ ኮምሽነር ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ግሪኽ ንመሰረታዊ መሰላት እቲ ሕብረት ትጥሕስ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጻ፤ ሚኒስተር ስደትን ዑቕባን ግሪኽ፡ ኖቲስ ሚታራቺ፡ እቲ ናብ ኣውሮጳ ክኣትው ንዝፍትኑ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰጒግኩም ዝብል ክስታት “መሰረት ዘይብሉ’ዩ” ኢሉ።

ተሓለቕቲ መሰላት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ኣውሮጳ ዑቕባ ዝደልዩ ስደተኛተት፡ ዑቕባ ንምሕታት ዕድል ከይተዋህቦም ካብ ግሪኽ ናብ ቱርኪ ብኣስገዳድ ከም ዝተመለሱ ይገልጹ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፈርጋል ኬን ናብ ደሴታት ሌስቦስ ተንቀሳቒሱ ዘዳለዎ እዩ።